
ሕቶታትናን ዕላማታትናን ብናይ ሓሶት ደለይቲ ለውጢ ተጨውዩ ፣ ሃፍትን ስልጣንን መአከቢ ተገይሩ ኣሎ።
ካብዚ ብዝገደደ ኣብ ሓራ መሬት ተጋዳላይ ብዘይ ፍትሒ ይእሰር ፣ ብዘይ ምሕረት ይውቃዕ ፣ ብፀለመ እውን ንኽዳሃልን ተስፋ ንኽቖርፅን ይግበር ፣ እዚ ድማ ኹሉ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ።
ን ሌ/ጀ ፃድቃን ፣ ን ብ/ጀ ወዲ ኣንጥሩን ጉጅለታቶምን ስልጣን መሸቀጢ ኢሉ ዝስዋእ መንእሰይ የለን ክህሉ እውን የብሉን።
ብተወሳኺ ድማ ዝሃለወ ፖለቲካዊ ኣፈላላይ ይሃልወና ፣ ዓድና እንትውረር ምስ ወራሪ ኾይና ዘይኾነስ ምስ ህዝብና ኾይና ሓድነትና ኽነጠንክር ኢና።
ብፆት ፣ ንተኣኻኸብ ፣ ንደራጀው ፣ ንሰጣጠም ፣ ንትግራይና መኸተ ኾይና ተተካእቲ ወለዶ ንኹን።
ዘልኣለማዊ ክብርን ሞገስን ንጀጋኑ ስውኣትና !!!
AM



