Ministry of Information, Eritrea

9.1K posts

Ministry of Information, Eritrea banner
Ministry of Information, Eritrea

Ministry of Information, Eritrea

@shabait

Official Twitter Account of the Ministry of Information, The State of Eritrea

Asmara, Eritrea Katılım Şubat 2013
24 Takip Edilen23.8K Takipçiler
Ministry of Information, Eritrea
Cataract surgery at Birhan-Aini Hospital Cataract surgery is being performed at Birhan-Aini Referral Hospital in Asmara. The surgery is being conducted for nationals from across the country who were given appointments for the procedure. The program, which is being carried out by Eritrean professionals, will run from 25 to 28 March, and eye surgery is expected to be conducted on about 400 patients. According to documents, similar cataract surgery has been performed in the sub-zones of Nakfa, Teseney, Barentu, Afabet, and Akordet in the Gash Barka Region, as well as in Senafe and Adi-Keih in the Southern Region, and in Keren in the Anseba Region.
Ministry of Information, Eritrea tweet media
English
0
18
23
304
Ministry of Information, Eritrea
ቀዳማይ ፈስቲቫል ፊልም ኣስመራ ብኮሚሽን ባህልን ስፖርትን ኤርትራ ዝተወደበ፡ ቀዳማይ ፈስቲቫል ፊልም ኣስመራ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ሲነማታት ብዝቐርብ ምርኢታት ፊልምን ሰሚናራትን ብውዕዉዕ መንፈስ ኣብ ምክያድ ይርከብ። እዚ ካብ 21 – 29 መጋቢት 2026 ኣብ ኣስመራ፡ “ንትንሳኤ ጥበብ ፊልም ኤርትራ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ዝካየድ ዘሎ ቦኽሪ ፈስቲቫል ፊልም፡ ንምፍራይ ፊልም ኤርትራ ዝያዳ ንምብርባሩ ዝዓለመ ኮይኑ፡ ሞያውያንን ክኢላታትን ናይ’ቲ ዓውዲ ብዛዕባ ብድሆታትን ዕድላትን ናይዚ ዓውዲ ክዛተዩን ክግምግሙን ዘኽእል መድረኻት ዝሓቘፈ እዩ። ብዘይካ’ዚ ኣብ ዝሓለፉ 30 ዓመታት ካብ ዝፈረዩ ፊልምታት ኤርትራ ዝተሓረዩ’ውን ኣብ ዝተፈላለዩ ሲነማታት ናብ ተዓዘብቲ ኣብ ምቕራብ ይርከብ። ኣብ’ቲ ብቀዳም 21 መጋቢት፡ ኣብ ሲነማ ሮማ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቐትሪ ዝተኻየደ ወግዓዊ መኽፈቲ፡ ዕድመ ዝተገበረሎም ሓለፍቲ መንግስቲን ግንባርን፡ ብርክት ዝበሉ ሰራሕቲ ፊልምን ካልኦት ዕዱማትን ዝተሳተፍዎ ክኸውን እንከሎ፡ ነቲ ፈስቲቫል ኮሚሽነር ባህልን ስፖርትን ኤርትራ ኣምባሳደር ዘመደ ተኽለ ብወግዒ ከፊትዎ። ኣቦ መንበር ናይ’ዚ ፈስቲቫል ዝዀነ ኣቶ ሞሃድ ሱሌማን ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ “እቲ ፈስቲቫል ክልተ ዓበይቲን ተመላላእትን ንጥፈታት ከካይድ እዩ። ኣብ ቀዳማይ ንጥፈት ሃገራዊ፡ ማሕበራዊ፡ ትምህርታውን ፍቕራውን ትሕዝቶ ዘለዎ ልዕሊ 50 ፊልምታት ኣብ ሲነማ ሮማ፡ ኢምፐሮ፡ ኣዝመራን ሓማሴንን ናብ ህዝቢ ከቕርብ’ዩ። እቲ ካልኣይ ንጥፈት ከኣ፡ ፍልጠትን መረዳእታን ክብ ዘብል ኣብ ኣርባዕተ ዓበይቲ ዛዕባታት - ታሪኽ ፊልም ኤርትራ፡ ዓለማዊ ኢንዱስትሪ ፊልም፡ ኩነታት ኢንዱስትሪ ፊልምና እንታይ ይመስል፡ ንመጻኢ እንታይ ክኸውን ይግባእ - ዘተኩሩ 13 መጽናዕታዊ ወረቓቕቲ ብክኢላታት ክቐርብ’ዩ፡” ኢሉ። ንሱ ኣስዒቡ፡ እቲ ተዳልዩ ዘሎ ምርኢት ፊልም፡ ኣብ ኣዘንታውን ሓጺርን ፊልም ዘተኩር ከም ዝዀነን፡ ካብ ብሒትና ብሞባይልን ቴለቪዥንን ምርኣይ ኣውጽእ ኣቢሉ፡ ኣብ ዓቢ ስክሪን ምስ ብዙሓት ተዓዘብቲ ብምዃን ክንከታተል ከኽእለና’ዩ ኢሉ። ንሱ ኣብ መወዳእታ፡ ነቲ መደብ ኣብ ምዕዋት ንዝተሳተፉ ኣባላት ኮሚተ፡ ትካላትን ደገፍቲ ውልቀሰባትን ኣመስጊኑ። ስዒቡ ቃል ዘስመዐ ኮሚሽነር ባህልን ስፖርትን ኤርትራ ኣምባሳደር ዘመደ ተኽለ ብወገኑ፡ ንኣበጋግሳን ትሕዝቶን ናይ’ቲ ፈስቲቫል ድሕሪ ምብራህ፡ እቲ ዝካየድ ዘሎ ፈስቲቫል ፊልም ከም ፈላሚ መደብ ኣድላዪ ተመኵሮ ኣብ ምድላብ ልዑል ግደ ክህልዎ ምዃኑ ድሕሪ ምብራህ፡ ኣብ ቀጻሊ እቲ ፈስቲቫል ብትሕዝቶኡን ዓይነቱን ዝያዳ ዝዓምቈሉን በብእዋኑ ከኣ ናብ ሃገራውን ኣህጉራውን ደረጃታት ዝዓብየሉን ተበግሶታት ከም ዝውሰድ ኣብሪሁ። “ፊልም ከም ኣካል ስነ ጥበብ፡ ባህላዊ ንቕሓት ሕብረተሰብ ንኽስስን ዝጻወቶ ተራ ዓቢ እዩ። ታሪኽ ሃገርካ ንምፍላጥ፡ ብመንነት ንምኹራዕ፡ ሓድነት ህዝብኻ ንምድልዳል፡ ኣብ ሓጺር ሰዓታት ከተንብቦን ክትዘናግዓሉን እትኽእል መጽሓፍ’ዩ ከበሃል ይከኣል፡” ዝበለ ኣምባሳደር ዘመደ፡ ካብ’ቲ ንምመያ ዝቐረበ 210 ፊልምታት፡ ልዕሊ 50 ፊልምታት ንምርኢት ከም ዝተሓረየን፡ ብነፍሲ ወከፍ ቋንቋታት ሃገርና ዝተሰርሐ ፊልምታት ዝሓቘፈን ምዃኑ ኣገንዚቡ። ንሱ ኣብ መደምደምታ፡ ኣብ’ዚ ዓውዲ ዝጽበየና ዘሎ ዕማም ገዚፍ ከም ዝዀነ ብምግላጽ፡ ነዚ ዓውዲ ይኹን ንኻልኦት መዳያት ባህሊ ህዝብና ንምዕባይ ምሉእ ድሌት ከም ዘሎ እንተዀነ፡ ብቐሊሉን ብጽቡቕ ድሌትን ጥራይ ስለ ዘይዓቢ፡ ብግዜን ብቀጻሊ ስራሕን ክንጽዕረሉ ይግባእ ድሕሪ ምባል፡ “ብድሆታት እናሰገርካ፡ ዝተጠርየ ተመኩሮ እናዋህለልካ ዝኽየድ እዩ። ብኩሉ ቋንቋታትን ብዓይነትን ብዝሕን ዝፈርየሉን ዝቐርበሉን ክኸውን፡ ልዕሊ ኩሉ ንትጽቢት ተዓዘብቲ ዘርውዩ ክኾኑ ኢደይ ኢድካ ምባል ኣገዳሲ እዩ፡ ” ኢሉ። ብድሕሪ እዚ መኽፈቲ መደረታት፡ ብኣወሃሃዲ ሙዚቃ መምህር መሓመድሳልሕ ሑሴን ዝተዳለወ ሙዚቃዊ ምርኢት’ዩ ቀሪቡ። እዚ ሙዚቃዊ ምርኢት፡ ብገጣሚ መለስ ንጉሰ ተገጢማ ብመሓመድሳልሕ ሑሴን ዝተዘየመትን፡ ብድምጻዊት ዩስራ መሓመድ ሳልሕ ዝተደርፈት ‘ውህደት ኩሉ ጥበባት’ ዘርእስታ ደርፊን ከምኡ ድማ ብያታዊን ዘመናዊን መሳርሒታት ሙዚቃ፡ ዳግም ዝተቐናበረትን ዝተደርሰትን ሙዚቃዊት ደርፊ ‘ሚለኑ’ እያ። እዘን መሰጥቲ ምርኢታት፡ ብዝተፈላለዩ ሙዚቀኛታት ዝተሰነያ እየን ነይረን። ብድሕሪ’ዚ ዝቐረበት ሓጻር ፊልም ቋንቋ ዓፈር “ምስጢር ምድረበዳ” እያ። እዛ ፊልም ብጉጅለ ፈለግ ዝተዓየየት ኰይና፡ ብርክት ዝበሉ ገዳይም ሰራሕቲ ፊልም ዘሳተፈት እያ። እዛ ሓጻር ፊልም ኣብ እዋን ቃልሲ፡ ብሰራዊት ኢትዮጵያ ዝተፈጸመ ግፍዒታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢን፡ ካብ’ቲ ግፍዒ ዘምለጡ ኣቦን ጓልን ነቶም ዝረኸቡዎም ኣጋፋዕቲ ሰራዊት ምስጢር ናይ ማይ ኣሕሊፎም ንዘይምሃብ ዝኸፈልዎ ዋጋን እተርኢ ተንካፊት ፊልም’ያ ነይራ። እዚ ምርኢታት ንስምዒት ተሳተፍቲ ዝተንከፈ እዩ ነይሩ። ድሕሪ ወግዓዊ ምርኢታት፡ በቲ ዝወጸ መደባት መሰረት ኣብ ሰንበትን ሰኑይን ኣብ 4 ሲነማታት ማለት - ሲነማ ሮማ፡ ሲነማ ኣዝመራ፡ ሲነማ ኢምፐሮን ሲነማ ሓማሴንን 15 ፊልምታት ንምርኢት ቀሪቡ። ነዚ ምርኢት፡ ዕድመ ዝተገብረሎም ወከልቲ ህዝቢ፡ ተመሃሮን ኣፍቀርቲ ፊልምን ተዓዚቦሞ። ብዘይካ’ዚ፡ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቀትሪ፡ ኣብ ኣዳራሽ ሃ.ኮ.ሰ.ኤ ንታሪኽ ፊልም ኤርትራ ዝድህስሱ 3 ወረቓቕቲ ቀሪቦም። እቲ ሰሚናር ልዕሊ 250 ግዱሳትን ሰራሕቲ ፊልምን ዝተሳተፉሉ እዩ ነይሩ። መጀመርታ ወረቐቱ ዘቕረበ ስነ ጥበበኛን መምህር ስነ ጥበብን ኣቶ ኤፍሬም ካሕሳይ (ወዲ ኳዳ) ክኸውን እንከሎ፡ “ታሪኽ ፊልም ካብ እዋን መግዛእቲ ጣልያን ክሳብ መግዛእቲ ሃይለስላሰ” ዝዳህሰሰ እዩ ነይሩ። ንሱ ብቐንዱ ኤርትራውያን ብኸመይ ኣገባብ ምስ ምዕዛብ ፊልምን ባህሊ ሲነማን ከም ዝተላለዩን ከመይ ኣቢሎም ኣብ ምፍራይ ፊልም ክሳተፉ ከም ዝጀመሩን ዘብርህ ዝርዝራዊ ሓበሬታታት’ዩ ኣቕሪቡ። ብመሰረት ዘቕረቦ ወረቐት፡ ንፈለማ እዋን ምርኢት ፊልም 1922 ብሚስዮናውያን ኣቕሽሽቲ ማሕበር ካፑቺኖ ከም ዝጀመረን መንፈሳዊ ትሕዝቶ ከም ዝነበሮን ገሊጹ። ኣብ 1930ታት ኢጣልያውያን ብስፍሓት ፊልም ዘፍርዩሉን ኣብ ብራኸ ዝበጽሑሉን እዋን ከም ዝነበረን፡ መግዛእቲ ጣልያን ከኣ ብመንገዲ እዞም ፊልምታት ኣቢሉ ስነ ሓሳቡን ልዕልናኡን ንምስራጽ ይሰርሕ ከም ዝነበረ ገሊጹ። ሓያል መሳርሒ ንምንብርካኽ ኤርትራውያን ገይሩ ክጥቀመሉ ይጽዕር ምንባሩ’ውን ኣብሪሁ። ኣብ’ቲ እዋን ብርክት ዝበላ ሲነማታት ከም ዝተሃነጻን፡ ንኢጣልያውያንን ንደቀባትን ዘርእያ ሲነማታት ፍልልይ ከም ዝነበረንን ድሕሪ ምግላጽ፡ ኣብ’ቲ ናይ ዜጋታት ኢጣልያን ካልኦት ወጻእተኛታትን ዝርእዩሉ ሲነማታት ደቂ ሃገር ክርእዩ ይፍቀዶም ከም ዘይነበረን እንተተፈቒድዎም ከኣ፡ ኣብ ፍሉይ ቦታ ደው ኢሎም ክርእዩ ይግደዱ ምንባሮም ኣረዲኡ። ኣብ እዋን መግዛእቲ ጣልያን ኤርትራውያን ከም ተሓጋገዝቲን ዓጀብቲን ኰይኖም ኣብ ዕዮ ፊልም ይነጥፉ ከም ዝነበሩ፡ ኣብ እዋን መግዛእቲ እንግሊዝ ግን ንመጀመርታ እዋን ኣብ 1954 “Eva Nera” (ጸላም ሄዋን) ኣብ ዘርእስታ ፊልም፡ ወናኒት ባር ትብለጽ ተስፋሚካኤል ዝነበረት፡ ብምውሳእ ቀዳመይቲ ተዋሳኢት ምዃነን ኣረዲኡ። ኣብ እዋን መግዛእቲ ሃይለስላሰ ከኣ፡ ዘውዲ ኣርኣያ ኣብ 1969 ኣብ ውድድር ቁንጅና ኤክስፖ፡ ንዓዲ ጣልያን መኸዲን መምለስን ትኬት ተሸሊማ። ኣብኡ ተመርዕያ ኣብ ንጥፈታት ፊልም ክትዋሳእ’ውን ጀሚራ። ልዑል ተፈላጥነትን ክእለትን ዘርኣየት ተዋሳኢት ምንባራ’ውን ብዝርዝር ገሊጹ። ንሱ ቀጺሉ ብምሉእ ናይ ኤርትራውያን ጻዕሪ ዝተፈተነ ናይ መጀመርታ ፊልም ኣብ እዋን መግዛእቲ ሃጸይ ሃይለስላሰ ከም ዝነበረት፡ ኣብርሃም ሳህለን ኣማኑኤል ሳህለን ዝተበሃሉ ኣሕዋት፡ ምሉእ ድርሰት ብምድላው፡ ብምስኣልን ብምእላይን ነዚ ፈተነ ከም ዘካየድዎ ኣብሪሁ። እታ ፊልም Running Money ዝብል ኣርእስቲ ዝሓዘት ክትከውን እንከላ፡ ኣለም ግደ ብዝተበሃለ መራሒ ጠባይ ዝተዓየየትን መሳጢ ድሕረ ባይታ ዝሓዘት ምንባራን ገሊጹ። ንሱ ወረቐቱ ድሕሪ ምዝዛሙ፡ ካብ ተዓዘብቲ ዝተፈላለየ ርእይቶታት ቀሪቡሉ። ብፍላይኳ ኣባል ሃገራዊ ቤተ መዘክር ስነ ጥበበኛ ሃይለ በርሀ፡ ንባህሊ ሲነማ፡ ተሳትፎ ኤርትራውያን ኣብቲ መድረኽ፡ ምርኢታት ፊልም ኣብ ዝተፈላለዩ ሲነማታት ኤርትራን ካልእን ዝገልጽ ኣገዳሲ መብርሂን መመላእታን ሂቡ። ስዒቡ ዝቐረበ መጽናዕታዊ ወረቓቕቲ፡ “ፊልም ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ኰይኑ፡ ብኣባል ጨንፈር ስእሊ ዝነበረት ሰኣሊት፡ ደራሲትን ተርጓሚትን ሩት ስምኦን ዝቐረበ እዩ ነይሩ። ንሳ ካብ እዋን ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ኣትሒዙ ዝተፈላለዩ ተበግሶታትን ኣወዳድባታትን ምስናድ ቃልሲ ከም ዝነበረ ድሕሪ ምግላጽ፡ ኣብ ፈለማ መድረኻት ኣብ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዋላ’ኳ ውዱብ ኣሰናንዳ እንተዘይነበረ፡ ተጋደልቲ ውልቃዊ ንብረት ክውንኑ ይፍቀዶም ስለ ዝነበሩ ካሜራታት ዝነበሮም ውልቀ ተጋደልቲን ንጥፈታት ቃልሲ ክስንዱ ዝመጽኡ ዝነበሩ ወጻእተኛታትን ጻዕሪታት የካይዱ ከም ዝነበሩ ሓቢራ። ዋላ’ኳ ዝርዝራዊ ሓበሬታ ኣይትርከብ፡ ብተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝተሰነዱ 14 ስነዳዊ ፊልምታት ከም ዝተረኽቡን፡ ዝተሰነዱሉ ኣገባብ ኣብ ምጽናዕ ከም ዘላን ጠቒሳ። ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት ዝነበረ ናይ ስነዳ መንገዲታት ግን ውዱብን ብጨንፈር ስእሊ ዝምራሕን ምንባሩ ገሊጻ። ድሒሩ’ውን ብፍሉይ ኣተኩሮኡ ኣብ ምድላው ስነዳዊ ፊልምታትን ምርኢት ፊልምታት ንተጋደልቲን ህዝብን ዝገበረ ኣሃዱ ሲነማ ከም ዝቘመ ብዝርዝር ገሊጻ። ሂላል ብዝብል ቅጽል ብዝፍለጥ ፈረንሳዊ ሰኣሊ እናተመርሐት ኣብ 1975 ዝተዳለወት ስነዳዊት ፊልም “ደጀንና” ከኣ እታ ቀዳመይቲ ሰነዳዊት ፊልም ምዃና ገሊጻ። እዛ ፊልም ብ16 ሚሜ ዝቐረበት ኰይና፡ ድምጺ ዘይብላ ብምንባራ ኣብ እዋን ምርኢታት፡ ብማይክሮፎን መግለጺ እናተገበረላ ናብ ተዓዘብቲ ትቐርብ ምንባራ ገሊጻ። ኣብ’ቲ እዋን - ሰውራና፡ ኣዳራሽና፡ ደጀንና፡ ባና ሓርነት፡ ህጻናት ኤርትራ፡ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ ዝብላን ካልኦት ስነዳዊ ፊልምታትን ከም ዝተዳለዋ ገሊጻ። እዚ ኣሃዱ ካብ ምስናድ ሰውራ ኤርትራ ሓሊፉ’ውን ንቃልሲን ንጥፈታትን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ኣብ ምስናድ ይደጋገፍ ከም ዝነበረን፡ ድሒሩ’ውን ስልጠናታት ኣብ ምሃብ ከም ዝሰርሐን ብስእላዊ መግለጺታት ኣሰንያ ኣቕሪባ። ንዝኽሪ ስዉኣት ሰኣልቲ ከኣ፡ ናይ ሕልና ዝኽሪ ተኻዪዱ። እቲ መጽናዕታዊ ወረቐት ኣዝዩ ሰፊሕ ብምንባሩ፡ ኣቕረብቲ ርእይቶ “ታሪኽ ፊልምን ስእልን ብረታዊ ቃልሲ ኤርትራ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስቲ ብመልክዕ መጽሓፍ ክዳሎ ተላብዮም። ኣብ መወዳእታ መጽናዕታዊ ወረቐቱ ዘቕረበ ጋዜጠኛ ተስፋኣለም ገብረስላሰ (ጫረ) ኮይኑ፡ “ታሪኽ ፊልም ኤርትራ፡ ድሕሪ ናጽነት 1991 – 2025” ዝድህስስ እዩ ነይሩ። ንሱ ንድሕረ ባይታ ምትእትታው ፊልም ኣብ ኤርትራ ከም መበገሲ ብምጥቃም፡ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ፈለማ ዓመታት ዝተፈላለዩ ፈተነታት ምድላው ፊልምታትን ቪድዮ ድራማታትን ከም ዝነበረ ብዝርዝር ገሊጹ። እዚ ጻዕርታት ከኣ ተመኩሮን ተገዳስነትን እናወሰኸ ኣብ 1997 ንፈለማ እዋን ካብ መጽሓፍ “ደሓን ኩኒ እንዳ ኣፍራስ” ዝረዓመት ፊልም “ባሩድ 77” ተዳልያ ናብ ምርኢት ከም ዝቐረበት ገሊጹ። ኣብ’ቲ ዓመት “ፍቕርን ኲናትን” ዘርእስታ ፊልም ከም ዝቐረበት’ውን ገሊጹ። ንሱ ኣስዒቡ ብስፍሓት ምፍራይ ፊልም ንዝነበረሉ ዓመታት ካብ ፈለማ 2001 ክሳብ 2008 ከም ወርቃዊ እዋን ብምግላጽ፡ ከም ፊልምታት ሚኒስተር ኣብ ምብራኽ ምፍራይ ፊልም ኤርትራ ዝነበረን ተራ ገሊጹ። ንሱ ዝርዝራዊ ዝፈርያን ናብ ምርኢት ዝቐርባን ዝነበራ ፊልምታት፡ ኩነታት ምወላአን፡ ዝነበረን ብልጫታትን ድኻማትን ዘርዚሩ። በብእዋኑ ክቀላቐላ ዝጀመራ ስቱድዮታት፡ ዝወሃብ ዝነበረ ስልጠናታት፡ ሽልማታትን ዝገለጸ ጋዜጠኛ ተስፋኣለም፡ ድሒሩ ፊልምታት ካብ ሲነማታት ዝረሓቑሉ መድረኻትን እዋናዊ ዲጂታላዊ ምፍራይ ፊልምን ዘለዎ ብድሆታትን ብስፍሓት ተንቲኑ። ተኸታተልቲ ናይ’ቲ ሰሚናራት’ውን ኣገዳሲ ርእይቶታት ኣቕሪቦም። ቀዳማይ ፈስቲቫል ፊልም ኣስመራ፡ ክሳብ 28 መጋቢት ዝተፈላለዩ መጽናዕታዊ ወረቓቕቲን ምርኢት ፊልምታትን ከቕርብ’ዩ። #Eritrea ዘርእሰናይ ዓንደብርሃን
Ministry of Information, Eritrea tweet mediaMinistry of Information, Eritrea tweet media
AM
0
39
47
620
Ministry of Information, Eritrea
ታሪኽ ስእሊ፡ ዝኽሪ ትማሊ ኣብርሃም ዘርአ (ወዲ -ሃለቃ) ስእሊ ብዙሕ’ዩ ዝዛረብ። ስእሊ መስካሪ ጽሑፍ እዩ። ብዓቢኡ ከኣ፡ መግለጺ ሓፈሻዊ ንጥፈታት ደቂ-ሰብን ከባቢኦምን እዩ። ንዝተፈላለዩ ገጻትን ሕብሪ ህይወትን ብዝተፈላለዩ መንገድታት ይገልጽ። እንተስ ጽቡቕ እንተስ ሕማቕ ንሕሉፍ ታሪኽን ድሕረ-ባይታን ውልቀ-ሰባት፡ መራሕቲ፡ ኣህዛብ፡ ሃገራት... ይትንትን። ኮታ መግለጺ ሕሉፍ ስእልታት ህይወት ምዃኑ እዩ። ስእሊ ድምር ሕሉፍ ፍጻመታትካ እንተ ደኣ ኰይኑ፡ ህይወት ከኣ ነጸብራቕ ትማሊ እያ። ብሓፈሻ ስእሊ፡ ሕሉፍ ምስልታትካ ዘዘኻኽር ጥበብ እዩ። ናብ ናይ ቀደም ምስልኻ ዘሸፍትን ዘጋልብን ስሕበት። ንግዜኡ ኣብ ባሕሪ ሓሳብ ኣጥሒሉ፡ ክንደይ ዓመታት ናብ ድሕሪት ከም ትጋልብ ዝገብር ሓይሊ እዩ። ኣብ ዓንኬል ዝኽሪ ብምሽፋት ናትካን ናይ ብዙሓትን ምስሊ ሃሰው ከም ትብል ይገብር። “ከምዚ እንተ ፈጸምና፡ ከም’ዚ እንተ ሰራሕና፡ እንተ በላዕናን እንተ ሰተናን፡ እንተ ተጻወትና፡ ናብ ከም’ዚ እንተ ኸድና፡ ከምዚ እንተ’ጓነፈና .... እናበልካ ከም ትጸዊ ዝገብር ጸዓት እዩ። ብሓጺሩ ስእሊ ኣፍ ዘይብሉ ተዛራቢ እዩ። ንውዕሎታትን ፍጻመታትን ትማሊ፡ ናይ ምግላጽ ሓይሊ ኣለዎ። ስለ’ዚ እዩ ድማ ስእሊ ንማህደር ምስሊ ትማሊ ጉሕጉሕ ኣቢሉ ዘርኢ ቤትሮ እዩ ዝበሃል። ኣብ ዛንታ ምስሊ ዓሚ ኣዀይጡ ሓደ ብሓደ እናኣዘከረ ንድሕሪት ዘጋልብ ሓይሊ እዩ። ኣብ ከምዚ ህሞት ምጥሓል ሓሳብ፡ ሰባት ኣብ ጐድኖም ምስ ዝህልዉ፡ ንምስሊ ሕሉፎም እናዘከሩ ኣብ ምጽዋይ ከሕልፍዎ ይግደዱ። ስእሊ ናይ’ቲ ትማሊ ዝኸድዎን ዝተጐዓዝዎን እዩ። ስእሊ ናይ’ቲ ዝሓዀሩዎን ዝወረዱዎን ቁልቁለትን ኣጻድፍን ህይወት እዩ። ብሓፈሻ ስእሊ ናይቲ ዝተዓንቀፍዎን ዝወደቕዎን፡ ዝጸዓሩሉን ዝተዓወትዎን እዩ። ከምኡ’ውን ስእሊ ናይ’ቲ ቅድሚ ሰዓታት ዝፈጸምዎ ንጥፈታትን ዝኸድዎ ዘለዉ ሓዲድ ምንባርን እዩ። ብኣጠቓላሊ፡ ስእሊ ሕብሪ ህይወት እዩ። ስእሊ ልዕሊ ኣሽሓት ቃላት ከም ዝንበብ ሰሚዐ ኣለኹ። ኣብ ማህደር ውሽጡ መዓስን ኣበይን፡ ብኸመይን፡ ኣብ ከመይ ኩነታትን፡ ምስ ብዓል መን እንታይ ከም ዝተፈጸመ... ዝብሉ ብዙሓት ሕቶታት ዝኽሪ ክምልስ ድማ ግድን ይኸውን። ንፖለቲካዊ፡ ማሕበራዊ፡ መንፈሳዊ፡ ትምህርታዊ፡ ባህላዊ፡ ፍቕራዊ፡ ወተሃደራዊ ሸነኻት ህይወት ድማ ይግንጽልን የልዕልን። ስእሊ፡ ዛንታ ሕሉፍ ፍጻመታት ብምዃኑ፡ ብዙሕ ትዝታታት’ዩ ዘለዓዕል። ንግዜ ቁልዕነትካ፡ ንእስነትካ፡ ትምህርትኻ፡ መርዓኻ፡ ስራሕካ፡ ቃልስኻ፡ ግዜኻ . . ብሽኩሽኳ ዝኽሪ ሸለው ከም ትብል ይገብረካ። ምኽንያቱ ትማሊ ስእሊ ስለዝዀነ። ስእሊ ድማ ትማሊ እዩ። ኩሉ ውዑይን ዝሑልን ነገራት ድማ ኣብኡ ተጠቓሊሉ ንረኽቦ። ሓንቲ ቆጽሊ ስእሊ ብዙሕ ዝኽርታት’ያ ትሓቊፍ። ዋላ ሓንቲ ካልኢት ናታ ዝኽሪ ሰኒዳ ትህንፈፍ። ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታትን እዋንን ናይ ባዕሎም ፍጻመታትን ቆፎ ዝኽርን ኣለዎም። ሰብ ኣብ ሎሚ ኰይኑ ንድሕሪት ግልጽ ክብል እንከሎ፡ ኣብ ውሽጡ ሞዛይካዊ ፍጻመታት ህይወት ተዀሊዖም ይረኽቦም። እንተስ ዘስሕቕ፡ ዘብኪ፡ ዘሐጕስ፡ ዘጕሂ፡ ዘጨንቕ፡ ዘስደምም፡ ዘጽንዕን ዘትብዕን፡ ዘፍርሕ፡ ዘኹርዕ፡ .... ጽቡቕን ሕማቕን ናቱ መልክዓት ሰኒዱ ይሓልፍን ይተርፍን። ንጥሜት፡ ንጽጋብ፡ ዕርቃን፡ ስቓይ፡ ንሓጐስ፡ ንዝላ፡ ንውግእ፡ ምዕባለ፡ ዕንወት፡ ... ኣዳቒቑ ይትንትን። ብቕጀላ ኣእምሮ ድማ፡ ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ ይመላለስ። “ስእሊ ክንዲ ሽሕ ቃላት” ዝብል ኣበሃህላ እውን ንእዝንና ሓዲሽ ኣይኰን። ኣብ ውሽጡ ብዙሕ ክትረኽ ዝኽእል ዛንታታትን ገጻትን ኣለዎ። በቲ ኰይኑ በዚ ግን፡ ንስእልኻ ኣተኲርካ ምስ እትዕዘቦ፡ ሰነዳቱ ብኣሽሓት ቃላት ይዝርዝረልካ። ኣበይን መዓስን ምስ መን ኰይንካ ከም ዝተሰኣልካዮ ድማ፡ ኣጸቢቑ የዋግዓካ። ስእሊ ናይ ስፖርትን ስነ-ጥበብን ህይወትካ፡ ስእሊ ውግእን መስዋእትን፡ ስእሊ ፍቕራዊ ህይወትካ፡ ስእሊ ማእቶትን ልምዓትን፡ ትምህርትን ጉስነትን፡ ስደት፡ ጸወታ ዓርከ-መሓዛ፡ ዘሕለፍካዮ ጥዑምን ሕሱምን ናብራ .....። ንዘልዓልናዮ ኣርእስቲ ጽሑፍ እትድርዕ፡ ሓንቲ ደርፊ ዘኪረ። ደርፊ ድምጻዊ ሳሚኤል ተዓገስ ”ይረኣየኒ ኣብ ዓይነይ ተሳኢሉ” እኹል ምስክር እያ። ኣቃውማን ትሕዝቶን ትልምታት ናይዛ ደርፊ እንተ ደኣ ተዓዚብናዮን ሰሚዕናዮን፡ እዛ ደርፊ፡ ሓንቲ ካብተን ንስእላዊ ዝኽሪ ታሪኽና ዝገልጻን ኣጉሊሐን ዘርእያን እያ። ትዝ ይብለኩም ትዝ ይብለኒ ኩሉ ይረኣየኒ ኣብ ዓይነይ ተሳኢሉ ዕርድታትና፡ ዕርድታት ጀጋኑ.... ዝብል ቅጀላ ዝኽሪ ናይ መቓልስትን ዝተቓለሰሉ ቦታታትን ሓደ ብሓደ ብ ስእላዊ ናፍቖት ክዝርዝር ይስማዕ። ገድሊ ጥዑም ኣይኰነን። ከም ስሙ ዓቢ ጸድፍን ገደልን ዝበዝሖ ሕብራዊ ምስልታት ዘርኢ መስትያት ህይወት እዩ። እንተዀነ ኣብ’ቲ ሕሱም ናብራ ዘይነጽፍ ፍቕሪ ብጻይነትን ሓይልን ፈጢሩ። ስለዚ’ዩ ከኣ እዚ ድምጻዊ፡ ንዝወፈረሉ ዕላማ ትማሊ ብፍላይ ድማ፡ ነቲ ምቁር ግን ከኣ ሕሱም ናይ ገድላዊ ንእስነት ብጾቱ ብትካዘ ክዝክሮ ዝስማዕ። ዝዀነ ሰብ ይዕበ ይንኣስ፡ ይጥዓም ይሕሰም ናይ ንእስነት ዝኽሪ ኣለዎ። መን’ሞ ኣሎ ንሕሉፉ ዘይናፍቕ። ናብ ትዝታ ውዕሎታቱ ዘይንቆትን ዘይምለስን። ኣብ ኣእምሮ እናሻዕ እናተመላለሰ ህልም ዘይብል። ከም’ቲ ኣብ ግጥሚ ናይ’ዛ ደርፊ ዘሎ፡ ሰብ ብህይወት ይሃሉን ይሕለፍን ዝገደፎም ኣሰራት ህይወት ብዙሓት እዮም። ሰብ ስእሊ እንተ ዀይኑ፡ ነቲ ፍጻመታት ዝሰርሖ ድማ፡ ንሱ እዩ። ስእሊ ብስእሉ ዘይበሊ ስእሊ ፍቕርን ምትሕግጋዝን፡ ቅንዕናን ግርህነትን፡ ውዳበን ገድልን፡ ህጻንነትን ንእስነትን....። ኣብ ሕጂ ኰይኑ፡ ንትማሊ ዘዘኻኽርን ዘደፋንቕን ጥዑም ዝኽሪ ግን ከኣ፡ ዘይተመላሲ ኣቐንዛዊ ጥዑም ሰሓ ህይወት እዩ። ስእሊ ትማሊ፡ ስእሊ’ቲ ዘይሃስስ ህይወት። ካብ ስእልን ዝኽርን ትማሊ ከይወጻእና፡ ደርፊ እስቲፋኖስ ኣብርሃም (ዘማች) “ንእስነተይ ዝሓለፎ” እውን ንባዕሉ ስእሊ እዩ። ስእሊ’ታ ዝሓለፈት ትማሊ። ብድምጹ ኣቢሉ ድማ፡ ንትማሊ ከናፍቕን ከዳፋንቕን ይስማዕ። ንዝተሓልፈ እንተስ ምቁር እንተስ ሕሱም እዋን፡ ኣብ መዓልታዊ ኣብ ዝኽሪ ማህደር ህይወት ትማሊ እናመላለሰ ንሰባት ብቁጽ ከብል ይስማዕ። ብጋላቢት መገሻ ናብ ህይወት ትማሊ። ምረሻ ናብ’ታ ከም ዑፍ ትነፍር ዝነበረት ህይወት። ብዝኽራዊ ስእሊ ኣቢሉ ድማ፡ ናብ ትማሊ የጽድፍን ንባዕሉ ይጸድፍን። የናፍቕን ይናፍቕን። ግዜ ንእስነት ጽላሎት እዩ። ሓንሳብ እንተ ኸይዱ ኣይምለስን። ደርፊ ዘማች ከኣ፡ ንድሕሪት ዝጠዊ ብርቱዕ ዝኽሪ ትማሊ ኣለዋ። ብሓሳባዊ ቅጀላ ማዕዶ ንግዜ ቁልዕናን ኩትትናን፡ ጉስነትን ፍቕርን እናዘኻኸረት ብትማሊ ከም ትልሎ እትገብር ጥዕምቲ ግን ከኣ፡ ኣቐንዛዊት ደርፊ። ምኽንያቱ ትማሊ ስለ ዘይትድገም። ስእሊ ብስእሉ ኣብ መንገዲ ኣእምሮ ዝመላለስ ስእሊ። ስእሊ ዝሓንበስካሎም ወሓይዛት፡ ዝሰንጠቕካዮም እምባን ኩርባን፡ ሻኻን ጐላጒልን፡ እትፈልጦም ኣግራብን ጥሪትን ዝዓበኻሉ ገጠርን ከተማን፡ ዘዕበየካ ሕብረተሰብ፡ ዝሰተኻሉ ባራት፡ መናፈሻታት፡ ዝተሳተፍካዮም መርዓታትን ንግደታትን፡ ህይወት ማሕረስን ጉስነትን፡ ዳእላ ዓርከ መሰታ፡ ቤት ሕጽኖት.... ። ገለ ካብ ትሕዝቶ ናይ’ታ ደርፊ እዚ ዝስዕብ ይርከቦ። ንእስነተይ ዝሓለፎ ሎሚ ድሕሪ ነዊሕ ክዝክሮ ቲ’ ጎላጉል ዘዕበየኒ ከም ቀደሙ’ዶኾን ይጸንሓኒ... ዝብል ይርከቦ። ብተወሳኺ፡ ውሩይ ማሰኛን መላቓስን ዝነበሩ ኣቶ ክፍላት ተኽለ (ዓዲ-ወርሒ)፡ ሃንደበት ሓሚሞም ፈውሶም ተደልዩ ምስ ተሳእነ፡ ከም ዘይሓውዩ ስለ ዝተሰወጦም ንስእሊ ግዜ ቁልዕነቶምን ንእስነቶምን እናዘከሩን እናስቆንቆኑን ከም’ዚ ዝስዕብ ንነብሶም ከም ዘልቀሱላ ይዕለለሎም። ወየ! ወየ! ነብሰይ ከመይ ኢኺ ነብሰይ (2) ምስ ጐተናይ እንከለኹ ምስ ጋዕሰይ ምስ ጫማይ እንከለኹ ምስ ካልሰይ ምስ ቅጭነይ እንከለኹ ምስ ልብሰይ ውሑድዶ ተጻዊተ ምስ ‘ዞም መናእሰይ ተደልዩ፡ ተደልዩ ደታ ተሳኢኑ ፈውሰይ ሓመድ ደታ ኰይኑ ምትርኣሰይ ደሓን ዓሊ ወለላ መልሓሰይ። ከም ዝበሉ ኣይርሳዕን። ኣብ ሃገርና ኣብ ግዜ ቃልሲ ኣዝዮም ብዙሓት ሰኣልቲ ፈርዮም እዮም። ካብኡ ናብኡ ብፍላይ ሰኣልቲ ኲናት። ሰኣልቲ ኲናት ኣብ መንጎ ሞትን ሕየትን ተወጢሖም ነዚ ሎሚ እንዕዘቦ ዘለና ህያው ስእልታት ቃልሲ ክስንዱ ዝኸኣሉ ሓርበኛታት እዮም። ሽዑ እንተ ዘይስንድዎ ንዛንታ ስእሊ ትማሊ ከመይ ከም ዝነበረ ኣይምፈለጥናዮን። እስከ ነዞም ቀሪቦም ዘለዉ ስእሊ ሓደ ብሓደ ኣተኲርና ንተዓዘቦም? ብሓቂ ኣብዚ ህሞት ዝነበርና ሰባት እንታይ ዝኽሪ ክህልወና ይኽእል። ካብ ዛንታ እዘን ስእልታት ኣተኲርኩም ኣንብቡ’ሞ፡ ብዛንታ መልክዕ ጸሓፉ እንተ ንብሃልከ እንታይ ክንጽሕፍ ምኸኣልና? እዚ ስእሊ ኣብ’ቲ መሪር ዕጥቃዊ ቃልስና፡ ኣብ ዝተፈላለየ ናይ ዓውደ ኲናት እዋናት፡ ብዝተፈላለዩ ናይ ኲናት ሰኣልቲ ዝተሰነደ ምስ ምዃኑ፡ ክሳብ ክንደይ ቆጽሊ ወረቐት’ኮን ክንጽሕፍ ምኸልና? ገሊኡ ኣብ ኲናት ግንባር ሓልሓል፡ ገንፈሎም፡ ክሳድ መስሓሊት፡ ዕርድታት ናቕፋ፡ ባረንቱ፡ ከረን፡ ኣፍዓበትን ከባቢኣን፡ ግዜ ምድምሳስ ናደው እዝ፡ ስርሒት ፈንቅል፡ ግንባር ደቀምሓረ፡ .....ብምዑታት ሰኣልቲ ዝተሰነደ፡ ንጕዕዞ ሰውራና ዘንጸባርቕ ዝኽራዊ ኣሳእል እዩ። ነዚ ስእሊ ብኣንክሮ ምስ እንዕዘቦ፡ ተጋዳላይ ብድልያ ንናጽነት ሃንቀው ኢሉ እናማዕደዋን ዓወት እናተጐናጸፈን ይረአ። ነዚ ክገብር እንከሎ ድማ፡ ቃንዛን ሕሰምን መስዋእቲ፡ ጥሜትን ጽንካረ ገድልን ድማ ማዕረ-ማዕረኡ። ስእሊ የድምጽ እዩ። ድምጺ ብድምጹ ዓው ዝበለ ድምጺ ዕላማ። ጸሓይ ናጽነቱ ንምርካብ፡ ብሃረርታ ዕምሪ መግዛእቲ ከሕጽር ይጓየ። ገጽ ኣሽሓት ተቓለስቲ ብጾቱ ኣብ ገጹ ወኪሉ ብደጉሒ ጸብለልታ ሚዛን ቃልሲ ኳዕ ኢሉ ይረአ። ብዛዕባ’ዚ ስእልታት ብርዕኻ ኣንቢዕካ’ውን ዘርኢ ቃላት ክትጽሕፍ ቆጽሊ ወረቐት’ውን ኣይኣኽለካን። ኣብዛ ስእሊ ጽምኢ ኣሎ። ጽምኢ ማይ ዘይኰነስ፡ ጽምእን ናፍቖትን ሓርነት። ምምዕዳው ተስፋን ዓወትን፡ ምጽማምን ሓቦን፡ ምርጫ ገድልን ምርግጋጽ መንነትን ክብርን፡ ዕላማን ቃልስን ምረት ሓርጎጽጎጹን፡ ፍቕሪ ብጾትን ህዝብን... ተር ከም ዓተር ኣብ ዕርድታት ዝኽሪ ቃልሲ ትማሊ ተመሳቒሎም ይረኣዩ። ኣብ ሎሚ ኴንካ፡ ነቲ ናይ ሽዑ ናጽነት ክደሊ ዝወፈረ ዓንተር ዘክር እንተ ዝበሃልስ፡ እቲ ዝርዝር ብዙሕ ምዀነ። ክንዮ ምድፍናቕን ሓበንን ዘፍርዮ ዋራት ግን ኣይህልዎን። ናብ’ቲ ናይ ሽዑ እዋን ዝነበሩ ኣፍ ዘየኽድኑ ተዋዘይትን ተብዓት ብጾትን፡ ዝነበረ ህሞት፡ ጥምየትን ጽምእን፡ መጥቃዕትን ቆራጽነትን፡ ኣደራዕን ሕሰምን፡ ሞራልን ተስፋን ብዝኽሪ ህልም ከም ዝብሉ ርዱእ ነገር’ዩ። ዋላ እቲ ሕሱም ግዜ፡ ምቁር እዩ። ምኽንያቱ ዛንታ ስእሊ ትማሊ ወሪቑ ስለ ዝሓልፍ። እንተስ ብውልቂ እንተስ ብሓባር ኣብ ባሕሪ ዝኽሪ ምምልላስ ዘይተርፍ እዩ። ስእሊ ዘይበሊ ሓወልቲ ህይወት እዩ። ስእሊ ታሪኽ እንተ ዀይኑ፡ ታሪኽ ከኣ፡ ፍቕሪ እዩ። ፍቕሪ ከኣ ዘይሃስስን ዘይበልን ዝኽሪ ትማሊ እዩ።
Ministry of Information, Eritrea tweet mediaMinistry of Information, Eritrea tweet mediaMinistry of Information, Eritrea tweet mediaMinistry of Information, Eritrea tweet media
AM
0
24
28
386
Ministry of Information, Eritrea
ጠንቂ ቅልውላው ኢትዮጵያ ቀይሕ ባሕሪ ኣይኮነን ደበሳይ ጸጋይ ኣብ ኢትዮጵያ ሕጂ ዝገዝእ ዘሎ ሰልፊ ብልጽግና፡ ናይ ሸፈጥ ፖለቲካ፡ ምድንጋርን ሕንፍሽፍሽን ከም ቀንዲ ናይ ምሕደራ ስትራተጂ ገይሩ ዝጥቀመሎም ሜላታት እዮም። እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ውሽጣዊ ፖለቲካውን ቁጠባውን ማሕበራውን ቅልውላዋት ዝፈጠሮ ጸቕጢ ክብድህ ብዘይ ምኽኣሉ፡ እቲ ዘሎ ጸገማት ብግዳማዊ ሓይሊ ዝተፈጥረ ንምምሳል ምስምስ ይፈጥር ከም ዘሎ ዝፍለጥ እዩ። ኣብ ቀረባ ግዜ ብተደጋጋሚ ዝስማዕ ዘሎ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዘተኰረ ትረኻታት ናብ ልኡላውነት ኤርትራ ዘቕንዐ ነገር ጻሕታሪ መደረታት ዕላማኡ ብቐንዱ ህዝቢ ንምድንጋር እዩ። ሰልፊ ብልጽግና ካብቲ ዝገጠሞ ዘቤታዊ ፍሽለት፡ ኣቓልቦ ናይቲ ተስፋ ዝቘረጸ ህዝቢ ናብ ግዳም ንምጥምዛዝ ዝጥቀመሉ ሽጣራ እዩ። ኣፍ ተቓወምቲ ንምዕባስ፡ ስምዒት ሃገራውነት ብምልዕዓል ዕምሪ ናይቲ ዝፈራኸሽ ዘሎ ስርዓት ንምንዋሕ ብምሕሳብ ዝካየድ ዘሎ ጐስጓሳት እዩ። እዚ ስትራተጂ እዚ፡ ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ሓድሽ ኣይኮነን። ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ኣቢይ ግና ተራእዩ ዘይፈልጥ ሓደገኛ ደረጃ በጺሑ ኣሎ። ንኤርትራ ከም ቀዳመይቲ ተጻባኢት ሃገር ገይሩ ከቕርባ ከሎ፡ ንሃገሩ ረብሓ ዝህብ ብምዃኑ ዘይኮነስ ካብ ዓቕሊ ጽበት ዝተላዕለ ዝግበር ናይ ጭንቀት ምልክት እዩ። ኤርትራ ንልኡላውነታ ኣሕሊፋ ዘይትህብ፡ ብርእሰ ምርኮሳ እትተኣማመን ሃገር ከም ምዃና፡ ብመንጽር እቲ ኣብ ናይ ወጻኢ ሓገዝ ዝምርኰስ ስማዊ ሰልፊ ኣዝዩ ዘይቀራረብ መንነት እዩ ዘለዋ። ኤርትራ፡ ብዘይ ናይ ወጻእ ሓገዝ ንርእሳ ባዕላ ክትከላኸል ምኽኣላ ንእንታይነት ናይቲ ኣብ ሰንኮፍ ዘሎ ኣብ ልቓሕ ዝምርኮስን ናይ ወጻኢ ፖለቲካዊ ደገፍ ዝጥምትን መንግስቲ ኣቢይ የቃልዖ እዩ። ሰልፊ ብልጽግና፡ ኢትዮጵያ ዝግበኣ ስፍራ ከይትሕዝ ኤርትራ ዕንቅፋት ከም ዝኾነት እናጠቀነ፡ ፍሽለቱ ብምኽዋል ነቲ ዝተበታተነ ህዝቡ ኣብዚ ናይ ሓሶት ትረኻ ክኣኻኽብ ይፍትን ኣሎ። እቲ ስርዓት፡ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝገብሮ ጠመተ፡ ብሰንኪ ብልሽው ምሕደራኡ ኣብ ህዝቢ ዝገሃድ ዘሎ ከቢድ ስቓይ ንምሽፍፋን እዩ። ኣቢይ ኣብ 2018 ኣብ ኢትዮጵያ ስልጣን ካብ ዝሕዝ ንደሓር እታ ሃገር ካብ ሓደ ጸበባ ናብ ካልእ እናተመሓላለፈት እያ ጸኒሓ። ኲናት ኣብዚ ግዜ እዚ ናብ ኣምሓራን ኦሮሚያን ልሒሙ ይላባዕ ኣሎ። ንዝለዓል ፖለቲካዊ መረረ ኣብ ክንዲ ፖለቲካዊ ፍወሳ ዝገብረሉ ድማ እቲ ሰልፊ ወተሃደራዊ ሓይሊ ምዕባይ ከም ቀንዲ ፍታሕ ገይሩ ይወስዶ ኣሎ። ከም ውጽኢቱ ድማ ሃገር ብባርዕ ውግእ ተሸፊና፡ ህዝባዊ ምትእምማን ጠፊኡ፡ ከተማታት ዓንዩ፡ ዓድታት ብምምዝባል ህዝቢ ባዶ ተሪፉ ይርከብ። ኣብዚ ግጭታት’ዚ፡ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰላማውያን ሰባት ህይወቶም ስኢኖም ኣለዉ። ብሚልዮናት ዝቝጸሩ ተመዛቢሎም ብዋሕዲ መግቢ እናተሳቐዩ፡ ብቑዕ ሕክምና ኣብ ዘይብሉ ኣብ ቴንዳታት ተዓቚቦም ይርከቡ። ምስቲ ኩሉ ዘይከሓድ ሰብኣዊ ቅልውላው፡ እቲ ስርዓት ሓላፍነት ክስከም ኣይደልን። ሓበሬታ እናዓበጠ፡ ክዛረቡ ዝደልዩ ከም ገበነኛታት ይቈጻጸሮም። መሰረታዊ ዝኾነ ጠንቂ ዘይምርግጋእን ምብትታን ህዝቢን ኣብ ክንዲ ምንዳይ፡ እቲ ቅልውላው ካብ ወጻኢ ዝኣተወ ገይሩ የቕርቦ። ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝተኰረ ትረኻ ድማ ሓደ ካብቲ ንመደናገሪ ዝጥቀመሉ ዘሎ ብሉይ ሽጣራ እዩ። እቲ ስርዓት ብዘይጭበጥ ሕልሚ ንህዝቢ ኢትዮጵያ እናደናገረ፡ በቲ ካልእ ገጽ ቁጠባ ሃገር መዕለቢ ናብ ዘይብሉ ጸድፊ እዩ ዘንቈልቁል ዘሎ። ብሰንኪ ኣብ ታሪኽ ተራእዩ ዘይፈልጥ ሕስራን ባጤራ ተራ ዜጋ ኣብ ከቢድ ናይ ናብራ ስቓይ ወዲቑ ኣሎ። ናይ ኣቢይ ውልቃዊ መንነት ዘተዓባብዩ ቁጠባዊ ረብሓ ዘይብሎም ምስሊ ብልጽግናን ግስጋሰን ከንጸባርቑ ይኽእሉ ዝተባህሉ ግና ባዶ ዋኒናት፡ ቢልዮናት ዶላራት ወጻኢ ዝተገብረሎም ዓበይቲ መናፈሻታትን ናይ መዘናግዒ ስፍራታትን ይህነጹ ኣለዉ። ሓደ ካብ ዕላማታት ናይቲ ብዛዕባ ቀይሕ ባሕሪ ዝልፍለፍ ትረኻታት እምበኣር ነቲ ቁጠባዊ ዕንወት ንምሽፋን እዩ። #Eritrea
Ministry of Information, Eritrea tweet media
AM
0
39
55
1.8K
Ministry of Information, Eritrea
ውዳበ ማሕበር፡ ሓያል ድርኺት ንሓያል ትግባረ ወዲ-ሰብ ናብ’ዛ ብጻዕርን ሓርኮትኮትን እትንበር ዓለም ፍጥር ክብል ኣትሒዙ፡ ዕለታዊ መግቡ ማእሪሩ ንኽነብር፡ ካብ ተጻባእቲ ጸላእቲ ተኸላኺሉ ውሕስነቱን ጸጥታኡን ከረጋግጽ፡ ምቹእ ናብራ ፈጢሩ መነባብሮኡ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ጸገም ከካይድን ካልእን፡ ብሓባርን ብጉጅለን እናነበረ፡ ካብ ምንቅስቓስ ፍጹም ኣቋሪጹ ኣይፈልጥን። ዋላ’ኳ ይዕበ ይንኣስ ጸገማት ኣብ ዘጓንፈሉ ግዜን እዋንን ከይተረፈ፡ ብሓባር ወይ ብጉጀለ ኮይኑ ጸገማት ምፍታሕ ከም ንቡር መዳያት ህይወት ተወሲዱ ብስሩዕ ይስርሓሉ ነይሩን ኣሎን። ከምኡ ሳላ ዝገበረ ድማ ቀጻልነቱን ሰራርነቱን ከረጋግጽ ክኢሉ። ዕላማታት ህይወት፡ ናብ’ቲ ናይ መወዳእታ ሸቶታትን ዕላማታትን ንምብጻሕ፡ ብሓባር ወይ ብጉጀለ ኮይንካ ተኣኻኺብካ ምንባር፡ ኣማራጺ ዘይብሉ ዝሓሸ መዳያት ህይወት እንተ ተባህለ ኣይተጋነንን። እዚ ድማ ንኻልእ ዘይኮነ፡ ማዕረ ተሳትፎ፡ ምዕሩይ ተጠቃምነት ጸጋታት፡ ሓባራውን ሓፈሻውን ውክልና ንምርግጋጽን ካልእን፡ ኣገዳስነት ስለ ዘለዎ’ዩ። ኮይኑ ድማ፡ ምትእኽኻብ ደቂ- ሰብ ንዝተፈላለየ ዕላማታትን ዝተፈላለየ ጥቕምታትን ረብሓታትን ከም ግቡእ መሰላት ተወሲዱ፡ ካብ ባህላዊ መዳያት ጥርናፈ ወይ ውዳበ ኣትሒዙ፡ ክሳብ ጥበባዊ ወይ ክኢላዊ መዳያት ህይወት ክስርሓሉ ጸኒሑን ኣሎን። ንኣብነት፡ ኣብ ኤርትራ እንተ መጺእና፡ ካብ ቀደም ጀሚሩ ከም ማሕበር፡ ዕቁብ ወዘተ ዝኣመሰሉ ጥርናፈታት የካይድ ነይሩ እዩ። ክሳብ ሕጂ’ውን ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እናተታኻኸአ ይቕጽል ኣሎ። ማሕበራዊ ሱታፈ ንምዕዛዝ፡ ከምኡ’ውን ማሕበራዊ መነባብሮ ንምስማር፡ ዘይነዓቕ ኣበርክቶን ተራን ይጻወት ኣሎ። ብተናጸል ወይ ብውልቂ ኮይንካ እተካይዶ ስርሓት ወይ ንጥፈታት ግን፡ ውጽኢትን ኣድማዕነትን ከም ዘይብሉ ርዱእ’ዩ። ውዳበ ወይ ጥርናፈ፡ እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገለጸ ታሪኻውን ማሕበራውን ትርጉምን ትሕዝቶን ሃልይዎ፡ ብፍላይ ድማ ብሰንኪ ባህርያውን ሰብ-ሰርሖን ሓደጋታት ዘስዓቦ ቅልውልዋትን፡ ግዳያት ማሕበራዊ ጸገማት ንዝኾኑ ዜጋታት፡ ፍሉይ ራብሖት ወይ ጠቐሜታ ኣለዎ። ባህርያውን ሰብ-ሰርሖ ሓደጋታትን ዘስዓቦ ኣካላዊ፡ መንፈሳውን ኣእምሮኣውን ጉድኣታት ብቕልጡፍ ተፈዊሱ ናብ’ቲ ዝነበሮ ህይወትን መነባብሮን ክምለስ ዘሎ ጻዕሪታትን መስገደላትን ቀሊል ክኸውን ከም ዘይክእል መቸም ርዱእ’ዩ። ከም ኣምሳያኡ ዝመጽአ ስንክልና፡ ብውልቁ ኮይኑ ብዘይ ዝኾነ ደገፍን ሓገዝን ክነብር ኣዝዩ ኣጸጋሚ’ዩ፣ ብፍላይ ድማ ኣብቲ መጀመርያ እዋናትን ግዝያትን። ኣመለኻኽታን ኣረኣእያን ሕብረተሰብ ኣብዚ መዳይ’ዚ እወታዊ እንተ ዘይኮይኑ፡ ነቲ ዘለዎ ጸገማት ተጻዊሩን በዲሁን ንቡር መነባብሮ ከካይድ ዓቐበት’ዩ። ክንዲ ዝኾነ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ዘጋጥሞ ዓይነትን ክብደትን ስንክልና በዲሁ፡ ጾር ስድራቤቱን ሕብረተሰቡን ከይኮነ መነባብሮኡ ክመርሕ፡ ምስቶም ሓደ ዓይነትን ተመሳሳሊ ማሕበራዊ ጸገማትን ዘለዎም ወገናት ተወሃሂዱን ተሓባቢሩን ክሰርሓሉ ዝኽእል ባይታ ክፍጠረሉ ናይ ግድን ይኸውን። እዚ ከኣ ኣብ ማሕበር ተጠርኒፉ ምስ ዝሰርሕ’ዩ። ዓይነ-ስዉራን ወይ ዑረት ዘጋጠሞም ዜጋታት፡ ነዚ ዝተጠቕሰ ጥርናፈ ወይ ውዳበ ተጠቀምቲ ክኾኑ ዝተገብረ ስርሓት፡ ናይዚ እዋን ዛዕባ ክኸውን’ዩ። ዓይነ-ስዉራን፡ ነቲ ዘጋጠሞም ናይ ዑረት ጸገማትን ካልእ ምስኡ ዝተኣሳሰር ማሕበራዊ ዕንቅፋታትን በዲሆም ዕለታዊ መነባብሮኦም ከካይዱ ብዘይካ ዘካይድዎ ውልቃዊ ጻዕሪታትን ቃልሲታትን፡ ኣብ ምንቅስቓሶምን ተዛማዲ ህይወታዊ ጉዕዞኦምን ዝሕግዞም ወይ ዝድግፎም ሰባት፡ መሳርሒታትን መሳለጥያታትን የድልዮም። ነዚ ኩሉ ነገራት ሓደ ዓይነ-ስዉር በይኑ ከማልኦ ኣይክእልን። እንታይ ደኣ፧ ናይ ግድን ምስ ካልኦት ሰባት ተጣሚሩ ክሰርሕ ኣለዎ። ስለዚ ነዚ ጉዳይ’ዚ ንምፍታሕ፡ እታ እንኮ ምርጫ ኣብ ማሕበር ተጠርኒፍካ ምቅላስን ጻዕሪታትካ ምሕያልን’ዩ። ንኣብነት፡ ሓደ ሰብ በይኑ እንተ ኣጣቒዑ፡ ብዙሕ ከይስማዕ ይኽእል’ዩ። ብዙሓት ሰባት ብሓባር እንተ ኣጣቒዖም ግን ዝፈጥሮ ጽምጺ ልዑል ካብ ምዃኑ ዝተላዕለ፡ ካብ ርሑቕ ክስማዕ ግድን’ዩ። ብመንጽር እዚ፡ ኣብ ማሕበር ምጥርናፍ ፍሉይ ሓይሊን ብርታዐን ኣለዎ። ዓይነ- ስዉራን ድማ ነዚ ሓይሊን ብርትዐን እዚ ንምልባስ፡ ካብ ነዊሕ እዋናት ኣትሒዞም ኣብ ማሕበር ተጠርኒፎም ብሓባር ወይ ብጉጅለ ክንቀሳቐሱ ጸኒሖም። ሃገራዊ ማሕበር ዓይነ ስዉራን፡ ኣብ ወርሒ መስከረም 1996 ዓ.ም ክቡር ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ዝተረኽበሉ፡ መስራቲ ጉባኤ ኣካዪዱ። ብደረጃ ሃገር ወግዓዊ ማሕበር ቅድሚ ምቛሙ ግን፡ ቅድሚ ናጽነት፡ ኣብ ከተማ ኣስመራ ንውሱናት ዓይነ-ስዉራን ጥራይ እተገልግል፡ ማሕበር ነይራ። ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ግን፡ እቶም ነዛ ማሕበር ዘካይዱ ዝነበሩ ኣባላት መብዛሕትኦም ኢትጵያውያን ብምንባሮም፡ ሃገራዊ ማሕበር ንምግባራ፡ መባእታውን ተመጣጣኒን ስርሓት ተኻይዶም። ድሓር ግን መሰጋገሪ ሕጊ ኤርትራ ዓንቀጽ 404 – 483 ዝሓቶን ዝጠልቦን ምርኩስ ብምግባር ኩሉ ቅጥዕታትን መ ም ዘ ኒ ታ ት ን ኣማሊኡ፡ ንሓዋሩ ከስርሖ ዝኽእል ቅዋምን ውሽጣዊ መምርሒን ማሕበር ነዲፉ፣ መስራቲ ጉባኤ ብምክያድ ኣጽዲቑን ሕጋዊ ተፈላጥነት ከም ዝረክብ ኮይኑን። ሃገራዊ ማሕበር ዓይነ- ስዉራን፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ትሕቲ ጽላል ሚኒስትሪ ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን ዝሰርሕ ዘሎ ኮይኑ፡ ካብ መላእ ሃገር ዝተወከሉ ዓይነ-ስዉራን ዝጠርነፈ’ዩ። ሃገራዊ ማሕበር ዓይነ-ስዉራን፡ ዝተፈለየ ቅርጺን ኣቃውማን ሃልይዎ፡ ንሓፈሻዊ ጉባኤ፡ ማእከላይ ሽማግለ፡ ፈጻሚት ሽማግለ፡ ተቘጻጻሪት ሽማግለ፡ ጨናፍር ዞባታት፡ ማእከላይ ቤት-ጽሕፈት ዝሓቖፈ’ዩ። ብመሰረት ተነዲፉ ዝጸደቐ ቅዋም ከኣ ነፍሲ ወከፍ ኣካል ንጹር ስልጣን፡ ዕማም፡ ሓላፍነትን ተሓታትነትን ኣለዎ። ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ኣርባዕተ ዓመት ከኣ፡ ካብ መላእ ሃገር ዝተወከሉ ኣባላት ማሕበር ኣብ ዘለዉሉ ሓፈሻዊ ጉባኤ፡ ቅዋም ምምሕያሽን ምጽዳቕን፡ ናይ ዝሓለፈ ግዜያት ብልጫታትን ድኻማትን ምፍታሽን ምግምጋምን፡ ንዝመጽእ ዓመታት ነቲ ማሕበር ዘካይዱ መራሕቲ ምምራጽን ካልእ ተመሳሰልቲ ዕማማትን ንጥፈታትን የካይድ። ቀንዲን መሰረታውን ዕላማታት ሃገራዊ ማሕበር ዓይነ ስዉራን፡ ሰብኣዊ ክብርን መሰላትን ምጥባቕ፡ ማሕበራዊ ተነጽሎን ኣድልዎን ከየጋጥሞም ምክልኻል፡ ዓቕሞምን ክእለቶምን ንምብራኽ ሞያዊ ስልጠናን ትምህርትን ምሃብ፡ ኣብ ማሕበራውን ቁጠባውን ምዕባለ ሃገር ዘለዎም ተሳትፎ ምምዕባል፡ ውሑስን ዘላቕን ህይወት መነባብሮ ክህልዎም ናይ ስራሕ ዕድላት ምፍጣር፡ ምስ ካልኦት መሻርኽቲን ማሕበራትን ድልዱል ዝምድናታት ከም ዝህልዎም ምግባርን ካልእን ዘጠቓለለ’ዩ። ነዞም ዝተጠቕሱ ዕላማታት ንምዕዋት ድማ ዘይተሓለለን ቀጻሊን ጻዕሪታት የካይድ ኣሎ። ዋላ’ኳ ብዙሕ ዝተርፎ ነገራት እንተሃለወ፡ ክሳብ ሕጂ ግን ውጽኢታዊ ስራሕ ይሰርሕ ኣሎ ክብሃል ይከኣል። ኣብ ውሽጢ ሃገራዊ ማሕበር ዓይነ ስዉራን፡ ሰለስተ ዓይነት ኣባልነት ኣሎ። ንሳቶም ድማ ምሉእ ኣባልነት፡ ተሓባባሪ ኣባልነትን ናይ ክብሪ ኣባልነትን እዮም። ምሉእ ኣባልነት ዝብሃል ዕድመኡ ካብ 18 ዓመት ንላዕሊ ኮይኑ፡ ክልተ ኣዒንቱ ዘይርኢን ብኸፊል ዝርኢን ኤርትራዊ ዜጋ’ዩ። ተሓባባሪ ኣባል ዝብሃል ድማ፡ ትካል ወይ ዓይነ-ሱዉር ዘይኮነ ኤርትራዊ ውልቀ-ሰብ ኮይኑ፡ ብዘይ ቅድመ ኩነት ንማሕበር ብድልየቱ ንኽሕግዝ ውዕል ዝኣተወ’ዩ። ናይ ክብሪ ኣባል ዝብሃል ግን፡ ኣብ ማሕበር ምምስራትን ዕማም ማሕበር ኣብ ምዕዋትን ዓቢ እጃም ንዘበርከተ ውልቀ-ሰብ ዝወሃብ ኣባልነት’ዩ። ነፍሲ- ወከፎም ድማ ብመንጽር ዘለዎም ኣባልነት፡ ዝተወሰነን ንጹርን ግቡኣትን መሰላትን ኣለዎም። ሃገራዊ ማሕበር ዓይነ-ስዉራን ኤርትራ፡ ብመንጽር ዝቘመሉ ዕላማታትን ሸቶታትን፡ ዘተግብሮም ዘሎ ዕማማትን ንጥፈታትን ብዙሕ’ዩ። ንኣብነት፡ ኣመለኻኽታን ኣረኣእያን ሕብረተሰብ ንምዕራይ ቀጻሊን ስሩዕን ጐስጓሳት ምክያድ፡ ዓቕሞምን ብቕዓቶምን ንምብራኽ ኣድላዪ ስልጠናታትን ትምህርትታትን ምሃብ፡ ማሕበረ-ቁጠባዊ ኩነታቶም ንምምሕያሽ፡ ኣብ ጽጹይ መጽናዕቲ ዝተመርኮሰ ግቡእን ኣድላይን ሓገዛትን ደገፋትን ምግባር፡ ናብራኦም ባዕሎም ክመርሑ ኣብ ድልየቶምን ምርጫኦምን ዝተመርኮሰ ቁጠባዊ ሓገዛት ምክያድ፡ እዋናዊ ሓበሬታታትን ኣፍልጦን ንምስናቕ ምስ ዝምልከቶም መሻርኽቲ ብምትሕባብር ኣድላይ ስልጠናታት ከም ዝረኽቡ ምግባርን ካልእን ምጥቃስ ይክኣል። ብመሰረት’ዚ ዝተጠቐሰ ዕማማትን ስርሓትን ድማ፡ ሃገራዊ ማሕበር ዓወታት ክጐናጸፍ ክኢሉ’ዩ። ልዕሊ ኩሉ ድማ ኣብ ሕብረተሰብ ዝነበረ ትሑት ኣፍልጦን ንቕሓትን ክመሓየሽ፡ ዓይነ-ስዉራን ዘጋጠሞም ጸገማት ከይተዳህሉ ንቡር መነባብሮኦም ከካይዱ፡ ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብ ዘለዎም ተራን ኣበርክቶን ክዓዝዝ፡ ኣብ ትምህርቶምን ስርሖምን ዕዉታት ክኾኑ፡ ብዝያዳ ድማ ካብ ጽግዕተኛነት ተላቒቖም ርእሶም ክኽእሉ ዝተጻወቶ ተራ ዝምስገን ምንባሩ ሰነዳቱ ይሕብሩ። ብተወሳኺ፡ ኣብዚ ከይተጠቐሰ ክሓልፍ ዘይብሉ፡ ሃማዓኤ፡ ከም ኣባል ኣህጉራዊ ማሕበር ዓይነስዉራን ኣፍሪቃ፡ ኣብ ዝካየዱ ዝነበሩ ስሚናራትን ጉባኤታትን ዕዙዝ ተሳትፎ ነይሩዎ። ከም ውጽኢቱ ውዳበኡ ከሐይል፡ ተመኩሮ ክለዋወጥ፡ ዘለዎ ንቕሓትን ኣፍልጦን ክዓቢ ሓጊዝዎ እዩ። ማሕበር፡ ኣብ ጸቢብ ቦታ ኮይኑ ዝዓሞ ዝነበረ ዕማማቱ፡ ሎሚ ኣብቲ ብመንግስቲ ኣብ ባርጂማ ብናጻ ዝተዓደሎ 1,400 ትርብዒት ሜትር መሬት፡ ህንጻ ቤት ጽሕፈት ብምህናጽ ብዘይ ጸገም ስርሑ የሰላስል ኣሎ። ብተወሳኺ፡ ኣብ ዓዲ ሰጉዶ ኣብ 3,000 ትርብዒት ሜትር መሰልጠኒ ማእከል መፍረ ደርሁ ብምስራሕ ንመካየዲ ስራሕ ማሕበር ከም ምንጪ ኣታዊ ይጥቀመሉ ኣሎ። ንዓይነ-ስዉራን ተመሃሮ ትምህርቶም ብግቡእ ንኽከታተሉ ዝሕግዞም ድጂታል ቤት-ንባብ’ውን ከፊቱ ንኣገልግሎት ብቕዕቲ ገይሩ ይርከብ። ስለዚ ማሕበር መነባብሮ ህይወት ኣባላቱ ንምልዋጥ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ቀጻሊ’ዩ። ሃገራዊ ማሕበር ዓይነ-ስዉራን ኤርትራ፡ ኩሉ መዳያዊ ዓቕምታቱ ኣወሃሂዱ፡ ዝሓንጸጾም መደባት ስራሕ ብግቡእ ከተግብር ባይታ ብዝተጣጣሓሉ መሰረት፡ ዋላ’ኳ ቀሊል ዘይኮነ ዕማማት ይጽበይዎ እንተሃለዉ፡ ኣብ ማሕበር ምጥርናፉ ዘምጽኣሉ ረብሓታት፡ ጸጋታትን ዕድላትን ተጠቒሙ፡ ኣብ ህንጸትን ልምዓትን ሃገር ዕዙዝ እጃም ክህልዎ ክጽዕር ምዃኑ ይሕብር። #Eritrea ሃገራዊ ማሕበር ዓይነ-ስዉራን ኤርትራ
AM
0
31
32
488
Ministry of Information, Eritrea
World TB Day observed at national level World TB Day, 24 March, was observed today at the national level at the premises of Orotta National Referral Hospital under the theme “Yes! We Can End TB.” Dr. Araya Berhane, Director of Communicable Diseases Control at the Ministry of Health, indicated that in Eritrea, as everywhere else in the world, TB is one of the most painful and deadly diseases. He called on all institutions and partners to join hands in the effort to eradicate the disease by 2030. Dr. Araya went on to say that over the past five years, 10 thousand nationals were found to be infected with the disease and were cured through proper medication. He also said that the fact that 18% of the patients were children under 15 years of age requires earnest attention. Dr. Mary Stephen, WHO Representative in Eritrea, said that Eritrea has made great progress towards ending TB, with a steady TB notification rate of 87%, 100% treatment enrollment, and a 90% treatment success rate for all forms of the disease. She added that mortality decreased from 8.5 to 3.4 per 100,000 population in 2024. Noting that the achievements registered so far are the result of the conscious participation of the public coupled with the commitment of health professionals, Mr. Amanuel Girmatsion, head of Communication and Training at the Ministry of Health, said that sustained promotional activities will be conducted until the desired goal is attained. At the event, a seminar focusing on TB was conducted by professionals, and awards were presented to the winners of the general knowledge contest conducted among women.
Ministry of Information, Eritrea tweet mediaMinistry of Information, Eritrea tweet media
English
0
44
54
591
Ministry of Information, Eritrea
Eritrean Football National Team finalizes preparation Mr. Dirar Fesehaye, member of the Public Relations Office of the Commission of Culture and Sports, who is with the National Team in Morocco, indicated that the Eritrean Football National Team has finalized its preparation for the first-leg match against the Eswatini National Team in the qualifiers for the 2027 African Nations Cup. Mr. Dirar went on to say that all the professional players currently playing in football leagues in various countries who were called by the Eritrean Football Federation have joined the national team and are available for the game with full confidence and in good condition.
Ministry of Information, Eritrea tweet mediaMinistry of Information, Eritrea tweet media
English
0
106
149
4.1K
Ministry of Information, Eritrea retweetledi
Yemane G. Meskel 🇪🇷
The Sudan in the Eye of the Storm - An Internal War and a Struggle for Influence over the Horn of Africa and the Red Sea; by Ambassador Osama Ahmed Abdul Bari "A distinctly African approach to the crisis — one that upholds the unity of the national state and rejects destabilizing external interventions — remains the most effective pathway to shielding the region from descent into chaos and to safeguarding the aspirations of its peoples for development, security, sovereignty, and prosperity". shabait.com/2026/03/24/the…
Yemane G. Meskel 🇪🇷 tweet media
English
0
323
370
4.6K
Ministry of Information, Eritrea
ኢትዮጵያ፣ ነግራም ኣጀንዳ ዞባዊ ዘይምርግጋእ ስርዓት ብልጽግና ናይ ኢትዮጵያ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓመት ንኤርትራን ዝሰፍሐ ክፋል ናይዚ ዞባን ብኲናት ንምሕማስ ሓላፍነት ዝጎደሎ፡ መርዛምን ነግራምን ዛዕባ ኣልዒሉ ይወሳወስ ኣሎ። እዚ ተጻባእን ተዅታዅን ኣጀንዳ፡ ብስም ‘ናይ ሃላወ’ ሕቶ እዩ ዝመሳመስ ዘሎ። እቲ ስርዓት፡ “ኣፍደገ ባሕሪ ንልኡላውነትና ኣገዳሲ እዩ” እናበለ ብቀጻሊ ከጋውሕ ይስማዕ ኣሎ። ነዚ መደናገርን መርዛምን ኣጀንዳ፡ ኣብ መሰረት ኣልቦ ትረኻ ተመርኲሶም ብዘይ ዕረፍቲ ይደጋግምዎ ኣለዉ። ንትረኻኦም ንምድማቕ ነቲ ብተዛማዲ እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ብዝሒ ህዝቢ ኢትዮጵያን ነቲ ኣብ ባይታ ዘየለ ቍጠባዊ ዕብየት ዝብሉዎን ከም መመኽነይታ ካብ ምልዓል ኣይተቘጠቡን። እቲ ኩሉ ሃለውለው ዝብሉዎ ዘለዉ ጉዳያት ድማ፡ ምስ መሰረታውያን ኣዕኑድ ኣህጉራዊ ሕጊ ዝቃዶ ኣይኮነን። ላዕለዎት ሹማምንቲ፡ ምሁራትን ጋዜጠኛታትን ናይታ ሃገር ብቕሉዕን ብእተወሃሃደን ኣገባብ ኣብ መድረኽ መራኸቢ ብዙሓንን ማሕበራዊ መራኸቢታትን ተዅተዅቲ ትረኻታት ኣብ ምጽዋይ ተጸሚዶም ይርከቡ። የግዳስ እዚ መስፋሕፍሒ ፖሊሲ ስርዓት ብልጽግና፡ ብትሕዝቶን ብኣተናን፡ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ምንጪ ቅልውላውን ዘይ ምርግጋእን ካብ ምዃን ሓሊፉ ካልእ ዘምጽ ኦፋይዳ የብሉን። እቲ ኣጀንዳ ኮነ ተባሂሉ ብግዳማውያን መሓውራት ርግኣትን ጸጥታን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምዝራግ ዝተደፍአ ምዃኑ ዘረጋግጹ ጭቡጣት መረዳእታታት ኣለዉ። እዞም ኣብ ታሕቲ ተጸሚቖም ብቅደም ተኸተል ቀሪቦም ዘለዉ ፍጻመታት፡ ንደረትን ዕብዳንን ናይ ብልጽግና ኣጀንዳ ‘ናብ እኖ ሃገር ምምላስ’ ዘጕልሑ እዮም፥ - ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ብ13 ጥቅምቲ 2023፡ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ዘቕረቦ ተዅታዅን ትርከ ምርክን መደረ፡ ‘ብዝኾነ መንገዲ ኣፍደገ ባሕሪ ምርካብ’፡ ‘ኢትዮጵያ ሕይርቲ ጆኦግራፍ ኮይና ኣይትነብርን እያ’ ብዝብሉ ቃላት መስፋሕፍሒ ፖሊሲኡ ኣግሂዱዎ። - ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ብ22 ለካቲት 2026 ኣብ ሃዋሳ ኣብ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት መመረቕታ ፍሉያት ሓይልታት ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ እቲ ኣብ ባይታ ብግብሪ ዘየለ - ኣብ ኣእምሮኡ ጥራሕ ዝቐረጾ ሓይሊ ባሕሪ ሃገሩ፡ ጸጥታ ናይቲ ካብ ጫፍ ሶማልያ ክሳብ ምጽዋዕ ዝዝርጋሕ ማያት ቀይሕ ባሕሪ ከውሕስ ምዃኑ ገሊጹ። እቲ ክጽቀጠሉን ክስመረሉን ዘለዎ ሓቂ ግን፡ ምሕደራን ጸጥታን ቀይሕ ባሕሪ ነተን ዝዳወባኦ ሃገራት ጥራሕ ዝምልከት ምዃኑ እዩ። - ካብዚ ከይወጻእና፡ እቲ ኢትዮጵያ ኣብ ጥሪ 2024 ምስ ሶማሊላንድ ኣብ ትሕቲ ዘይግሉጽ ኩነታት ዝኸተመቶ ናይ ምርድዳእ መዘክር እውን፡ ንልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝርከባ ጎረባብቲ ሃገራት ብቕሉዕ ዝግህስ ተመሳሳሊ ኣብነት እዩ። - ስርዓት ብልጽግና ኣብ ኣህጉራውን ዘቤታውን መድረኻት ኣኼባ ዘቕርቦም መግለጺታት፡ ገለ ካብኦም - ኣብ መበል 80 ኣኼባ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ መበል 39 ዓመታዊ ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ዋዕላ ኢጣልያ- ኣፍሪቃ፡ ዝበዝሕ ግዜ ንንግዳውን ንቡርን ተጠቃምነት ባሕሪ ምስ ሕቶ ልኡላውነት እናተሓሓዘ ከደናግር’ዩ ዝስማዕ። እዚ ድማ፡ ነቶም ኣብ ትሕቲ ኣህጉራዊ ሕጊ ብዘየሻሙ ኣገባብ ተነጺሮም ዘለዉ ሕጋጋት እናደባለቕካ ምድንጋር ንምፍጣር ዝሃቀነ ምዃኑ ምግንዛብ ይከኣል። - ስርዓት ብልጽግና፡ ዋላ ደኣ ብዙሕ ግዜ ይነጸግ እምበር፡ ነቲ ዘንቀዶ “ልኡላዊ መሰል ተጠቃምነት ኣፍደገ ባሕሪ” ዝብል ኣጀንዳ ንምድራዕ፡ ኣብ ገለ ገለ ዞባዊ ናይ ሓይሊ ባሕሪ ልምምዳትን ፍጻመታትን ወግዓዊ ተሳትፎ ክህልዎ ካብ ምሕታት ገና ኣየዕረፈን ዘሎ። እዞም ብቅደም ተኸተል ዝተዘርዘሩ ፍጻመታትን ዝተጠቕሱ ሓቅታትን፡ እቲ ሕጋዊ ይኹን ታሪኻዊ መሰረት ዘይብሉ መጋገዪ፡ ክውገዝ ዝግብኦ፡ ነውራም ኣጀንዳ ስርዓት ብልጽግና፡ ንዞባዊ ሰላምን ርግኣትን ስግኣት ምዃኑ ዘመልክት እዩ። ኤርትራ፡ ዋላ’ኳ ሕጂ’ውን ኣብ ሃናጺ ዞባዊ ጽምዶን ሰላማዊ ምትሕብባርን ተወፍያ ክትሰርሕ እንተኾነት፡ ንልኡላውነታን ግዝኣታዊ ሓድነታን ግሂሱ ምስ ኣህጉራዊ ሕጊ ንዝጻረር ዝኾነ ሕቶታት ይኹን ተግባራት ግን ኣትሪራ ከም እትነጽጎ ተፍልጥ። መንግስቲ ኤርትራ፡ ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ኣብ ሓያለ ኣጋጣሚታት ደጋጊሙ ዘነጸሮ፡ ኣብ መኣዲ ናይ ጎንጽን ህውከትን ኣጀንዳ ተዓዲሙ ክዋሳእ ድሌት ይኹን ሽውሃት ፍጹም የብሉን። ንሰላም፡ ንርግኣት፡ ከምኡ ድማ ንሓላፍነታዊ ምሕደራ ዞባ ዊ ዝምድናታት ተወፋይነቱ ክቕጽሎ እዩ። #Eritrea ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ክፍሊ ምርምርን ስነዳን ኣስመራ፡ 18 መጋቢት 2026
AM
0
109
125
3.4K
Ministry of Information, Eritrea
“መንእሰያትና ታሪኾም ብግቡእ ንኽፈልጡ’ዩ እቲ ዕላማ፡” ኣቶ ተኽሉ ለባሲ ኤፍረም ሃብተጽዮን ኣብ ጀርመን ዝቕመጥ ኣቶ ተኽሉ ለባሲ፡ ብዛዕባ’ተን ናብ ቋንቋ ጀርመን ዝተርጎመን ሰለስተ መጻሕፍቲ ኤርትራ፤ “ክልተ ቅነ ኣብ ድፋዓት”፣ “ታሪኽ ኤርትራ፡ ካብ ጥንቲ ክሳዕ ናጽነት”፣ “ጉዕዞ ካብ ናቕፋ ናብ ናቕፋ”፡ ኣዕሊልናዮ። ብዛዕባ ምትርጓም ናይዘን መጻሕፍትን ካልኦት ተኽሉ ለባሲ ዘሕተመንን ዘካየድናዮ ዕላል ነቕርብ። - ምትርጓም ናይዘን መጻሕፍቲ መኣስን ብኸመይን ጀሚሩ፧ ኣብ 2015 ምስ ኣሕተምቲ ሕድሪ ብምርድዳእ’የ በታ “ታሪኽ ኤርትራ“ እትብል መጽሓፍ ጀሚረዮ። ክሳዕ ሕጂ ድማ ሰለስተ መጻሕፍቲ ብቋንቋ ጀርመን ተተርጒመንን ተሓቲመንን ኣለዋ። ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝተዘርገሐት መጽሓፍ ጉዕዞ ካብ ናቕፋ ናብ ናቕፋ ከኣ ሳልሰይቲ ኣብቲ መስርሕ ምትርጓም ነይራ። ድሕሪ ክልተ ዓመት ዝወሰደ ደጋጊምካ ናይ ምእራምን ምጽፋፍን መስርሕ፡ ኣብ ጥሪ ናይዚ ዓመት’ዚ ተዘርጊሓ። -እቲ ዋና ዕላማ እንታይ እዩ፧ ስለምንታይ ኢኻ እትትርጉም፧ ታሪኽ ኤርትራ፡ ብፍላይ ከኣ እቲ ብጽንዓትን ተወፋይነትን ዝፍለጥ ታሪኽ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ጥራይ ዘይኮነ፡ ብፍላጥ ክብለልን ዘይመልክዑ ክወሃቦን ጸኒሑ’ዩ። ብፍላይ፡ ክኢላታት ተባሂሎም ብዝፍለጡ ውልቀ-ሰባት፡ ፓለቲካዊ ዕላማኦም ዘማእከለ፡ ንሓቂ ዝጉዕጽጽ መጻሕፍቲ ብዝተፈላለየ ቋንቋ ተዘርጊሑ’ዩ። ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዘለና ኤርትራውያን፡ ብቋንቋታት ናይተን እንነብረለን ሃገራት መጻሕፍቲ ታሪኽና እናተርጎምና ኣብ ምቕራብ ዘሎ ብኩራት እቲ ዝዓበየ ጸገም ኮይኑ ይስምዓኒ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሃጓፍ ንምፍዋስ፡ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ብቋንቋ ጀርመን ገለ መጻሕፍቲ ተተርጒሙ። እዚ ግን ገና ኣብ ዝተሓተ ደረጃኡ’ዩ ዘሎ። ከም መቐጸልታ ዝሓለፈ፡ ሎሚ’ውን ነታ፡ “ጉዕዞ ካብ ናቕፋ ናብ ናቕፋ” እትብል ናይ ዶክተር ተኸስተ ፍቓዱ መጽሓፍ ብቋንቋ ጀርመን ተርጒመ ኣሕቲመያ። ታሪኽ ኤርትራውያን ብኤርትራውያን ምስ ዝትረኽ፡ ርዝነቱ ከም ዝዓቢ ኣየማትእን። እዚ ከም ድሕረ- ባይታ ኮይኑ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ መጻሕፍቲ ንጀርመናውያን፡ ጀርመን ንዝመልኩ ደቅናን መንእሰያትን፡ ንዓበይቲ ኣንበብቲ፡ . . . ኣገዳስነቱ ንጹር’ዩ። ብፍላይ፡ ቋንቋ ጀርመን ኣብ ዝዝረበሉ ከባቢታት ዝተወልዱን ዝዓበዩን መንእሰያትና ታሪኾም ብቐሊሉ ብዝርድኦም ቋንቋ ንኽረኽቡዎ ዝሕግዝን ዘተባብዕን’ዩ። ኣብ ታሪኽ ንዝግደሱን ተመክሮታት ዓለም ክፈልጡ ንዝደልዩን ጀርመናውያን’ውን፡ ብኤርትራውያን ዝተጸሓፈ መጻሕፍቲ ብምንባብ ኣፍልጦኦም ከዕብዩ ይሕግዞም። -ተራ ናይዚ ዕዮታት ኣብ ምልላይ ታሪኽ ኤርትራ ከመይ ይመስል፧ ከምቲ ኣቐዲመ ዝጠቐስኩዎ፡ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ፡ ግን ካብ ኤርትራዊ ቋንቋ ብቋንቋ ጀርመን ዝሰልጦም፡ ክብርታት፡ ባህሊ፡ ጽንዓት፡ ተወፋይነት፡ መሃዝነት፡ ርእሰ-ምርኮሳን ካልእን ብኽልሰ-ሓሳብ ጥራሕ ዘይኮነ፡ ብግብራዊ ኣብነታት ንኽፈልጡ ሓጋዚ’ዩ። ካብዚ ሰጊርካ፡ ነቶም ኣብ ታሪኽ ዝግደሱ ጀርመናውያን፡ ቅድሚ ሕጂ ዘይኤርትራውያን ዝጸሓፉዎ (መብዛሕትኡ ግዜ ዝተዘናብዐ) ታሪኽ እዮም ከም መወከሲ ክረኽቡ ጸኒሖም። ነዚ ዘሎ ሃጓፍ ዘጽብብ ስለ ዝኾነ እምበኣር፡ ታሪኽ ኤርትራ ኣብ ምልላይ ዓቢ ኣገዳስነት ዘሎዎ። -እቲ መጻሕፍቲ ብኸመይ ተመሪጹ፧ እዚ ሳልሳይ መጽሓፍ በጺሑ ዘሎ ዕዮ’ዚ፡ ነናቱ ኣበጋግሳ ኣሎዎ። ፈለማ ዝተተርጎመት፡ “ታሪኽ ኤርትራ፡ ካብ ጥንቲ ክሳብ ናጽነት” እትብል’ያ። ብጻይ ዘምህረት ዮሃንስ ሓደ እዋን ናብ ጀርመን መጺኡ እንከሎ፡ ሓንቲ ቅዳሕ ገዲፉለይ። ገና ኣብ መስርሕ ምንባባ እንከለኹ፡ ካብ ኣስመራ ደዊሉ፡ “ከመይ ረኺብካያ፧” ኢሉኒ። ገና አንብባ ከም ዝነበርኩ ሓቢረዮ። “ገለ ክግበር ዝከኣል እንተኾይኑ ርኣያ!” ኢሉኒ። ብዛዕባ ምዝርጋሓ ስለ ዝመሰለኒ፡ ሕራይ ኢለዮ። ጸኒሑ ንሳልሳይ ግዜ ደዊሉ፡ ናብ ቋንቋ ጀርመን ክትትርጎም ትጽቢት ከም ዝነበሮ ገሊጹለይ። ቅድሚኡ ገለ መጻሕፍቲ ኣዳልየ’ኳ እንተ ነበርኩ፡“ብጻይ ዘምህረት ሓቁ ድዩ ከምኡ ዝብለኒ ዘሎ፧” ኢለ ምስ ነብሰይ መጒተ። ንሳ፡ ተተርጒማስ ኣብ 2015 ተዘርጊሓ። ድሕሪ ዓመት ወይ ዓመትን ፈረቓን ኣቢሉ ከኣ “ክልተ ቅነ ኣብ ድፋዓት” (ናይ ኣለምሰገድ ተስፋይ) ብተመሳሳሊ ናብ ቋንቋ ጀርመን ክትትርጎም ኣተንቢሁለይ። ካልኦት ክገብሩዎ ተፈቲኑ፣ ኣይሰለጠን። ባዕለይ ገይረያ። እዛ ሳልሰይቲ’ውን፡ “ጉዕዞ ካብ ናቕፋ ናብ ናቕፋ” ብተመሳሳሊ መንገዲ ተመሪጻ። ስለዚ፡ ክፍሊ ምርምርን ስነዳን ህግደፍ ወይ ኣሕተምቲ ሕድሪ እዮም መሪጾመን። -ኣብ ዕዮ ትርጉም ዝሓለፍካዮ መስርሕን ዝተሓጋገዙኻን፧ ኣብ ዕዮ ምትርጓም ቀዳማይ ዝስራዕ፡ ኣብቲ ክትርጎም ተደልዩ ዘሎ ጽሑፍ ዘሎካ መረዳእታ ብቑዕ ድዩ ዝብል’ዩ። ነዚ ምስ ኣረጋገጽካ ጥራሕ ኢኻ ክትጅምር እትኽእል። ኣብ መጀመርታ፡ ኣብ ኣሰዃዃዕ ይኹን ኣቃውማ ሓረግ ብዙሕ ግዜ ኣየጥፍእን’የ። ከም ዝመጽኣለይ፡ ኣብ ገሊኡ፡ “ኢንተርሊንያር” ኣገባብ ኣተራጉማ (interlinear translation) እጥቀም ነይረ። ብድሕሪኡ፡ ቀዳማይ፡ ካልኣይ፡ . . . እናበለ ክሳዕ ዕግበት ዝስምዓካ ዝደጋገምን ዝቕጽልን መስርሕ’ዩ። ናይ መጀመርታ ተመክሮ በዳሂ’ዩ። እታ ቀዳመይቲ፡ “ታሪኽ ኤርትራ” ብቋንቋ ትግርኛ ጥራይ ስለ ዝነበረት፡ ነቲ ዝትርጎም ተወሳኺ መረዳእታ ክረኽበሉ ዕድል ኣይነበረንን። ምትርጓማ፡ ማለት፡ ገና ቀዳማይ ትርጉም ኣብ መስርሕ እንከሎ፡ ወደይ ንዘዝተርጎምኩዎ እና’ልዓለ ርእይቶ ክህበኒ ጀሚሩ። ኣዝዩ ሓጋዚ ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ምሉእ’ቲ መስርሕ ክሳተፍ ዝኽእል እንተኾይኑ ምስ ሓተትኩዎ፡ ብልዑል ድሌትን ድስፕሊንን ተሳቲፉ። እተን ካልኦት ክልተ መጻሕፍቲ፡ ብትግርኛን እንግሊዝኛን ስለ ዘሎዋ ንምርድአን ሓጋዚ ኮይኑ፡ ካብዝን ካብትን እናኣረኣኣኹ ቀዳማይ ትርጉም ኣዳልየ። ናይ ዝተፈላለዩ ሰባት ርእይቶ፡ እንተ ተኻኢሉ ከኣ ቀጥታዊ ተሳትፎ፡ ከየረጋገጽኩ ናብ ሕትመት ኣይከይድን’የ። ስለዚ፡ ብዙሓት ኣድ ማዒ ምትሕግጋዝ ገይሮምለይ’ዮም። -ኣሕታሚኡ መን’ዩ፧ እታ፡ Eritrea: Die Geschichte des Landes von der Antike bis zur Un­abhängigkeit (ታሪኽ ኤርትራ፡ ካብ ጥንቲ ክሳዕ ናጽነት) ብዝብል ኣርእስቲ ዝተሓትመት ቀዳመይቲ መጽሓፍ፡ ኣሕተምቲ ሕድሪ ኣብ 2015 ዘሕተሙዋ’ያ። እታ ካልአይቲ፡ Zwei Wochen in den Schützengräben (ክልተ ቕነ ኣብ ድፋዓት) ድማ Verlag am Park edition-ost Verlag ዝተበሃሉ ኣብ በርሊን ዝርከቡ ኣሕተምቲ ኣብ 2019 ኣሕቲሞማ። እዛ ሳልሰይቲ፡ Von Nakfa nach Nakfa (ጉዕዞ ካብ ናቕፋ ናብ ናቕፋ) ከኣ Deutscher Militärverlag ዝተባህሉ ኣሕተምቲ ኣብዚ ዓመት’ዚ ኣሕቲሞማ። ኮይኑ ግን፡ ኩሉ ኣብ ትሕቲ ጽላል ኣሕተምቲ ሕድሪ እዩ። -ካብዚ መጻሕፍቲ’ዚ እንታይ ንጽበ፧ ተነባብነቱ ብመንእሰያት ኤርትራ ኣብ ጀርመን ከመይ ኣሎ፧ ብቐንዱ ሃገራውያን ውዳበታት፡ ኣብያተ- ትምህርቲ ቋንቋን ባህልን፡ ወለዲ፡ ወዘተ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ መጻሕፍቲ ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ገዛ ከም ዝኣቱ ኣብ ምግባር ክተሓባበሩ ኣሎዎም። ብዘይቀልዓለም፡ መንእሰያት ነዚ መጻሕፍቲ’ዚ እንተ ረኺቦሞ፡ ተነባብነቱ ልዑል’ዩ ክኸውን። ክንቅርበሎምን ከነላልዮምን ግን ኣሎና። ብዙሓት ተመሃሮ ካልኣይ ደረጃ፡ እታ “ታሪኽ ኤርትራ ካብ ጥንቲ ክሳብ ናጽነት” እትብል፡ ኣብ ትምህርቶም ከም ዝሓገዘቶም ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚ ገሊጾምለይ። “ክልተ ቕነ ኣብ ድፍዓት” ብወገና፡ ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲ ብስሩዕ ከም ዝተነበበት ዝሓበሩኒ ኣለዉ። ነታ ”ካልእ ኲናት” እትብል ተዋስኦ (ሓንቲ ካብ ትሕዝቶታት “ክልተ ቅነ ኣብ ድፋዓት”) ሓንቲ ጉጅለ ትያትር ጀርመናውያን ምስ ኣብ ትያትር ዝግደሱ ኤርትራውያን ብምዃን ብመልክዕ ንባብ (scenic reading) ኣብ መድረኽ ኣቕሪቦማ። ኣብቲ መደብ ብወገንና ንተራ ትያትር ኣብ ምሕያል መንነትን መኸተ ኣንጻር ጎበጣን ዝምልከት መግለጺ ኣቕሪብና። ምስ ተዓዘብቲ - ዝበዝሑ ክኢላታት ትያትር - ናይ ሓሳባት ምልውዋጥ’ውን ገይርና። ካልእ፡ ኣብ መድረኽ ኣቕሪቦማ ጥራይ ዘይኮነ፡ ናብ ኤርትራ ዑደት ብምግባር፡ ንስነ-ፍልጠት ትያትር ኣብ ዝምልከት ምስ መዘናታቶም ተመክሮ ተለዋዊጦም። መንእሰያት ህግደፍ እውን፡ ነታ “ታሪኽ ኤርትራ” እትብል መጽሓፍ ኣብ ስሩዕ መደባት ኣእትዮም ከም መምሃሪ ይጥቀሙላ ኣለዉ። ኣብ ኤርትራውያን ዝመሃሩሉ ናይ ኮማት ኣብያተ-ትምህርቲ፡ ድሮ ነዛ ሳልሰይቲ መጽሓፍ፡ ኣብ ሓንቲ ቤት ትምህርቲ በበርእስቱ ንኽትንበብ መደብ ወጺኡ’ሎ። -ኣብ መስርሕ ትርጉም ዝበድሃካ ነገር፧ ምትርጓም፡ ናይ ገዛእ-ርእሱ ቅጥዕታት ኣሎዎ። እቲ ቅጥዕታት ከኣ ነናቱ ብድሆታት’ዩ ዝፈጥር። ኣብ መስርሕ ምትርጓም እትመጽእ ቀዳመይቲ ነገር፡ መረዳእታኻ ኣብቲ ዝትርጎም ዘሎ ስራሕ ክሳዕ ክንደይ ሰፊሕ’ዩ ዝብል’ዩ። እዚ ከኣ ነቲ መጽሓፍ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንድሕረ- ባይታ፡ ክብርታትን ባህልን ዝምልከት ኣፍልጦ ክህልወካ ኣሎዎ ማለት’ዩ’ውን። ብኣንጻሩ፡ እቲ ዝተተርጎመ ብኸመይ ይርዕም ዝብል ብድሆ ከኣ’ሎ። እዚ ከም መቓን ወሲድና እንተ ርኢናዮ፡ እቲ ብድሆታት ሓያል ምዃኑ ንምርድኡ ኣየጸግምን። -ዝተኸተልካዮ ቅዲ ኣተረጓጉማ እንታይ እዩ፧ ቃል ብቓል ዲኻ ተርጒምካዮ ወይስ ኣርዒምካዮ ኢኻ፧ ኣብ ፈለማ ክልቲኡ’የ ዝጥቀም። ከከም ዝፈጥረልካ ላዛን ጽባቐን ክልቲኡ ኣገባብ ትጥቀም ኢኻ። ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ ምጽፋፉ ግን ኣብ ምርዓም እዘዙ። -ዝርጋሐኡ ኣብ ጀርመን ከመይ ይመስል፧ ምዝርጋሕ ብኽልተ መንገዲ’ዩ ዝኸይድ። ቀዳማይ ብመንገዲ ኣሕተምቲ። ማለት፡ በቲ ዘሎዎም ኣገባብ ኣዘረጋግሓ፡ ብኦንላይን ይኹን ብኻልእ ኣገባብ ይዝርግሑወን ኣለዉ። ዓበይቲ ኣብያተ-ንባብ እውን ድሮ ኣብ ከብሕታቶም ከም ዘቐምጡወን ኣብቲ እዋናዊ ካታሎጎም ትዕዘቦ’ዩ። እቲ ካልኣይ መዘርግሒ፡ ብመንገዲ ውዳበታት’ዩ። ውዳበታት ብዙሕ ጻዕሪ የካይዳ ኣለዋ። ናብኣተን ጥራይ ዝግደፍ ዘይኮነ ግን፡ ኣድላይነቱ ጉሉሕ ስለ ዝኾነ፡ ኩሉ ዜጋ እጃሙ ከበርክት ከዘኻኽር እፈቱ። -ብዘይካ’ዘን ኣቐዲመን ዝተጠቕሳ ካልእ መጻሕፍቲ ኣለዋኻዶ፧ እታ ቀዳመይቲ፡ መዝገበ-ቃላት ጀርመንኛ- ትግርኛ ብ1990 ዘዳለኹዋ’ያ። ነዚኣ ስዒበን፡ “መባእታ ጀርመንኛ” ከምኡ’ውን ኣብ ፖለቲካዊ ታሪኽ ማእከልያ ምብራቕ ዘተኮረት “ንፋስ ዝዘርአ. . .” እትብል - ካብ ቋንቋ ጀርመን ናብ ትግርኛ ዝተርጎምኩዋ ኣላ። -ኣብ ዕዮታትካ ዝሓገዙኻ’ሞ ከተመስግኖም እትደሊ፧ ኣቐዲመ፡ ብዙሓት ሰባት ምስታፍ ከም ኣገባብ ኣሰራርሓ ከም ዝኽተሎ ትንክፍ ኣቢለ ነይረ። ስለዚ፡ እቶም ምስጋና ዝግባኦም ብዙሓት’ዮም። ንገለ ጠቒስካ ንገለ ምርሳዕ ከይፈጥር፡ ነዞም ዝስዕቡ ከም ወከልቲ ኩሎም ዝተዋስኡ ገይረ ከመስግኖም እፈቱ፤ ኣብታ ቀዳመይቲ መጽሓፍ ንወደይ ሄኖክ ተኽሉ ለባሲ፣ ኣብታ ካልአይቲ ንብዓል-ሞያ ሕጊ ዶክተር ሃንስ ሽታውፈር። ሃንስ፡ መምህር ዮኒቨርስትን ጸሓፋይን ኮይኑ፡ ብዛዕባ ኤርትራ መጽሓፍ ዝጸሓፈ ተዛራቢ ቋንቋ ጀርመን ወዲ ስዊዘርላንድ እዩ። ኣብታ መጽሓፍ ጦብላሓታኡ ኣስፊሩ’ሎ፣ ኣብ ምእራም’ውን ዓቢ ኣበርክቶ ገይሩለይ። ብተመሳሳሊ፡ ንወ/ሮ ኤሪካ ቤልትስ ዝተበሃለት መሓዛ ኤርትራ ከምኡ’ውን ኣብ “ክልተ ቕነ ኣብ ድፋዓት” ንእትርከብ “እቲ ካልእ ኲናት” እትብል ተዋስኦ ዘጻፈፈት መምህር ትያትር (Drama Educator) ወ/ሮ ዳንኤላ ባወር። ኣብዛ ሳልሰይቲ ድማ ንመምህር ጊዮርገስ ሃለርማየር ስለቲ ዘይሕለል ምትሕብባሩን ኣብ ምእራም ዝተዋስኦን። “ቀርኒ ኣፍሪቃ” እትብል መጽሓፍ ዝጸሓፈን ክኢላ ማእከላይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቃን ዶክተር ኣልፍሬድ ሽሊሽት፡ ንጦብላሕታኡ ዝገልጽ ጽሑፍ ስለ ዘበርከተን ኣብ ናይ መወዳእታ እርማት ስለ ዝተሳተፈን አመስግኖ። ብተወሳኺ፡ ንዲርክ ፎግልዛንግ፡ ነዛ ሳልሰይቲ መጽሓፍ መእተዊ ስለ ዝጸሓፈላ፣ ንኣቶ ዘምህረት ዮሃንስን ኣሕተምቲ ሕድሪን ስለ ኩሉ ምትሕግጋዞም ብልቢ አመስግኖም። ብዘይካ’ዚ፡ ንኽልተ ካብተን መጻሕፍቲ ኣብ ምድላው ዝሓገዙ ኣሕተምቲ “edition-ost”፡ ብፍላይ ድማ ንኣካያዲ ስራሕ ናይቲ ትካል፡ ኣቶ ፍራንክ ሹማን፡ አመስግኖ። -እዚ ብሽርክነትን ምትሕብባርን ዝተሰላሰለ ስራሕ’ዚ፡ ሓደ መዳይ ንጥፈታት ህዝባዊ ዲፕሎማሲ ምዃኑ ከስምረሉ እፈቱ። እቲ ምስጋና ግን ብሓፈሻ ንኹሎም ዝሓገዙ’ዩ ዝግባእ። ስድራቤተይ፡ ኣሓተይን ኣሕዋተይን፡ ንስለ’ቲ ቀጻሊ ምትብባዖምን ምትሕግጋዞምን ከየመስገንኩዎም ክሓልፍ ኣይደልን። ይኹን’ምበር፡ ኣብዘን መጻሕፍቲ ዝርከብ ዝኾነ ጉድለት ናተይ ሓላፍነት እዩ። ልዕሊ ኩሉ፡ ንጸሓፍቲ ናይዘን መጻሕፍቲ፡ ማለት ንህግደፍ፡ ንኣቶ ኣለምሰገድ ተስፋይን ንዶክተር ተኸስተ ፍቓዱን ኣኽብሮተይ፡ ኣድናቖተይን ምስጋናይን እገልጸሎም። -ናይ መጻኢ መደባትካ፣ ምስዚ ዕዮታት ብዝተሓሓዝ፧ ናይ ቀረባ መደብ፡ ነዘን ሰለስተ መጻሕፍቲ ብስፍሓት ብምዝርጋሕ ኣብ ኢድ ኣንበብቲ ከም ዝበጽሓ ምግባር’ዩ። ምናልባት፡ ነተን ክልተ ቀዳሞት፡ ካብ ተመኩሮ ዝተረኽበ ምትዕርራይ ብምግባር፡ ንኻልኣይ ሕታም ክስርሓሉ’ዩ። ቀንዲ ግን፡ መንእሰያት ባዕላቶም ነቲ ስራሕ ክተሓሓዙዎ ዘኽእሎም ባይታ ምፍጣር’ዩ። ኣብ መንእሰያትና ዘሎ ዓቕሚ ኣዝዩ ገዚፍ ስለ ዝኾነ፡ ምቹእ ባይታ እንተ ተፈጢሩሎም ካልእ ክገብሩ ከም ዝኽእሉ ብግብሪ ዝተረጋገጸ’ዩ። -ኣብ መወዳእታ ክትብሎ እትደሊ፧ ምትርጓምን ምሕታምን ኣገዳሲ’ዩ። ካብኡ ናብኡ ከኣ ምዝርጋሕ ዝያዳ ኣገዳስነት ኣሎዎ። ኣብዚ መዳይ’ዚ ካብ ኩሉ ዜጋ ሓያል ምትሕግጋዝ የድሊ። መንእሰያትና፡ ታሪኽና - ካብኡ ናብኡ ናይቲ ክቡር ተጋድሎና - ብዝግባእ ክፈልጡዎን ክመራመሩሉን፡ ማዕረ- ማዕረኡ ከኣ መንነቶም ክዕቅቡሉን ከበርኹሉን ካብ ዝሕግዙዎም ኣገባባት ሓደ ስለ ዝኾነ፡ ምዝርጋሕን ምልላይን ናይዘን መጻሕፍትን ካልኦት ብኤርትራውያን ዝዳለዋ ዘለዋን፡ ብዕቱብ ክስርሓሉ ኣሎዎ። #Eritrea
Ministry of Information, Eritrea tweet mediaMinistry of Information, Eritrea tweet mediaMinistry of Information, Eritrea tweet media
AM
0
94
111
1.7K
Ministry of Information, Eritrea
ካብ ቅርስታት ሰውራ ብዛዕባ ድፋዓት ናቕፋ እንታይ ትፈልጡ፧ ኩባንያ ኣብ ጫፍ ጐላጉል ናይ ናሮ ዝርከብ ብኣውሊዕን ታህሰስን ዝተሸፈነ ዓቢ ጐቦ እዩ። ነዚ ስፍራ’ዚ ኣብ መጀመርታ’ኳ ጸላኢ እንተ ነበሮ፡ ዳሕራይ ድፋዕ ሰራዊት ሓርነት ኮይኑ ነበረ። ንጸላኢ ኣመና ዘገድሶ ነቝጣ ስለ ዝነበረ ከኣ ናይ ኲናት ህልኽ ኣይተፈለዮን። ጸላኢ፡ ኣጋር ሰራዊት ቅድሚ ምስዳዱ ኣሎ ዝበሃል ከበድቲ ኣጽዋሩን ነፈርቱን ኣቕኒዑ ከውሑን ገረቡን ክሳብ ዝባድም ይድብድቦ ነበረ። ደሮና መዳፍዕ ምስ ዓረገ፡ ግን ርእሲ ተጋደላይ ካብ መዛግባ ቦሎኽ ኢላ ምቁማት ትጅምር። ንኸበድቲ ኣጽዋር ዘመሓድሩ ኣዘዝቲ ሓይሊ ጸላኢ ከኣ፡ ካብቲ ዝኽዕውዎ ሓዊ ትተርፍ ትንፋስ ኣይትህሉን’ያ ኢሎም ስለ ዝግምቱ ንኣዘዝቲ ኣጋር ‘ኣይፋልናን…. ናይ ማዕዶ ደብዳብ ደኣ ቀጽሉልና’ ዝብል ምጭቕጫቕ ይስዕብ’ሞ፡ ኣብ መወዳእታ እቶም ኣዘዝቲ ከቢድ ብረት ‘ኣይትፍርሑ ኣብኣ ሰብ ዝሰርሕ ኩባንያ (ኢንዱስትሪ) የለን። እቲ ዝነበረ ከኣ ተደምሲሱ እዩ’ ስለ ዝብልዎም፡ በቲ ሓበሬታ እቲ ኣብ እዋን ኢድ-ብኢድ ተንሲኡ ዝጠማጠምን ጸላኢኡ ዘውድቕን ተጋዳላይ ‘ኩባንያ’ ኢሉ ጸወዓ። ብዘይካ’ዚ ታሪኽ ናይታ ድፋዕ ክልተ ሰባት ካብ ጋንታ ይድይብዋ እሞ፡ ጋንታ ናይ ኢድ ቦምባታት እናቐበለቶም ክዋግኡ ይውዕሉ። ነቲ ከም ስራሕ ፋብሪካ (ኩባንያ) ገሌኻ ጥረ ነገር እናቐበልካን ገለኻ እናኣህለኽካን ዝዕመም ዕማም ናይቶም ተጋደልቲ ‘ኩባንያ’ ኢሎም ሰምዮማ’ውን፡ ይበሃል እዩ። #Eritrea
AM
0
41
49
835
Ministry of Information, Eritrea
ሪፖርታዥ - “ብሰንኪ ሕጽረት ገንዘብ፡ ካብ ኣፍራይነት ዝበኵር ዜጋ ኣይክህሉን’ዩ” መውል ዳህላክ ነጋሲ መደብ ውህለላን ንኡስ ልቓሕን - ‘መውል’፡ ዓመታዊ ገምጋም ስራሕ 2025 ከምኡ ድማ፡ ኣብ ጒዕዞ ንጥፈታት 30 ዓመታት እቲ ትካል ዘተኰረ ጸብጻብ ኣብ ኣስመራ ኣካዪዱ። ኣብቲ ላዕለዎት ሓለፍቲ፡ ኣብ እተፈላለየ ኵርናዓት ሃገርና ዝነጥፉ ሰራሕተኛታት መውልን ካልኦት ዕዱማት ኣጋይሽን ኣብ ዝተረኽብሉ፡ መነባብሮ ዜጋታት ንምምሕያሽን ዝርገሐኡ ንምዕባይን ኣተኲሩ ይሰርሕ ከም ዘሎ ተገሊጹ። ኣብቲ ብቐዳም 7 መጋቢት ዝተኻየደ ገምጋም፡ ሓለፍቲ ክፍልታትን ጨናፍርን ኣብ 2025 ከምኡ’ውን፡ ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ዝተኻየደ ንጥፈታት ዝገልጽ ጸብጻብ ኣቕሪቦም። ፈለማ ሓላፊ ክፍሊ ኦፐረሽን ኣቶ ታደሰ ተኸስተ ኣብ ዘቕረቦ ገምጋም፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ሽዱሽተአን ዞባታት ብጠቕላላ ኣስታት 799 ዓዳዊ ባንክታት ከም ዘለዋ፡ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት - ማለት ኣብ 2021 ቍጽሪ ዓዳዊ ባንክታት 751 ከም ዝነበረ ሓቢሩ። ጂኦግራፍያዊ ሸፈነ መውል ኣብ ዞባታትን ንኡሳን ዞባታትን ምሉእ- ብምሉእ ወይ 100% ክበጽሕ እንከሎ፡ ኣብ ምምሕዳር ከባቢታት ልዕሊ 81% ከምኡ’ውን፡ ኣብ ዓድታት ልዕሊ 71% በጺሑ ከም ዘሎ ተገሊጹ። ክንዲ ዝዀነ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ንኡስ ዞባ ገልዓሎ፡ ምምሕዳር ከባቢታት ባዳን ዓዳይቶን ኣገልግሎት መውል ክረኽባ ክኢለን ኣለዋ። ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንኣስታት 17,357 ዓማዊል ልቓሕ ክወሃብ እንከሎ፡ ካብዚ ቀዳማይ ደረጃ ዝሕዝ ናይ ሰራሕተኛታት ልቓሕ ክኸውን እንከሎ፡ ናይ ውልቂን ጕጅለን ልቓሕ ድማ፡ ሓደ ድሕሪ ሓደ ተሰሪዖም ይርከቡ። በዚ ኸኣ፡ ጠቕላላ ቊጽሪ ዓማዊል ኣስታት 74,807 ከም ዝበጽሐ፡ ካብዚ’ኣቶም እተን 40,517 (54.1%) ደቂ-ኣንስትዮ ምዃነን ተፈሊጡ። ብድሕሪ’ዚ፡ ኣብ ዓማዊል ተዋፊሩ ዘሎ ሚዛን ልቓሕ ኣስታት 308,180,359.86 ናቕፋ ከም ዝዀነ፡ ናይ ዓማዊል ሚዛን ውህለላ ከኣ ኣስታት 49,979,933.25 ናቕፋ ከም ዝበጽሕ ተጠቒሱ። ኣብ ጸብጻብ ናይ ጕጅለን ውልቅን ልቓሕ ከኣ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣስታት 21.3 ሚልዮን ናቕፋ ካብ መዓልቱ ዘሕለፈ ልቓሕ ከም ዝጎደለ ተጠቒሱ። ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት ዝተዓመ ንጥፈታት ዝድህስስ ጸብጻብ ከኣ፡ ኣብ 2021 ዝርግሐ ልቃሕ ኣስታት 142,625,329 ናቕፋ ከም ዝነበረ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ድማ ናብ 227,808,690 ናቕፋ ከም ዝዓበየ ተገሊጹ። ከምኡ’ውን፡ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ዝተኣከበ ቀንዲ ልቓሕ 127,798,589 ናቕፋ ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ 2025 ከኣ ናብ 237,141,906 ናቕፋ ከም ዝዓበየ ተሓቢሩ። ክንዲ ዝዀነ፡ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት መጠን ዝተመልሰ ልቓሕ ክረአ እንከሎ ኣስታት 48.40% ክኸውን እንከሎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ግን ናብ 53.93% ክብ ከም ዝበለ ተጠቒሱ። ኣብ 2025 ካብ እተዓመ ገለ ንጥፈታት ብኸፊሉ ምስ እንምልከት፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ባረንቱን መንደፈራን ክልተ ሓድሽ ጨንፈር ሰራሕተኛታት ልቓሕ ከም ዝተመስረተ ብዘይካ’ዚ፡ ብውሽጣዊ ዓቕሚ መውል ንኣስታት 41 ሓላፍቲ ኣባላት ኦፐረሽን ንሓደ ሰሙን ዝቐጸለ ስልጠና ከም ዝተዋህበ ተሓቢሩ። ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ መፋርቕ 2024 ዝተኣታተወ ሓድሽ ብዘይ ዑደት ዝወሃብ ልቓሕ፡ ኣብታ ዝቐጸለት ዓመት ን77 ዓማዊል ኣስታት 11 ሚልዮን ናቕፋ ከም እተዘርግሐ ተገሊጹ። ኣብ ርእስ’ዚ፡ ግዝያዊ ኣካያዲ ስራሕ መውል ምስ ኣባላት ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ብምዃን፡ ኣብ ንኡሳን ዞባታት ፎሮን ገልዓሎን ኣፍልጦ መሻርኽቲ ምዕባይን ምግፋሕ ንጥፈታት መውልን ዝድርኽ ዓውደ-ዘተ ከካይድ እንከሎ፡ ከም ውጽኢቱ፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ገልዓሎ ኣስታት 2.15 ሚልዮን ሓድሽ ልቓሕ ተዘርጊሑ ኣሎ። ከም መቐጸልታ ናይቲ ዓመት መጸ ዘካየዶ ዓበይቲ ንጥፈታት፡ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ኣብ ምእካብ ልቓሕ ብኣተኵሮ ብምዕያይ፡ መጠን መዓልቱ ዘሕለፈ ልቓሕ ብ25% ንምጉዳል ከም ዝስራሕ ክግለጽ እንከሎ፡ ልቓሕ ምዕዳል ጥራይ ዘይኰነ ልቓሕ ብምዝርጋሕን ንጥፈታት ብምግፋሕን ከምኡ ድማ፡ ብዝተጸንዐን ዝጸፈፈን ኣገባብ ልቓሕ ንምዝርጋሕ’ውን፡ ውጥን ወጺኡ ከም ዘሎ ተገሊጹ። ካብኡ ቀጺሉ ሓላፊ ጨንፈር ፋይናንስ መውል ኣቶ ቴድሮስ ሃይለ ንፋይናንስያዊ ንጥፈታት ናይቲ ትካል ዝድህስስ ጸብጻብ ኣቕሪቡ። ከም ኣብነት፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንሓለፍቲ ሕሳብ ዞባታት ስልጠና ከም ዝተዋህበ ከምኡ’ውን፡ ውሳነታት ዘድልዮ ሕሉፍ መጻእን ተኸፋልን ሕሳባት መውል ምስ ምሕደራ ኮሚተ ብምዃንን ምኽሪ ናይ ደገ ኦዲት ብምቕባልን፡ ከም ዝደቓቐስ ከም ዝተገብረን ካልእን ዝብሉ ነጥብታት ዝሓቘፈ ጸብጻብ ቀሪቡ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተተግበረ ውጥን እውን ብኸፊል ምስ እንምልከት፡ ኣብ 2024 Draft Financial Statement ብምድላው ናብ ክፍሊ ኣታዊ ውሽጢ ሃገር ከም ዝቐረበ፡ በዚ ከኣ ኣስታት 8.2 ሚልዮን ናቕፋ ግብሪ ካብ ትርፊ ከም ዝተኸፈለ ተጠቒሱ። ብተወሳኺ፡ እማመ ባጀት 2025 ብምጽራይን ብምጥርናፍን (Compile)፡ ናብ ዝምልከቶ ኣካል ከም ዝቐረበ ብድሕሪ’ዚ፡ ምስ ጸደቐ ድማ፡ ናብ ዞባታት ተላኢኹ ከም ዝተተግበረ ተገሊጹ። ብድሕሪ’ዚ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት መደብ ስራሕ ተሓንጺጹሉ ክንሱ ብሰንኪ እተፈላለየ ምኽንያት ከይተተግበረ ዝተረፈ ንጥፈታት’ውን ተገሊጹ ነይሩ። ንኣብነት፡ ንገለ ሓለፍቲ ሕሳብ ዞባታት ኣብ ስራሕ ዘተኰረ ስልጠና ንምሃብ ዝወጸ መደብ ብሰሪ እተፈላለየ ምኽንያት ዘይተዓመ፡ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ምስ ተወሰኽቲ ሓደስቲ ኣባላት ቀዳምነት ዝወሃቦ መደብ ምዃኑ ተሓቢሩ። ብዘይካ’ዚ፡ ምዕጻው ሕሳብ ኣብ ሲስተም LPF ኣቐዲሙ ዝተወደአ ጕዳይ እኳ እንተዀነ፡ ‘Draft Financial Statement’ ድሕሪ ምድላው ዝኣተወ ሓበሬታ ናይ ሕሳባት ምዝንባዕ ፈጢሩ እዩ። ነዚ ንምጽፋፍ ብኣተኵሮ ክስረሓሉ ድሕሪ ምጽንሑ፡ ኣብዚ ዓመት ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ንምዕጻው መደብ ተታሒዙ ይርከብ። ኣብ ጸብጻብ ትካላት ዝነበረ ብልጫታት፡ ድኽመታትን ብድሆታትን ክጥቀስ ንቡር እዩ። ክንዲ ዝዀነ፡ ብጨንፈር ፋይናንስ መውል እውን ዝተተግበሩን ዘይተተግበሩን መደባት ምስ ተገልጹ፡ ቀጺሎም ዘጋጥሙ ብድሆታት’ውን ተጠቒሶም ነይሮም። ብድሕሪ’ዚ ውጥን ስራሕ ናይ’ዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ከም ኣብነት፡ ንሓለፍቲ ሕሳብ ዞባታት፡ ሓለፍቲ ሕሳብ ጨናፍርን ተሓጋገዝቶምን ኣብ ስራሕ ዘተኰረ ስልጠና ምሃብ ከምኡ’ውን፡ ውሳነታት ዘድልዮ ሕሉፍ መጻእን ተኸፋልን ሕሳባት መውል ምስ ምሕደራ ኮሚተ ብምዃን፡ ምኽሪ ናይ ደገ ኦዲት ብምቕባልን ከም ዝደቓቐሱ ምግባርን ዝብሉ ነጥብታት ተገሊጾም። ካብዚ ብምቕጻል፡ ጸብጻብ ንጥፈታት ኦፐረሽን መውል ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ብሓላፊ ስነዳ ናይቲ ትካል ኣቶ ተስፋኣለም ወረደ ቀሪቡ። ኣብቲ ጸብጻብ ዓዳዊ ባንክ ኣብ ሓምለ 1996 ደገፍ ንኮማዊ ልምዓት ኤርትራ፡ ኣብ ትሕቲ ዞባዊ ምምሕዳር ከም ዝተመስረተ ተገሊጹ። ኣብቲ እዋን ቊጽሪ ዓዳዊ ባንክታት 25 ነይሩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ከኣ፡ ቊጽሪ ዓዳዊ ባንክታት ናብ 799 ክብ ኢሉ። ካልእ፡ እቲ ትካል ክምስረት እንከሎ ብዝሒ ዓማዊል 1,532 ዝነበረ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ግን ናብ 74,807 ክዓቢ ክኢሉ ኣሎ። ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ 1996 ዝርግሐ ልቓሕ ኣስታት 1.3 ሚልዮን ናቕፋ ዝነበረ፡ ድሕሪ 2014 ዓ.ም ኣብ ዝቐጸለ ዓመታት ብምኽንያት ምቕያር ባጤራን ኮሮናን ዝርግሐ ልቓሕ ክብ ለጠቕ እናበለ ከም ዝቐጸለ ይፍለጥ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ከኣ፡ ዝርግሐ ልቓሕ ኣስታት 228 ሚልዮን ናቕፋ ከም ዝበጽሐ ተጠቒሱ። ብተወሳኺ፡ ኣብ መወዳእታ 1996 ካብ ዓማዊል ዝተኣከበ ቀንዲ ልቓሕ ኣስታት 54 ሽሕ ናቕፋ ዝነበረ፡ ድሕሪ 30 ዓመታት ብዝሒ ዝተኣከበ ገንዘብ ኣስታት 237 ሚልዮን ናቕፋ ከም ዝበጽሐ ተሓቢሩ። ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ ኢድ ዓማዊል ኣስታት 1.3 ሚልዮን ናቕፋ ተረፍ ከም ዝነበረ፡ ኣብ 2025 ዝተመዝገበ ውንዙፍ ሚዛን ልቓሕ ናብ ኣስታት 308 ሚልዮን ናቕፋ ክብ ክብል ክኢሉ። ብድሕሪ’ዚ፡ ቊጽሪ ደቂ-ኣንስትዮ ዓማዊል ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ብሚእታዊት ቀሪቡ ነይሩ። ንኣብነት፡ ኣብ 1996 ካብ ዝነበረ ጠቕላላ ብዝሒ ዓማዊል ማለት - ካብ 1,532 ዓማዊል እተን 458 (30%) ደቂ-ኣንስትዮ ነይረን። ኣብ 2025 ጠቕላላ ብዝሒ ዓማዊል 74,807 ክበጽሕ እንከሎ፡ ካብዚኣቶም እተን 40,517 ደቂ-ኣንስትዮ ከም ዝዀና፡ እዚ ብሚእታዊት ክረአ እንከሎ (54%) ከም ዝሽፍን ተገሊጹ። ካብ’ዚ ብምቕጻል ግዝያዊ ኣካያዲ ስራሕ መውል ኣቶ ታፍላ ኣስመሮም ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ጽፉፍ ኣሰራርሓ ትካል ከምኡ’ውን፡ ኣፍልጦ ህዝቢ ምዕባዩን ዝርግሐ መውል ምስፍሑን ንዕብየት ናይቲ ትካል ዝሓገዙ ረቛሒታት ምዃኖም ገሊጹ። ኣስዒቡ፡ ዝርግሐ ልቓሕ ዝሓለፈ ዓመት ምስቲ ናይ ቅድሚኡ ዓመት ብምንጽጻር ብ6.3% ክብ ክብል እንከሎ፡ ምእካብ ልቓሕ ድማ ብ17.8% ዕቤት ከም ዘመዝገበ ሓቢሩ። ኣብ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ብድምር ዝተዘርግሐ ልቓሕ ኣስታት 4.3 ቢልዮን ክበጽሕ እንከሎ፡ ዝተኣከበ ልቓሕ ከኣ፡ ኣስታት 4 ቢልዮን ናቕፋ ከም ዝዀነ ኣፍሊጡ። ትካል መውል፡ ብሰንኪ ሕጽረት ገንዘብ፡ ካብ ኣፍራይነት ዝበኵር ዜጋ ንኸይህሉ ከም ዝሰርሕ ድማ ኣነጺሩ። ብድሕሪ’ዚ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብሉጽ ስራሕ ንዝዓመሙ ጨናፍር ከምኡ’ውን፡ ንጎብለል ዞባ ሽልማት ‘ረባዕ’ ተዓዲሉ። በዚ ምኽንያት፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ፍሉይ ለውጢ ዘመዝገባ ጨናፍር ንኡሳን ዞባታት ሃይኮታን ሰረጀቓን ምስክር ወረቐት ተዓዲሉ። ከምኡ’ውን፡ ንዕዉታት ጨንፈር ሰራሕተኛታት ልቓሕ፡ መንደፈራን ባጽዕን ሽልማት ተዓዲሉ። ብድሕሪ’ዚ፡ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ተርታ ዝሓዛ ዕዉታት ጨንፈራት 2025 ተሰነይ፡ ከረንን በሪኽን በብተራ ሽልማተን ካብ ኢድ ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ተቐቢለን። ኣብ መወዳእታ፡ ብሉጽ ስራሕ ብምዕማም ጎብለል ዝዀነት ዞባ ናይ ገንዘብ፡ ዋንጫን ምስክር ወረቐትን ሽልማት ተዋሂቡ። በዚ ከኣ፡ ዞባ ማእከል ጎብለል ብምዃን ተዓዊታ። እቲ ንብሉጻት ጨናፍርን ዞባን ዝወሃብ ሽልማት ረባዕ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ከም ዝጀመረ ይፍለጥ። #Eritrea
Ministry of Information, Eritrea tweet mediaMinistry of Information, Eritrea tweet mediaMinistry of Information, Eritrea tweet media
AM
0
67
80
1.1K
Ministry of Information, Eritrea
ናቕፋ ኣብ 49 ዓመተ ልደታ መሓመድ እድሪስ እዚ ዓምዲ’ዚ፡ ኣብ እዋን ሓርነታዊ ገድሊ ካብ ውልቃዊ ትዕዝብትታት፡ ኣብ ሰውራን ድሕሪ ናጽነትን ካብ ዝተጻሕፈ መጽሓፍትን መጽሔታትን፡ ቃለ መጠይቓት ከምኡ’ውን፡ ካብ ኣርካይቭስ ጨ/ስእሊ ሚ/ዜናን ካልእን ዝተረኽበ ስእልታትን ሰነዳትን ምርኵስ ብምግባር ዝዳሎ ምዃኑ ኣቐዲምና ነዘኻኽር። ሎሚ 22 መጋቢት 2026 እዩ። ኣብዛ ዕለት እዚኣ ቅድሚ 49 ዓመት እንታይ ንዝክር? እወ እታ ትእምርቲ ጽንዓትን ሓበንን ህዝቢ ኤርትራን ብረታዊ ቃልሱን ኰይና ንዘልኣለም ስማ ዝለዓል መዲና ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነት ናቕፋ እነሆ መበል 49 ዓመተ ልደታ ብኽብሪ ተብዕል ኣላ። ንዓመታ፡ ልክዕ ከምዚ ሎሚ 22 መጋቢት 2027 ድማ፡ ኣብ ሓርነታ ፍርቂ ዘመን መሊኣ መበል 50 ዓመት ልደታ (ወርቃዊ ኢዮቤላ) ከተብዕል እያ። ብዛዕባ ናቕፋ ዘይፈልጥ ኤርትራዊ ዜጋ ዳርጋ የለን ክበሃል ይከኣል። ምኽንያቱ እንተ ወሓደ ንናቕፋ ወትሩ በቲ ኣብ ጅብኡ ዘሎ ብስም ናቕፋ ዝተጠመቐ ባጤራና’ውን፡ ክዝክራን መዓልታዊ ስማ ከልዕልን ስለ ዝኽእል። እንተኾነ ዝያዳ ብዛዕባኣ ንምፍላጥ ኣብዚ ናይ ሎሚ ሕታም ነዛ ትእምርቲ ጽንዓትናን ርእሰ ከተማ ገድልናን ዝኾነት ናቕፋ ብዛዕባ ሓርነታን ጽንዓታን በጺሓቶ ዘላ ምዕባለን ጥራይ ዘይኮነ ንድሕሪት ምልስ ኢልና ውሑድ ካብቲ ታሪኻዊ ድሕረ-ባይታኣ ምርኣይ ኣገዳሲ ስለ ዝኾነ። ሓንሳብ ምስ ተሓረረት፡ ዳግማይ እግሪ መግዛእቲ ኢትዮጵያውያን ክረግጻ ኣየፍቀደትን። ፍልማዊት ኣደ፡ ዕርዲ ጽንዓት ዝብሉ ቅጽላት ዝተሓለገት፡ ወለዶታት ኤርትራ ንዘልኣለም ኣፍ-ልቦም ነፊሖም ብሓበን ዝዝክሩዋ፡ ማእከል ስሕበት ብረታዊ ቃልሲ ኤርትራውያን’ያ ናቕፋ! ኣብ ሰሜናዊ ኤርትራ ኣብ 1730 ሜትሮ ብራኸ ካብ ጽፍሒ ባሕሪ ተደኲና እትርከብ፡ ከበሳዊ ክሊማ ዘለዋ ናቕፋ፡ ክሳብ’ቲ ኣብ 1996 ዝተቐየረ ዞባዊ ስርዓተ-ምሕደራ ርእሰ ከተማ ኣውራጃ ሳሕል ነበረት። ናቕፋ ዝያዳ ብካሜራታት በጻሕቲ ኣብ ስእልታት ክትቅዳሕን ካብኡ ዝተለዓለ ኣብ መዝገብ ዓለማዊ ስእልታት ክትሰፍርን ዝኸኣለት፡ ዝያዳ በቲ ኣብ 1933 ኣብ ኣፍሪቃ ዑደት ዝገብር ዝነበረ ጀርመናዊ ጂኦግራፍያዊ ሰኣላይ ካርል ትሮል (Carl Troll) እዩ። ካርል ኣብ 1933 ናብ ናቕፋ ንፈለማ እዋን ምስ መጸ፡ ናብቲ ካብ ናቕፋ ንምዕራብ ኣብ መበል 35 ኪሎሜተር ርሒቑ ዝርከብ ሮራ ሓባብ ብፍላይ ድማ፡ ነቲ ብጫካ ከበሳዊ ኣግራብ ኣውራ ድማ፡ ጽሕዲ ፍሉጥ ዝኾነ ናይ ሎሚ ምምሕዳር ከባቢ ባቕላ ሓኾረ። ኣብዚ ዑደቱ ድማ’ዩ፡ ነቲ ኣብ ሰናዱቕ ተዓሺጉ ኣብ ዝባን ኣግማልን ኣባቕልን ናብ ባቕላ ዝደየበ መቝረጺ መጋዛትን ማሽናትን ኣብ ከባቢ ሽማግላይ ዝበሃል ቦታ ምስ ተገጥመ፡ እቲ ትኽ ዝበለ ወርወራት ጽሕዲ ብዘይ ንሕስያ ክቝረጽ ጀመረ። እዚ ወርወራት’ዚ ድማ በቲ ኣብ ውሽጢ ባቕላ ተተኺሉ ዝነበረ ማሽናት እናተጸርበ ከም እንደገና ብኣግማልን ኣባቕልን ከምኡ’ውን፡ ብጉልበት ሰብ ካብቲ ልዕሊ 2500 ሜትሮ ዝብራኸኡ ዝባውንቲ ሮራ ባቕላ ናብ ናቕፋ ይጓረትን፡ ካብኡ ድማ ንመንግስቲ ጥልያን ኣብ ዝተፈላለየ መዓላታት ንምውዓል ናብ ካልእ ቦታታት ከም ዝተወስደን ይንገር። ብዘይካ’ዚ ካርል ነታ ንእሽቶን ሽዑ ናብ ዓቢ ዓዲ ትምዕብል ዝነበረትን ናቕፋን ተቐማጦኣን ክስእል ከኣለ። ሽዑ እዋን ከንቴባይ ዑስማን ህዳድ’ዩ ክንትብነት ሓባብ ሒዙ ኣብ ናቕፋ ኮይኑ ንምሉእ ህዝቢ ሳሕል ዘመሓድር ዝነበረ። ናቕፋ ድማ፡ ከምዚ ናይ ሎሚ ወይ’ውን ካብ ግዜ ፈደረሽን ክሳብ ሓርነታ መጋቢት 1977 ዝነበረቶ ቅርጽን ዕብየትን ኣይነበራን። ብብዝሒ ኣግራብ ቆልቋልን ሞሞናን ዝተሸፈነት፡ እቲ ከቢቡዋ ዝርከብ ታባታት’ውን፡ ብዝተፈላለየ ኣግራብ ዝተሸፈነ ነበረ። እታ ዓዲ ድማ፡ ኣጓዱን መረባብዕን ብተንኮበት ዝተሰርሐ ገዛውቲ (ኣግነታት) ዝዓብለላ ነበረት። እቲ ኣጓዱ ነቶም ወተሃደራት የገልግል ነበረ። ክሳብ ሓርነታ ድማ፡ ነይሩ። ሎሚ ግን፡ ኣብ ናቕፋ ጥር ዝብል ኣጒዶ ኣይትረክብን ኢኻ። ናቕፋ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናማዕበለት ትኸይድ’ኳ እንተ ነበረት፡ ስሩዕ ትምህርቲ ብቛንቋ ዓረብ ብሱዳናውያን መምሃራን ኣብ ግዜ ፈደረሽን ጀሚራ ከም ዝነበረት፡ ካብቶም ሽዑ ኣብ ናቕፋ ተመሃሮ ዝነበሩ ሎሚ ደቂ 80ታት ኣቶ መሓመድ ዓብደላ ገንሸራን መሓመድ ከንቴባይ ሓሰንን ይዝክሩ። ኣብቲ ግዜ’ቲ፡ ናቕፋ ዳርጋ ሓደ ዓቢ ጎደና ካብ ምዕራብ ናብ ምብራቕ ክሳብ ሩባ ምዖ ዝዝርጋሕ ነይሩዋ። ብፍላይ ኣብ እዋን ስርዓት ሃይለስላሰ ሓንቲ መባእታ ቤት ትምህርቲ ብዘመናዊ ኣገባብ ዝተሃንጸት ክሳብ ሎሚ፡ ስም ቀዪራ እምበር፡ በቲ ናይ ቀደም ምስላ ዘላ ቤት ትምህርቲ ሹሃዳእ፡ ከምኡ’ውን ኣብቲ እዋን’ቲ ክሳብ ከበባ ናቕፋ 1976 ብሽወደናውያን (ስብዴስ) ዝመሓድር ሓደ ክሊኒክ፡ ህዝቢ ማይ ዝሰትየላ ኣብዚ ሎሚ ሜዳ ኵዕሶ ተሰሪሑሉ ዘሎ ብዔላ ቅልንቃል እትፍለጥ፡ እቲ ኣብ ማእከል ናቕፋ ዘሎ ታሪኻዊ መስጊድን ብምብራቓዊ ወገን ሩባ ምዖ ኣብ በሪኽ ቦታ ዘላ እንዳ ሚካኤል ቤተ-ክርስትያንን ክዝከር ይኽእል። ናቕፋ፡ መጐዓዝያ’ውን ኣብ ሰሙን 2 ግዜ ካብ ከረን ናብ ናቕፋ ዝመላለሳ ኣውቶቡሳትን መስመር ቴለፎንን ከም ዝነበራ እቶም ዓበይቲ ዓዲ ኣብ ሎሚ ኰይኖም ይዝክሩ። ድሕሪ ውድቀት ስርዓት ሃይለስላሰ ደርግ ኣብ ስልጣን ምስ መጸ፡ ብቐጻሊ ብቃፍላያት ወተሃደራዊ መካይንን ዝጓረቱ ወተሃደራት ንናቕፋ ኣዕለቕለቁዋ። ኮማንዶን ጦር ሰራዊትን ድማ፡ ኣብ ናቕፋ ሓደ ዓቢ መዓስከር መስረቱ። ካብ ናቕፋ ናብቲ ከባቢ ውጥም ቅልቅል ዝብሉ ዝነበሩ ተጋደልቲ ሓርነት ንምህዳን ድማ፡ ናብቲ ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ታባታት ብቐጻሊ እናወፈሩ ዳርጋ ኣብ ራዕድን ሽበራን ክኣትዉ ጀመሩ። ካብዚ እዋን እዚ ንደሓር ድማ ህዝቢ ከከላብቱን ክኣስሩን ከጋፍዑን ምስ ጀመሩ እታ ብሰላምን ቅሳነትን ንዓመታት ትነብር ዝነበረት ናቕፋ ህዝባ ክሹቕረርን ኣብ ፍርሕን ራዕድን ከኣቱን ጀመረ። እምበኣር ድሕሪ’ዚ እዩ፡ ኣብ መስከረም 1975 እቶም ዝለዓለ ጽፍሒ ውዳበኦም ብደረጃ ቦጦሎኒ ዝነበረ ተጋደልቲ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ፡ ኣብ ልዕሊ’ቲ ኣብ ናቕፋ ዝነበረ ናይ ክብሪ ዘብዐኛ ፍሉይ ሓይልታት ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ንመጀመርያ እዋን ብሰለስተ ቦጦሎኒታት ተሪር መጥቃዕቲ ዝኸፈቱ። እንተኾነ፡ ንናቕፋ ክቈጻጸሩዋ ኣይከኣሉን። በቲ ፍጻመ ዝተሰናበደ ስርዓት ደርግ፡ ከይወዓለ ከይሓደረ፡ ብቃፍላይ ዝተሰነየ ስንቅን ዕጥቅን ናብ ናቕፋ ከምጽእ ተገዲዱ። እቲ ቃፍላይ ኣብ መጀመርያ ጥቅምቲ 1975 ናብ ኣፍዓበት ተመሊሱ። ድሕሪኡ ጸላኢ ንሓዋሩ ንናቕፋ ብመሬት ክበጽሓ ኣይከኣለን። #Eritrea
Ministry of Information, Eritrea tweet mediaMinistry of Information, Eritrea tweet mediaMinistry of Information, Eritrea tweet media
AM
0
66
80
858