Almaz Hadudh

8K posts

Almaz Hadudh

Almaz Hadudh

@a_hadudh

911493

Katılım Eylül 2022
211 Takip Edilen140 Takipçiler
Almaz Hadudh retweetledi
Kassa HaileMariam
Kassa HaileMariam@KassaHMariam·
ብሰንኪ ገምዳሕዳሕ ፖለቲካዊ መሪሕነት፤ ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ትግራይን ትግራይን ዝፍጠር ነቓዕ ኣይህሉን! ኣበደን! ዘመነ መሳፍንቲ ብዘዘኻኽርን ብዘንዕቕን ፖለቲካዊ መሪሕነት ትግራይ ምስተለኣኣኽቶም ካብ ሕኹትኩት ውሻጠ ሓሊፎም፤ ምእንተ ክብሪ ህዝብን ሰራዊትን ትግራይ ዝብሃልን ዘይብሃልን ምፍላይ ተሳኢኑዎም፤ ስነኣእምሮኣዊ መጉዳእቲ ህዝብን ሰራዊትን ትግራይ እንተይገደሾም፤ ኣብ ኣደባባይ ተጠሊዖም የርእዩዎ ብዘለዉ ኣዐርዩ ዘሰክፍ ኣካይዳ፤ ከም ተወለድቲ ህዝቢ ትግራይ መብዛሕቲኡ ውነ ዘለዎ ብሄረተኛ ትግራዋይ ኩሉ ሓፊሩ፣ ሓዚኑ፣ ኣብ ሰንፈላል እውን ኣትዩ፡፡ ኣብ ሞንጎ ዲያስፖራ ኮነ ምስ ውሽጢ ዓዲ ዘሎ ርክብ ስልክታት ኮነ ብኣካል እንትንራኸብ ካልእ ዛዕባ ተሳኢኑ፡፡ እሞ ድማ ትግራይ ብርክት ዝበሉ ብህፁፅ ክዕመሙ ዘለዎም መደባት ሉኣላውነት፣ ምምላስ ተመዛበልትን ስዱዳትን፣ ተሓታትነትን ፍትሕን፣ ፍፁም ድኽነትን ሕውየትን ተዘራጊፎም እናሃለዉ፡፡ ህዝቢ መሪሖም ካብ ሓሳረ መከራን ቀፃሊ ፅንተትን ከሕውዩ ዝተብሃሉ ፖለቲካዊ መሪሕነት ናብ'ዙ ብርኪ ወሪዶም ሪእና ሓፊርና ሓዚንና ተሰኪፍና! ካብ መግለፂ ላዕለዎት ኣመራርሓ ሰራዊት ትግራይ ንምርግጋፅ ከምዝተኽኣለ፤ ... ፖለቲካዊ መሪሕነት ፖለቲካዊ ስርሑ ንኽሰርሕ፣ ሓላፍነት ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ማለት እውን ሰራዊት ትግራይ፣ ፖሊስን ሚሊሽያን ትግራይ ድማ፤ ካብ ዝኾነ ይኹን ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ ናፃ ኮይኑ፣ ረብሓን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ ናብ ዋጋ ዕዳጋ ከምዘየቕርብ፣ ፖለቲካ ትግራይ ብደቂ ትግራይ እምበር ብግዳማዊ ሓይሊ ዝፀዓን ከምዘይቕበል ዘስመረ እዩ:: ሰራዊት ትግራይ ስርዓትን ፀጥታን ኣብ ምኽባር፤ ካብ ውሽጢ ይኹን ካብ ደገ ክመፅእ ንዝኽእል ዝኾነ ይኹን ኣሉታዊ ምንቅስቓስ ብገንኡ ምምካን ብዝብል ኣምር ይምራሕ ከምዘሎ እዩ ንምርግጋፅ ተኻኢሉ:: ሰራዊት ትግራይ ቅድም ክብል እውን ኣብ ውሽጢ ሰራዊት ኢትዮጵያ እናሃለወ፤ ሃገራውን ከባብያውን ፀጥታ ካብ ምኽባርሓሊፉ ኣብ በዝሒ ከባቢታት ኣፍሪካ ዓቃቢ ሰላም ኮይኑ ዘገልገለ፤ ኣብ መኸተ ጀኖሳይ ትግራይ እውን ምእንተ ሃለዋትን ደሕንነትን ህዝቢ ትግራይ፤ ንማሕበረሰብ ዓለም ንፈታውን ፀላእን ዘስደመመ ሰራዊት ሃኒፁ፤ መሪር መስዋእትነትን መጉዳእቲ ኣካልን ዝኸፈለ፤ ትርጉምን ረብሓን ሰላም ብስነሓሳብ ጥራሕ እንተይኮነስ፤ ብተግባር እውን ዝተረድአን ዘመስከረን ሓይሊ እዩ፡፡ ስለዙይ እዙ ቅድሚ ሚኢቲ ዓመታት ንዝነበረ ከይዲ ዘመነ መሳፍንቲ ዘዘኻኽር ኣካይዳ ፖለቲካዊ መሪሕነት ትግራይ ንህዝቢ ትግራይ ቅሳነት እንተኸልኦ እውን፤ ብሰንኮም ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ትግራይ ዝፍጠር ነቓዕ ኣይህሉን፡፡ እዙ ፖለቲካዊ መሪሕነትን ኣባልን ንባዕሉ ንሃለዋት ፖለቲካዊ ውድቡ እንትብል መፍትሒ ሓሳባት ኣቕሪቡ ይዓሪ! ህዝቢ ትግራይ እማ ኣብ ከይዲ ህንፀት ታሪኽ ዘበናት ዝማዕበለ ስጡም ማሕበረሰብ ስለዝኾነ፤ ብዕቡይ መስፍናዊ ኣነነት፣ ብህርፋን ስልጣንን ጠልቆምቆምን፣ ምስ ጀኖሳይደራት ብዝሸርሐ ክሕደትን ከባብያውነትን ዘበናዊ መሳፍንቲ ዝሕምተል ህዝብን ሰራዊትን ኣይኮነን! ዘለኣለማዊ ክብርን ሞገስን ንሰማእታትናን ኣካሎም ንዝኸፈሉ ጀጋኑናን!
Kassa HaileMariam tweet media
AM
25
54
132
8.5K
Almaz Hadudh retweetledi
Almaz Hadudh retweetledi
Almaz Hadudh retweetledi