SahilNa 🇪🇷

116 posts

SahilNa 🇪🇷 banner
SahilNa 🇪🇷

SahilNa 🇪🇷

@ErdiAwet

“Our history is not a myth , it is sacrifice, strength, and identity. #SahilNa

Eritrea KatÄąlÄąm Nisan 2026
10 Takip Edilen41 Takipçiler
SahilNa 🇪🇷 retweetledi
Ministry of Information, Eritrea
ገስጋስ ኣብ ልምዓት ማይ፡ ኣብ ውሽጢ 35 ናይ ናጽነት ዓመታት ዓንዶም ግርማይ (ወዲ-ደረስ) ‘ማይ ህይወት’ዩ’ ክበሃል ከሎ፡ ክቡርን መተካእታ ዘይብሉን ጸጋ ምዃኑ ንምግላጽ’ዩ። ብዘይ ማይ ዝነብር ህይወታዊ የለን። እቲ ጽቡቕ ነገር ከኣ፡ ዓለምና ብማይ ሃብታም ፕላኔት ምዃና እዩ። ሰለስተ ርብዒ ካብ ጠቕላላ ስፍሓታ ብማይ ዝተሸፈነ እዩ። ይዅን’ምበር፡ ብሕጽረት ጽሩይ ዝስተ ማይ ዝሳቐ ነባሪኣ እልቢ የብሉን። ማይ፡ ኣብ መስርሕ ምንባርን ምንብባርን ፍጡራት ረብሓኡ ጸብጺብካ ኣይውዳእን። ስርዓተ ዑደት ማይን ክሊማን ኣብ ምርግጋእ፣ ቀጻልነት ተፈጥሮኣዊ ጸጋታት ኣብ ምውሓስ ድማ፡ ግደኡ ዕዙዝ እዩ። ቀረብ ውሑስን ጽሩይን ማይ፡ ካብ መሰረታዊ ጠለባት ደቂ- ሰብ እዩ። ይዅን’ምበር፡ ብሰንኪ ዘይውሕሉል ኣጠቓቕማ፡ ብብከላ ማይን ዋሕዲ ቀረብ ማይን ዝሳቐ ህዝቢ ዓለም ብዙሕ እዩ። ዋሕዲ ማይ ጽልዋኡ ኣብ ህይወታዊ ብዙሕነት ብሩህ ኮይኑ፡ ነቲ ሽግር ንምፍታሕ ዝባኽን ግዜን ዝሃልኽ ንዋታዊ ጸጋን ብዓይኒ ቊጠባ ክርአ ከሎ ከቢድ እዩ። ዕብየት ስርዓተ ቊጠባ ክረጋገጽ ኣቕርቦት ማይ ወሳኒ ግደ ይጻወት። ነዚ ንምርግጋጽ፡ ማይ ንምውህላል ሰፊሕ ወፍሪ የድሊ። ምውህላል ጥራይ ዘይኮነ ግን፡ ደቂ ሰብ ምእንቲ ረብሓና ክንብል ብከላ ምክልኻልን ውሕሉል ኣጠቓቕማን ከነተኣታቱ የድሊ። ንሎሚ ኣብዚ ዓምዲ፡ ንጒዕዞ ገስጋስ ልምዓት ማይ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፈ 35 ዓመታት ናጽነት ኣብ ሃገርና እንታይ ይመስል፡ ማይ ንምውህላል እንታይ ተሰሪሑ፧ ክሳብ ሕጂ ቀረብ ሸፈነ ጽሩይ ዝስተ ማይ ኣብ ሕብረሰብና ከመይ ኣሎ፧ ንልምዓታዊ ንጥፈታት ዘገልግል ማይ ኣብ ምኽዛንከ ብደረጃ ሃገር ዛጊት ተበጺሑ ዘሎ ደረጃ ብኸመይ ይግለጽ፧ ዝተርፈና ንምምላእ እንታይ ዓይነት ስራሕ ይጽበየና ኣሎ...፧ ነዚኦምን ካልኦትን ሕቶታት መብርሂ ንምርካብ፡ ኣብ ሚኒስትሪ መሬት፡ ማይን ኣከባብን፡ ዋና ኣካያዲ ክፍሊ ሃብቲ ማይ መሃንድስ መብራህቱ እያሱ ዝሃበና ሰፊሕ ሓበሬታ ይስዕብ፦ ኣብ ዝሓለፈ 35 ዓመት ናጽነት ኣብ ማይ ዝተኻየደ ወፍሪ ክትገልጸልና፧ ኩልና ከም እንፈልጦ ማይ፡ ቀንዲን ናይ መጀመርታ ባእታ ማሕበረ ቊጠባዊ ምዕባለን ናይ ሓደ ሕብረተሰብ እዩ። ኣብዚ እቲ ብመጀመርታ ዝስራዕ ድማ፡ ቀረብ ጽሩይ ዝስተ ማይ እዩ። እዚ ማለት ጥዑይ፡ ኣፍራዪ ሕብረተሰብ ክህልወና፡ መጀመርታ ጥዕናኡ ዝተሓለወ ጽሩይ ዝስተ ማይ ክረክብ ክኽእል ኣለዎ። ኣብዚ ኣብ ጽባሕ ናጽነት ዝጸንሓና ሸፈነ ቀረብ ማይ ኣብ ሃገርና እንታይ ከምዝመስል ምርኣይ ኣገዳሲ እዩ። ካብዚ ብምብጋስ፡ ኣብ ገጠራትን ከተማታትን ሃገርና ከመይ ከም ዝነበረ ንምርኣይ ዝኣክል፡ ኣብ ገጠራት፡ ካብ ጠቕላላ ኣብኡ ዝነብር ህዝብና ትሕቲ 7 ሚእታዊት ጥራይ’ዩ ተጠቃሚ ጽሩይ ዝስተ ማይ ነይሩ። ኣብ ከተማታት ምናልባት ኣስመራ ከም ማእከል ናይ ኩሎም ተኸታተልቲ ገዛእቲ ስርዓታት ስለ ዝነበረት፡ ንነብሶም ክብሉ ብሓደ ወገን፡ ከተማ ኣስመራ ድማ ብዙሕ ህዝቢ ዝነብራ ብተዛማዲ ዓባይ ስለ ዝኾነት ክኸውን ይኽእል በቲ ኻልእ፡ ዝተዋደደ ሸፈነ ቀረብ 30 ሚእታዊት ጸኒሑና። ወዲ ሰብ ንኽነብርን ጥዕናኡ ዝተሓለወ ክኸውንን፡ ዝስተ ጽሩይ ማይ ክረክብ መሰል’ምበር ናይ ጌጽ ኣይኮነን። ካብዚ ዝብገስ ቀረብ ጽሩይ ዝስተ ማይ ንዜጋታት ሓደ ካብ ሰብኣዊ መሰል ተባሂሉ ብዙሕ ግዜ ተሓለቕቲ ዝዛረቡሉ እዮም። መንግስቲ ኤርትራ ብወገኑ፡ ንኣገዳስነት ጽሩይ ዝስተ ማይ፡ ብፍላይ ኣብ ምዕባለ ማሕበረ ቊጠባዊ ሕብረሰተብና ኣገዳስነቱ ስለዝተገንዘበን ዝተረድአን፡ ካብ ጽባሕ ናጽነት ጀሚሩ ክሳብ ሕጂ ከም ቀዳምነት ሰሪዑ ብዘይምቁራጽ ክሰርሓሉ ጸኒሑን ኣሎን። ከምዚ ዝተጠቕሰ ናጽነትና ካብ እንረክብ ድሮ 35 ዓመት ኮይኑ ኣሎ። ኣቕርቦት ማይ ንምውሓስ ቢልዮናት ናቕፋ ወጻኢታት ዝተገብረሉ ገዚፍ ወፍሪ ክግበረሉ ጸኒሑን ኣሎን። ስለዚ፡ ብዝተኻየደ ጻዕሪን ስራሕን ክሳብ መወዳእታ ናይ 2025 ሸፈነ ቀረብ ማይ ኣብ ሃገርና፡ ኣዝዩ በሪኹ እዩ። ቀጻልነቱ ንምርግጋጽ ብዙሕ ወጻኢታት ዝሓትት ናብዮትን ምክትታልን ይግበረሉ እዩ። ክሳብ ሕጂ ደረጃ ተጠቃምነት ጽሩይ ዝስተ ማይ ኣብ ሃገርና ብሚእታዊት ክርአ እንከሎ፡ ኣብ ገጠር 80 ሚእታዊት፣ ኣብ ከተማታትና 99 ሚእታዊት፣ ከተማን ሓውሲ ከተማን ድማ 95 ሚእታዊት በጺሑ ኣሎ። ብኣጠቓላሊ ሸፈነ ቀረብ ማይ ብደረጃ ሃገር ኣብ ገጠራትን ከተማታትን ደሚርካ ክንርእዮ እንከለና ድማ፡ 85 ሚእታዊት በጺሑ ኣሎ ክንብል ንኽእል። እዚ ብብዝሒ ዓድታት ክርአ እንከሎ፡ ንሕና ከም ክፍሊ ሃብቲ ማይ እነካይዶ መጽናዕቲ፡ ረኺብናዮ እንብሎ ኣሃዝ፡ 2750 ዓድታት ዝብል’ዩ። ካብዚአን ዳርጋ እተን 57 ሚእታዊት ተጠቀምቲ ጽሩይ ስርዓተ ቀረብ ማይ ክኾና ክኢለን ዘለዋ እየን። ኣብዚ እተን መጀመርታ ዝተበጽሓን ቀልጢፈን ክረኽባ ዝኸኣላን፡ ሓደ ጻዕቂ ህዝቢ ዘለወን ዓበይቲ ዓድታት እየን። ተሪፈናና እንብለን ቁሩብ ራሕቂ ዘለወን ምስኡ ድማ ስሑው ህዝቢ ዘለወን እየን። ኣብ ከተማታትና ዝተገብረ ኣቕርቦት ንዝምልከት ድማ፡ ከተማታትና ኣቕርቦት ማይ ኣለዎ የብሉን ኢልና ክንዛረብ ኣይንኽእልን ኢና። ሚእቲ ሚእታዊት ስርዓተ ቀረብ ማይ ተዋዲዱሉ ኢልና’ውን ክንዛረብ ምኸኣልና ነይርና። ሚእቲ ሚእታዊት ይትረፍ ግን 95 ሚእታዊት እንተበልናዮ እውን ውሑድ ኣይኮነን። ብናትና መለክዒ ስርዓተ ቀረብ ማይ ሰለሰተ ደረጃታት እዮም ዘለዉና። ንሳቶም፦ ቀዳማይ ደረጃ፦ መስመር ማይ ኣብ መንበሪ ቤት ምስ ኣተወ እዩ። ኣብ ውሽጢ እቲ ገዛ ኣይኮነን ከኣ ቀጽሪ መንበሪ ኣባይቲ ኣብ ተደኲኖምሉ ዘለዉ ምስ ዝበጽሕ እዩ። ካልኣይ፦ ዓድታት ኤርትራ ካብ ዝምስረታ ናይ ዘመናት ዕድመ ዘለወን እየን። ኣብቲ ዝተመስረታሉ እዋን ኣፍልጦ ናይ ብውጥን፡ ብዲዛይን ምስራሕ ኣይነበረን። ኣብዚ እዋን’ዚ ግን ዝተርፈና ብዙሕ’ኳ እንተሎ፡ ምምሕያሽ ግን ይመጽእን ይርአን ኣሎ። ስለዚ፡ ግድን ናይ ማይ ኣቕርቦት ክንገብረለን እንተደኣ ኴንና፡ በቲ ዝጥዕም ኣገባብ ክኸውን ስለዝግብኦ፡ ኣብ ሓንቲ ዓዲ ብመሰረት ዘሎ ተጠቃሚ ብዝሒ ህዝባ፡ ነቚጣታት መዐደሊ ማይ ከምዝህልዋ ብምግባር፡ ብዝተኻእለ መጠን ድማ ነፍሲ-ወከፍ ስድራ ካብ ካብ 50 ክሳብ 100 ሜትሮ ኣብ ዘይርሕቕን ካብ ናይ ሓባር መዐደሊ ነቚጣ ማይ ክረክብ ከም ዘለዋን ዝግበር እዩ። ሳልሳይ ደረጃ፦ ኩሉ ግዜ ስርዓተ ቀረብ ማይ ከተዋድድ እንከለኻ፡ ዓቕሚ ህዝቢ ኣብ ግምት ይኣቱ እዩ። ኣብ ናይ ምጽጋን ስራሕ፡ ሓለውቲ ናይቲ ስራሕ ይኹን ማይ ከፊቶም ዝዕድሉ ብደሞዝ ስለ ዝሰርሑ፡ ህዝቢ ብዓቕሙ ንገለ ካብዚ ዝሕተት ወጻኢታት ክሽፍን ክኽእል ኣለዎ። እዚ ክገብር እንተደኣ ዘይክእል ኮይኑ፡ ስርዓተ ቀረብ ማይ ኣዋዲድካ ዋናን ዝከታተሎ እንተዘይብሉን፡ ዝህቦ ኣገልግሎት ቀጻልነት ዘይብሉ ክኸውን ስለዝኽእል፡ ኩሉ ግዜ ነዚ ኣብ ግምት እነትዎ ኢና። ካልእ፡ እታ ዓዲ ከምዚ ዝተጠቕሰ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ከጋጥም ንዝኽእል ወጻኢታት ክትሽፍን ዓቕሚ ዘይብላ ምስ እትኸውን፡ ነበርታ፡ ተጠቃሚ ጽሬቱ ዝተዋሕሰ ማይ ካብ ነቚጣ ከይዱ ማዩ ቀዲሑ ክጥቀም ከም ዘለዎ ይግበር። ስለዚ፡ ንኸምዚአን ዝበላ ዓድታት፡ ዒላ ተዃዒቱለን እንተስ መግሊል ናይ ኢድ ፖምፓታት ወይ መገለሊታት ተተኺሉለን፡ ነበርተን እንተ ነውሐ ካብ 200 ሜትሮ ዘይሓልፍ ተጓዒዞም ማይ ክረኽቡ ከም ዘለዎም ይግበር። ካልእ፡ ከምቲ ደጋጊመ’ውን ዝጠቐስክዎ፡ ምቛም ህዝባዊ ትካላት፡ ንህዝቢ ኣገልግሎት ንምሃብ ዝተዳለወ ስርዓት’ዩ። ህዝባዊ ትካላት ዝተፈላለዩ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም። ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ናብ ዝህቡ ትካላት ዝውሕዝ ተገልጋሊ ድማ ብዙሕ’ዩ። ኣብያተ ትምህርቲን ትካላት ጥዕናን ከም ኣብነት እንተደኣ ርኢና፡ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ብዓቢኡ መምህራንን ተመሃሮን፣ ኣብ ትካላት ጥዕና ድማ ሓካይምን ሕሙማትን ኣለዉ። እዚኣቶም ጥዕናኦም ክሕሎ፡ መጀመርታ ክወሓሰሎም ዘለዎ ቀረብ ጽሩይ ዝስተ ማይ’ዩ። ስለዚ ዳርጋ ኣብ ኩሉ ንሕና እነዋድዶ ፕሮጀክት ናይ ማይ ብዝተኻለ መጠን እዞም ዝተጠቕሱን ካልኦት ትካላትን ኣብኡ እቱዋት ምዃኖም ነረጋግጽ ኢና። ብሓደ ሓደ ምኽንያት ምናልባት ኣቐዲሞም ተሰሪሖም ዝነበሩ ግን ከኣ፡ ምስ ናትና ውጥን ምናልባት ዘይምችእ ኣቀማምጣ ምስ ዝህልዎም እሞ ድማ ክሳብ ሕጂ ዘይተበጽሑ ክኾኑ ይኽእሉ ግን፡ ብግዜኦም ክብጽሑ ምዃኖም ርግጸኛታት ኢና። በዚ መንጽር ክሳብ ሕጂ ኣብ ሃገርና ካብ ዝርከባ 870 ዝኾና ትካላት ትምህርቲ፡ ስርዓተ ቀረብ ማይ ከም ዝበጽሐን ክግበር እንከሎ፡ ኩለን ኣብ መላእ ሃገር ዝርከባ ትካላት ጥዕና ማይ ከም ዝበጽሕን ተገይሩ ኣሎ። ብሓፈሻኡ ካብተን ክሳብ ሕጂ ዘለዋና ትካላት ወሃብቲ ህዝባዊ ኣገልግሎታት ስርዓተ ኣቕርቦት ኣገልግሎት ማይ ዝተዋደደሎም 65 ሚእታዊት በጺሕና ኣለና። ኣብዚ ኩሉ ክፈልጦን ክርድኦን ዝግባእ፡ እዚ ስራሕ ናይ ክፍሊ ሃብቲ ማይ፡ ሚኒስትሪ መሬት፡ ማይን ኣከባብን ጥራይ ዘይኮነ፡ ዝምልከቶም ኣካላት ሚኒስትሪታት ትምህርቲ፡ ጥዕና፡ ፍትሒ ወዘተ ካልኦት ሚኒስትሪታት ክተሓባበሩ ከም ዘለዎም ይግበር እዩ። ብመሰረት ክንከዶ ዝጸናሕና ዝርግሐ ኣቕርቦት ስርዓተ-ቀረብ ማይ ኣብ ሃገርና፡ ክሳብ ሕጂ ብመገለል ናይ ኢድ ዝጥቀሙ 695 ዓድታት፡ ምሉእ ስርዓተ ቀረብ ማይ ማለት ከይድካ ናይ ምቕዳሕ ወይ ኣብ ገዛኻ ዘሎ ቱቦ ናይ ማይ ቀዲሕካ ናይ ምጥቃም ኣብ ግምት ዘእተወ ድማ፡ 1565 ዓድታት በጺሑወን ኣሎ። እቲ ነዚ ዘገልግል ምንጪ ጸዓት ካበይ ንዝብል ድማ፡ ገሊኡ ብጸሓያዊ ስርዓት፣ ገሊኡ ብጀነሬተር፣ ገለ ድማ ዝርግሐ ኤለክትሪክ ዝጥቀሙ ኮይኖም፡ ብድምር ክሳብ 890 ዝኾና ዓድታት ስርዓተ ቀረብ ማይ ኮይነን ኣለዋ። ብዘይካ’ዚ ዝጠቐስናዮ ስርዓተ ቀረብ ማይ ዝተሰርሑ ትሕተ ቕርጺ እውን ኣለዉና። ምንጪታት ማይ ከነውሕስ ስለ ዘለና፡ ክሳብ 3 ሽሕ ዝኾና ኣብዚ ዝተጠቕሰ መዓላ ዝውዕላ ዒላታት፣ ዕብየቶም ክፈላለዩ ዝኽእሉ 900 ዝኾኑ ከዘንቲ ማይ ኣጋንእ ከምኡ ድማ 2775 ኪ.ሜ ዝንውሓቱ ሻምቆታት ማይ ተዘርጊሖም ኣገልግሎት ኣብ ምሃብ ይርከቡ። እዚ ኩሉ ስራሕ ኣብ ብዝሒ ተጠቀምቲ ምርኩስ ዝገበረ እዩ። ዝተሰርሑ መዕቈሪ ብመንጽር ዝኽዝንዎ ማይን ኣብ ገሊኡ ዓድታት ናይ 25 ሜተር ኲብ፡ ኣብ ገለ ዓድታት ድማ ናይ 50፡ 75 እናበለ፡ ክሳብ 100 ሜተር ኲብ ማይ ክሕዙ ዝኽእሉ ኮይኖም’ዮም ተሰሪሖም። ኣብ ከተማታት ምስ እንምልከት ከኣ፡ ክሳብ 500 ሜተር ኲብ ኣጋንእ ዝተሰርሓለን ኣለዋ። እዚአን እተን ነበርተን ብመስመር ማይ ማለት ብመንገዲ ናይ መዐደሊ ነቚጣን ብናይ ኢድ ፖምፓን ዝረኸቡ እዮም። ክሳብ ሕጂ ካብ ዝተገብረ ዳህሳስ፡ ከተማታትናን ዓድታትናን መጽናዕቲ ተኻዪዱለን ኣሎ። ሓበሬታ’ውን ተኣኪቡ ኣሎ። ኣብ ነፍሲ-ወከፍ ገዛ መስመር ማይ ናይ ምዝርጋሕ ተበግሶ ብምውሳድ፡ ተጠቀምቲ ጽሬቱ ዝተዋሕሰ ቀረብ ማይ ክጥቀማ ክኢለን ዘለዋ ዓድታት ብዙሓት እየን። ገለ’ውን ነቲ ተበግሶ ጀሚረን ኣብ መስርሕ ዝርከባ ዓድታት ኣለዋ። ኣብዚ፡ ኣብ ዞባ ማእከል በለዛ፡ ኣብ ዞባ ጋሽ ባርካ ደቂ ሸሓይ፡ ኣብ ዞባ ደቡብ ድማ ቀላይ በዓልቴት ወዘተ ከም ኣብነት ክጥቀሳ ይኽእላ። እዚ ከምዚ እናኾነ፡ ኣብ ዞባ ማእከል ዓድታት ንኡስ ዞባ ሰረጀቓ ዝተበጋገሳ ዓድታት ብኣብነት ምርኣይ ይከኣል። ነበርቲ ነይዘን ዓድታት ቈጸርቲ ኣእትዮም ማይ ክረኽቡ ዝኸኣሉ’ዮም። ብዘይካ’ዚ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ረብሓን ጥቕሚን ክሳብ ቤትካ ዝዝርጋሕ ቀረብ ማይ ዝተረድኣ ዓድታት፡ ‘ንሕና’ውን ካብ መን ሓሚቕና፡ ’ ዝብል መንፈስ’ውን ስለ ዘሎ፡ ኣብ መጻኢ እዘን ክብ ኢለን ብኣብነት ዝተጠቕሳ ዓድታት ዘካየድኦ ንጥፈታት፡ ብብዙሓት ዓድታት ክሰዓብ ምዃኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ብኣጠቓላሊ ክሳብ ሕጂ በጺሕናዮ እንብሎ ኣብ ገዛ ብዝተዘርግሐ መስመር ናይ ማይ ዝጥቀማ ስድራ ቤታት ዘለና ገምጋም፡ ኣስታት 60 ሽ ሕ ’ ዩ ። ምንጪ፦ ድምጺ ሓፋሽ ኤርትራ ይቕጽል…
Ministry of Information, Eritrea tweet mediaMinistry of Information, Eritrea tweet mediaMinistry of Information, Eritrea tweet media
AM
0
40
57
770
SahilNa 🇪🇷 retweetledi
Ministry of Information, Eritrea
ጦብላሕታይ፡ ኣብ መጻሕፍቲ ታሪኽ ኤርትራ ሰረበ እስቲፋኖስ ኣብ 2025፡ ኣሕተምቲ ሕድሪ ንህቡብ ጸሓፊ ኣቶ ተኪአ ተስፋይ ‘ስልማት ኣበርክቶ መላእ ዕምሪ’ ኣበርኪቱሉ። ምስ ምእታው ሓድሽ ዓመት 2026 ከኣ፡ ኣብ ስነ ጽሑፍ ኤርትራ ዕዙዝ ኣበርክቶ ንዝገበረ ጸሓፍን ተመራማርን ኣለምሰገድ ተስፋይ፡ ተመሳሳሊ ኣፍልጦ ሂቡዎ። ኣሕተምቲ ሕድሪ፡ ናይ ኣፍልጦ ስልማት በዞም ክልተ ዓበይቲ ጸሓፍቲ ምፍላሙ፡ ዝጸዓረ ፍረኡ ከም ዝረክብ ዝገልጽ ረዚን መልእኽቲ ዘመሓላለፈ ይመስለኒ። እዞም ክልተኦም ተስፋይ ዝስም ኣቦታቶም፡ 80ታት ዝዕድመኦም፡ ህይወት ቈልዑን ዛንታታት ቈልዑን ነዋኒዉ ዘጽሕፎም፡ ውቃበ ስነ ጽሑፍ፡ ካብ ምጽሓፍ ዘዕርፍ ጥሮታ ዝብሃል ነገር ኣይትጸበዩ ኢሉ ኣእዳዎምን ብርዕን ክፈላለዩ ዘይፈቐደሎም ኣይሕለሉ ጸሓፍቲ እዮም። እምበኣር ኣሕተምቲ ሕድሪ ዝከኣል እንተኾይኑ፡ ንድሕሪት ምልስ ኢሉ እውን፡ ነቶም ብህይወት ዘለዉን ዝሓለፉን (ንኣብነት ሓርበኛ ኣቦና ኣቦይ ወልደኣብ ወልደማርያም)፡ ኣብ ስነ ጽሑፍ ኤርትራ ዕዙዝ ኣበርክቶ ዝገበሩ ዜጋታት ዘኪሩ፡ ኣፍልጦ እንተዝህቦም ጽቡቕ ነይሩ። ንሎሚ ክጽሕፍ ዝደረኸኒ ብዛዕባ እዞም ክልተ ተሰለምቲ ኣበርክቶ መላእ ዕምሪ ኣይኮነን። ብዛዕባ’ተን ኣቶ ኣለምሰገድ ኣቐድም ኣቢሉ ብቛንቋ ትግርኛ ዝጸሓፈልና ሰለስተ መጻሕፍቲ (ኣይንፈላለ 1941-1950፣ ፈደረሽን ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ፡ ካብ ማቲየንሶ ክሳብ ተድላ 1951-1955፣ ኤርትራ ካብ ፈደረሽን ናብ ጐበጣን ሰውራን 1956-1962) እዩ። እተን ሰለስተ ብትግርኛ ዝተጻሕፋ መጻሕፍቲ ታሪኽ፡ ብዛዕባ ታሪኽ ኤርትራ ዘሎኒ ግንዛበ ብሓፈሻ፡ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ታሪኽ ኤርትራን ህዝባን ዕዙዝ ቦታ ዝነበሮ ዓመታት 1941-1962 ዝነበረኒ ፍልጠት ከኣ ብፍላይ ከዐምቝን ታሪኽ ጠቀስ ጽሑፋት ንኽጽሕፍን ዝደረኻኒ እየን። ኣብዛ ሓጻር ጽሕፍቲ፡ ኣብ ውሽጢ ትሕዝቶአን ኣትየ ክትንትን ርትዓውን ኣድማዕን ኣይከውንን። ነየናይ ሸነኸን ከተኵረሉ ከም ዘሎኒ ምስ ሓሰብኩሉ፡ ኣብቲ ናይ መቕድም ክፋለን ዘለዉ መሃርትን ኣማእዘንትን ዝኾኑ ሃብታማት ሓሳባት፡ ኣገደስቲ ኮይኖም ረኺበዮም። ነዞም ረዘንቲ ሓሳባት ምስ ነበብካ ጥራሕ ናብ ውሽጠን ኣቲኻ ክትጕርጕረን ህንጥዩነትካ ከም ዝዓቢ ድማ ርእየዮ። ስለዚ ንነበብቲ የገድሱ’ዮም ዝበልኩዎም ሒደት ነጥብታት እናጠቐስኩ ክቕጽል’የ። ዝርዝራዊ ሓበሬታ ንምርካብ ግን ንሰለስተአን መጻሕፍቲ ዝኸውን ሸውሃት፡ ትዕግስትን ግዜን ሓዚእካ ምቕማጥ ዝጠልብ እዩ። ኣቶ ኣለምሰገድ፡ ንሓፈሻዊ ትሕዝቶ ‘ኣይንፈላለ’ ብሕጽር ዝበለ መንገዲ ክገልጾ ከሎ፡ ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ዘካየዶ ቃልሲ ንሓርነትን ናጽነትን ብሓደ ወገን፡ ነቲ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ዘስገደዶ ውሳነ ፈደረሽን ብኻልእ ወገን ዘጣመረ’ዩ ይብሎ። “ዛጊት፡ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ብወጻእተኛታት ወይ ወጻእተኛታት ኣብ ዝብሉዎ ብዝተመርኰሰ መጽናዕቲ እዩ ክጸሓፈልና ጸኒሑ። ሎሚ ኢና ነቲ ወጻእተኛታት ዝጸሓፉዎን ዝሰነዱዎን ምስቲ ኤርትራውያን ዝበሉዎን ዝፈጸሙዎን ኣነጻጺርና ናብ ሓቀኛ ታሪኽ ገጽና ክንከይድ ንህቅን ዘለና፡” ድማ ይውስኽ (ኣይንፈላለ፡ ገጽii)። ነዚ ንምግባር ግን ኣቐድም ኣቢሉ ሕጽረት መወከሲታት ከም ዝነበረ ብምግላጽ፡ ነበብቲ ነቲ ኣብታ መጽሓፍ ዘሎ ትሕዝቶ ከም መበገሲ ናብ ዝዓመቘ ምርምር ታሪኽ ዝወስድ ሰነድ እምበር ከም ንሕቶን ነቐፌታን ዘይዕድም ብዅሉምሉ ፍጹም ዝኾነ ስራሕ ክጥመቱዎ ከም ዘይግባእ የዘኻኽር። ታሪኽ ግዙኣት ሃገራትን ህዝብታተንን፡ ሓደው ብገዛእተን ሓደው በቶም ዕድል ምጽሓፍ ዝነበሮምን ተደናገጽቲ ናይተን ገዛእቲ ዝነበሩ ወይ ምንጭታት ናይተን ገዛእቲ ዝተወከሱን ወጻእተኛታት ክጸሓፍ ከም ዝጸንሐ ምዝጉብ እዩ። ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ድማ፡ እዚ ዕጫ’ዚ እዩ ገጢሙዎ። ስለዚ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ንዓመታት ከም ቅቡል ወይ ውሁብ ተወሲዱ ክዝንተወሉ ዝጸንሐ ‘ታሪኽ’ ምስቲ ሃገራውያን ዝወዓሉዎን ዝተረኹዎን ኣነጻጺርካ ሚዛናዊ ትረኻ ክትጸዊ ምጽዓር፡ ማዕረ ክንደይ ኣድካሚ ምንባሩ ግሁድ እዩ። ነዚ ሓቂ’ዚ ንምግንዛብ ድማ’ዩ ኣቶ ኣለምሰገድ፡ ነበብቲ ን‘ኣይንፈላለ’ ከም መሰጋገሪት ድንድል ናብ ዝዓመቘ ታሪኻዊ ምርምር እትወስድ መጽሓፍ ክርእዩዋ ዘነጸረ። ኣስዒቡ ጸሓፊ ኣብ 1940ታት፡ ህዝቢ ኤርትራ ተመቓቒሉ ንምሉእ ናጽነት፡ ንሕብረት ምስ ኢትዮጵያ፡ ንምቕሊ ኤርትራ ናብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ከምኡ ድማ ንምምላስ ኢጣልያ ደጊፉ ከም ዝተቓለሰ የዘኻኽርን ኩሉ ድማ ታሪኽናን ቅርስናን ምዃኑ የስምረሉን። “እቲ ናይ ናጽነት ቃልሲ ስለ ዝተዓወተ’ሞ ንኡ ድማ ንመጻኢ ትውልዲ ከነውርስ ስለ ዝደለና ጥራይ፡ ነቲ ዘይተዓወተ መዳይ ታሪኽና ክንድምስስ ጌጋ እዩ፡ ዝከኣል’ውን ኣይኮነን። ምንጪ መንነት ሓደ ህዝቢ ታሪኹ እዩ። ታሪኽ ድማ እኩብ ናይ ዝተፈላለየ ተመኩሮታት ስለ ዝኾነ፡ ኣንፈታቱን ትሕዝቶኡን ዝተሓላለኸ እዩ። ዳህሲስካን ተመራሚርካን ክትርድኦ ዘይትኽእል ብዙሕ ደብዛዝ ኩርንዓት እውን ኣለዎ፡” ድማ ይብል (ኣይንፈላለ፡ ገጽ iii)። ጸጽቡቕን ጠጥዑምን ተበሃጊ እኳ እንተኾነ፡ ህላውነት ጽቡቕን ጥዑምን ዝስተማቐር ግን ብመንጽር ሕማቕን ዕረን ምስ ዝርአ ስለ ዝኾነ፡ እቲ ነቲ ተበሃጊ ክጐልሕ ዝገበረ ዘይተበሃጊ ፍ ጻመ ክለዓል ግድን ይኸውን። ጸሓፊ ነዚ ሓሳብ’ዚ ከራጕድ ከሎ ከምዚ ዝስዕብ ይቕጽል፥ “ታሪኽ እምበኣር ጽቡቕን ሕማቕን ተባሂሉ ብንጹር ሕንጻጻት ክፍለ ዝከኣል ኣይኮነን። ወይ ድማ፡ ነቲ ጸጽቡቑ ዓቂብካ ነቲ ዝተረፈ ክትሓብኣሉ እትኽእል ዓውዲ ኣይኮነን። ድምር ናይ ኩሉ ነገራት ስለ ዝኾነ፡ ሓደ ናይ ታሪኽ ተመራማሪ ነቲ ኣብ ቅድሚኡ ዝቐረበ ጭብጥታት፡ ወገን ከይፈለየን ብስምዒት ጥራይ ከይተመርሐን፡ ከከም ኣመጻጽኣኡ ክርእዮ ግቡእ እዩ። እዚ ናትና ወለዶ ናጽነት ስለ ዘምጸአ ነቲ ዝሓለፈ ወለዶታት ክዅንን ወይ ክፈርድ እንተኾይኑ፡ በደል ክፍጽም እዩ፡” (ኣይንፈላለ፡ ገጽ iii)። የግዳስ ኣቶ ኣለምሰገድ፡ ንውልቃዊ ወይ ጕጅለኣዊ ረብሓ ብምቕዳም ታሪኻዊ በደል ዝፈጸሙ ሰባት ግን ካብ ተሓታትነት ናጻ ይኾኑ ማለት ከም ዘይኮነ የዘኻኽር’ሞ ኣብ መንጎ እቲ ሰሪ ዘይምፍላጥን እቲ ኮነ ኢሉ ዝብድልን ምመያ ክግበር ከም ዘሎዎ የስምረሉ። ነቲ ኣብ 1940ታት ዝተራእየ ታሪኻዊ ጌጋ ብዓይኒ ንሕፈትን ምርዳእን ክግምገም እንተ ተፈቲኑ፡ እቲ ዘጓነፈ ጌጋ፡ ዘመናዊ ፖለቲካ ኤርትራ ሽዑ ስለ ዝፈለመን ሕጽረት ተመኩሮ ብምንባሩን ከም ዝሰዓበ ክውሰድ ከም ዝከኣል ብምሕባር ነዚ ዝስዕብ መዘኻኸሪ የቕርብ፡ “ካብኡ ዝቐጸለን ሕጂ’ውን ዝቕጽል ዘሎን ወለዶታት፡ ነዚ ናይ ምርዳእ፡ ምድንጋጽ ወይ ናይ ምንሓፍ ሓለፋ’ዚ ክረክብ ኣይግባእን። ምኽንያቱ ድማ፡ ነፍስ ወከፍ ወለዶ ካብ ተመኩሮ ናይ ዝሓለፉ ናይ ምምሃር ሓላፍነት ስለ ዘለዎ እዩ፡” (ኣይንፈላለ፡ iv)። ሓያል ትዕዝብቲ’ዩ። ታሪኽ ዝጽሓፍን ዝንገርን፡ ህሉው ወለዶ፡ ጌጋታት ዝሓለፉ ወለዶታት ንኸይደግምን፡ ነቲ ጸጽቡቑ ዓቂቡ ድማ፡ ንመጻኢ ብብሩህ ተስፋ ከማዕዱ ስለ ዝኾነ፡ ነቲ ዝሓለፉ ወለዶታት ዝገበሩዎ ጌጋ ክደግም ፍጹም ጌጋ ስለ ዝኾነ፡ ብዓይኒ ንሕፈት ክርአ ረብሓ ኣይርከቦን። ጸሓፊ፡ ታሪኽ መምህርን መስትያትን ምዃኑን ሓደ ህዝቢ ንጽቡቕን ሕማቕን ጐድኑ ከለሊ ዝኽእል ንታሪኹ ክውከስ ከሎ ከም ዝኾነን የዘኻኽረና’ሞ ህሉው ወለዶ ካብ ሕሉፍ ታሪኽ ንኽመሃር ንታሪኹ ምውካስ ከም ዘድልዮ ሓሳባቱ የካፍል። ከምኡ ብምግባር ድማ ህላውነቱን ቀጻልነቱን ከውሕስ ከም ዝኽእል ይገልጽ። ኣስዒቡ ኣቶ ኣለምሰገድ፡ መግዛእታዊ ታሪኽ ኤርትራ ብፍሉይነቱ፡ ንኤርትራውያን ልዕሊ ማንም ዝያዳ ከም ዘገድሶም ይምጕት። ምኽንያቱ እቲ ዝተኻየደ ቃልሲ ንናጽነት ብቐንዱ ቃልሲ ታሪኽ ስለ ዝነበረ። እቲ ብኢትዮጵያ ዝተገብረ ጎበጣ ከም ዝኾነ ኣውሮጳዊ መግዛእቲ ዘይኮነ ኣትዩ፡ ንታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ በቲ ዝደልዮ መገዲ ብምትርጓም፡ መንነት ናይ ምቕያር ዕላማ ሒዙ ዝመጸ ከም ዝነበረ ይገልጽ። ከምኡ ስለ ዝኾነ፥ “ኣብ ዘመናዊ ታሪኽ ወዲ ሰብ ካብ ዝተራእየ ምጕትን ኵናትን ብዛዕባ ታሪኽን መንነትን ሓደ ህዝቢ፡ ምናልባት እቲ ኤርትራውያን ኣንጻር ኢትዮጵያ ዘካየዱዎ ብቐዳምነት ከይተሰርዐ ኣይተርፍን፡” ይብል (ኣይንፈላለ፡ v)። እቲ ኢትዮጵያዊ ትረኻ ብሓያላት ሃገራት ከም ዘሎዎ ስለ ዝተወስደ፡ ቃልሲ ኤርትራውያን ንኽተሓላለኽን ክንጸልን ክናዋሕን ከም ዝደረኾን ኤርትራውያን ድማ ነዚ ዛንታና ንህዝቢ ዓለም ኣብ ምፍላጥ ስለ ዘይተጋህና፡ እቲ ስቓይ ክናዋሕ እጃሙ ከም ዘበርከተ ይገልጽ። “ንገዛእ ታሪኽካ ብቓል ይኹን ብጽሑፍ ባዕልኻ ምስ ዘይተፍልጦ፡ ጓና ከፍልጠልካ ከም ዘይኮነ ህዝቢ ኤርትራ ብሕሱም ተመኩሮ ተማሂሩ እዩ፡” ድማ ይብል (ኣ ይንፈላለ፡ vi)። እቲ ናይ 1940ታት ታሪኽና ኣብ ምንጻር ሃገራዊ መንነትና ዓቢ ግደ ከም ዝነበሮን፡ እቲ መራሕቲ ፖለቲካ ናይቲ እዋን’ቲ ኣብ ጕዳይ መንነትን ምውሓስ ናጽነትን ዝነበሮም ርድኢት ብምፍልላዩ፡ ጉዕዞ ናጽነት ከም ዝተጓተተ ይገልጽ’ሞ፡ ብኡ ገይሩ ንጸለማኡ ንኸይቅህም ዝሓገዞ ሓቂ እንታይ ምንባሩ ክገልጽ ከሎ፡ “ካብ ጥንቲ ዝሃነጾ ሓባራውን ናይ ጽቡቕ ጉርብትናን ታሪኽን ባህልን ኣብ እዋን መግዛእቲ ኢጣልያ ድልዱል ሰረት ረኺቡ ናህሪ ስለ ዝደለበ ግን፡ ካብኡ ንነጀው መዕገቲ ብዘይተረኽቦ ድፍኢት ምቕጻሉን ኣብ ዓወት ምብጽሑን ንወሳንነት ናይ’ቲ ጊዜ የረጋግጽ፡” ብማለት ትዕዝብቱ የካፍል (ኣይንፈለለ፡ vi)። ነዛ ዳሕረወይቲ ነጥቢ ድማ’ዮም ሓያሎ ጸሓፍቲ ኢትዮጵያዊነት (Ethio­opianist writers) ክግንዘቡዋ ዓቐብ እትኾኖም። ከም ብዓል ኣንዳርጋቸው ጽጌ (2018)፡ ተኸስተ ነጋሽ (1997)፡ ዘውዴ ረታ (2006)፡ ዳዊት ወልደጊዮርጊስን (1989) ካልኦትን ዝኣመሰሉ ጸሓፍቲ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሃገር ከቕውም ዘኽእሎ ሓባራዊ መንነት ከማዕብል ድሕረ ባይታኡ ከም ዘይፈቕደሉን ብኢጣልያዊ መግዛእቲ ብሓደ ለይቲ ተጠፍጢፉ ዝሓደረ እኩብ ህዝቢ ከምስሉዎን’ዮም ዝህቅኑ። ንኣብነት ኣንዳርጋቸው ጽጌ ኣብታ ኣብ 2018 ዝጸሓፋ ‘ትውልድ ኣይደናገር፥ እኛም እንናገር’ እትብል መጽሓፉ ከምዚ ዝስዕብ ብማለት ንኤርትራዊ ሓባራዊ ሃገራዊ መንነት ከነኣእሶ ይርአ፡ “እቲ ኢጣልያውያን ኤርትራ ኢሎም ስም ኣብ ዝሃቡዎ ቦታ ዝነብር ህዝቢ ዝኾነ ይኹን ምምሕዳራዊ፡ ባህላዊ፡ ታሪኻውን ናይ ዘርኢ ምትእስሳርን የብሉን፡” (ገጽ 481)። ነቲ ናይ ሎሚ ኤርትራ ንዘመናት ብቱርካውያን፡ ግብጻውያንን ኢጣልያውያንን ከም ዝተገዝአትን ዝተመሓደረትን ዝገልጽ ክዉን ታሪኽ ድማ ፈጠራዊ ክብል ይጽውዖ። እቲ መስደመም ነገር፡ ኣቶ ኣንዳርጋቸው ጽጌ፡ ብዙሕነት ብሄራት ኤርትራ ከም ሓጥያት ቈጺሩ፡ ሓባራዊ ኤርትራዊ ሃገራዊ መንነት ንምቛም ዓንቃጺ ከም ዝኾነ ክምጉት ከም ዘይጸንሐ፡ ኣብታ ኣቐዲሙ ብ1997 ዝጸሓፋ ‘ነጻነትን የማያውቅ “ነጻ ኣውጪ” ስልጣኔ፣ ዴሞክራሲና ብልጽግና፤ የፖለቲካ ልሂቃኑ በዘመናዊት ኢትዮጵያ’ ዝሰመያ መጽሓፉ፡ ህላወ ሕብረ ብዙሕነት ኣብ ኢትዮጵያ ግን ምንም ኣበሳ ከም ዘይብሉ እናመጐተ ዝርከብ ምዃኑ’ዩ። ብዛዕባ’ዚ ጕዳይ ክገልጽ ከሎ፡ ኢትዮጵያውያን ክዀርዑሉ ዝግባኦም ታሪኽ ከም ዝኾነ የዘኻኽር’ሞ እቲ ታሪኽ’ቲ ግን ህዝብታት ኢትዮጵያ ብምሉኦም ብሓድነት፡ ብሓባርን ብቐጻልን ክሰርሑዎ ዝጸንሑ ታሪኽ ከም ዘይኮነን ክኸውን’ውን ዝኽእል ከም ዘይነበረን ይገልጽ። ኣብቲ ዶባትን ግዝኣታትን ብቐሊሉ ክቕየሩ ዝኽእሉሉ ዝነበሩ መዋእል፡ ንኣሽሓት ዓመታት ከይተቐየረ ክቕጽል ዝኽእል ግዝኣትን ምትሕንፋጽ ህዝብታትን ዝጽበ ሰብ እንተሎ፡ ኣብ ቅድሚ ታሪኽ ዝተገተረ የዋህ ጥራሕ ክኸውን ከም ዝኽእል ከኣ ይገልጽ። ኣቶ ኣንዳርጋቸው፡ ነቲ ዘይፍትሓዊ ኣረኣእያኡ ክቕጽለሉ ከሎ፡ “. . . ይኹን’ምበር ህዝብታት ብቐዋምነትን ብቐጻልነትን ንብዙሕ ሽሕ ዓመታት ኣብ ዝኸይድ ሓባራዊ ናይ ግዝኣትን ምምሕዳራውን ጽላል ኣይነበሩን’ሞ፡ ንድሕሪት ገጹ ብሽሕ ዓመታት ዝቝጸር ናይ ሓባር ታሪኽ ክህሉዎም ኣይክእልን’ዩ ኣብ ዝብል መደምደምታ ምብጻሕ ከኣ ብኡ መጠን ዕሽነት’ዩ፡” ይብል (ገጽ 7)። እዚ፡ ዓይኑ ዘፍጠጠ ድርብ ዕየራ እዩ። ንምንታይ’ዩ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ቅቡል ዝኾነ ታሪኻዊ ክዉንነት ኣብ ኤርትራን ህዝባን በጺሑ ቅቡል ዘይከውን፧ እዚ ከምዚ ዓይነት መበገሲ ዝገበረ ዘይፍትሓዊ ኣረኣእያን ግጉይ መጐተን እዩ’ምበኣር፡ ክሳዕ ሎሚ ከየዕረፈ ኤርትራ ኩሉ ምላ ብመፈጠራ ኢትዮጵያዊት’ያ እናበለ ንህዝቢ ኢትዮጵያን ዓለምን ከጋጊ ዝፍትን። ናብ መጽሓፍ ‘ኣይንፈላለ’ እንክንምለስ፡ እቲ ብዘይ ፍትሓዊ ውሳነ ዝቘመን ኢትዮጵያ ከም ዓወት ዝወሰደቶን ውሳነ ፈደረሽን፡ ንኤርትራውያን ሓድነቶም ንምዕቃብ ዝያዳ ክቃለሱን ኣብ መወዳእታ ድማ ናጽነት ክጭብጡን ዘኽኣለ ፍጻመ ኮይኑ ከም ዝተጋህደ ብምግላጽ እያ ትድምድም። ይቕጽል . . .
Ministry of Information, Eritrea tweet media
AM
0
70
101
983
SahilNa 🇪🇷 retweetledi
Yemane G. Meskel 🇪🇷
#Eritrea: the Long Road to Independence by Shabait Staff Eritrea, strategically positioned along the Red Sea in the volatile Horn of Africa, is a country shaped by resilience, sacrifice, and an unrelenting struggle for self-determination. With its long, unspoiled coastline and deep historical roots stretching back to the dawn of humanity, the nation occupies a unique place in both African and world history. Yet Eritrea’s modern story has been defined above all by decades of foreign efforts at domination, political betrayal, and one of the longest liberation wars on the African continent. As Eritreans worldwide celebrate the 35th anniversary of independence, this three-part series revisits the historical forces, international interventions, and popular resistance that forged the Eritrean nation shabait.com/2026/05/20/eri…
Yemane G. Meskel 🇪🇷 tweet mediaYemane G. Meskel 🇪🇷 tweet mediaYemane G. Meskel 🇪🇷 tweet media
English
0
352
461
5K
SahilNa 🇪🇷 retweetledi
Yemane G. Meskel 🇪🇷
Statement Delivered by Eritrean Delegation at 79th World Health Assembly 18 May-23 May 2026, Genève "The theme of this Assembly - 'Reshaping Global Health: A Shared Responsibility' - reflects Eritrea’s long-standing commitment to self-reliance and health sovereignty... Over the past three decades, Eritrea has steadily widened access to quality health care. Preventive, promotive, and curative services are broadly available and heavily subsidized. Investments in hospitals, clinics, and community programs have brought care closer to home. Today, most people, even in the remote areas, live within five kilometers of a functioning health facility". shabait.com/2026/05/20/sta…
Yemane G. Meskel 🇪🇷 tweet mediaYemane G. Meskel 🇪🇷 tweet mediaYemane G. Meskel 🇪🇷 tweet media
English
0
376
505
6.6K
SahilNa 🇪🇷 retweetledi
HARMIL
HARMIL@EriPrism¡
GOOD READ @ERMedia91 In 2016, addressing the EU Parliament, #Eritrea’s Minister of Information, Yemane Gebremeskel @hawelti, shared an illuminating anecdote that captures the “monochromatic and noxious” narrative often projected onto #Eritrea. facebook.com/share/18eMUZhU…
HARMIL tweet media
English
0
20
34
971
SahilNa 🇪🇷 retweetledi
Ministry of Information, Eritrea
Program Depicting Heroism Demonstrated by Eritrean Women The National Union of Eritrean Women organized a program in Asmara in connection with the 35th Independence Day anniversary, depicting the heroism demonstrated by Eritrean women during the armed struggle for independence, in safeguarding national sovereignty, and in the nation-building process. The program, which was officially opened by Dr. Halima Mohammed, Minister of Education, was attended by Ministers as well as senior Government and PFDJ officials. At the event, a documentary film titled “Fulfilling Martyrs’ Trust: An Ongoing Process,” based on a true story reflecting the role of Eritrean women in ensuring the safety and security of the sea, was screened. Noting that the well-documented history of the country has significantly contributed to strengthening tenacity and consolidating unity, Ms. Zaid Mesfun, coordinator of the program, said that the union has, over the past years, been engaged in documenting the heroic feats demonstrated by Eritrean women. The program, conducted under the theme “Our Resilience: Our Guarantee,” featured cultural performances depicting the heroic feats demonstrated by Eritrean women. In the same vein, a carnival show under the theme “Our Resilience: Our Guarantee” was staged today, 19 May, in the streets of Asmara in connection with the 35th Independence Day anniversary. The carnival show, which was staged by all the sub-zones of the Central Region, displayed the unity in diversity of the Eritrean people, as well as the cultural and artistic performances of all ethnic groups of the country. Musical performances by veteran artists have been presented at the Bahti-Meskerem Square. Upon passing through the streets of Asmara, the carnival received acclamation from Asmara residents, Eritrean nationals from the Diaspora, and foreign nationals.
Ministry of Information, Eritrea tweet mediaMinistry of Information, Eritrea tweet media
English
0
76
111
894
SahilNa 🇪🇷 retweetledi
ER MEDIA
ER MEDIA@ERMedia91¡
ንመዘኻኸሪ ጥራይ! • መንግስቲ ኤርትራ/ህ.ግ ፡ ደድሕሪ ንፋስ ምኻድ፡ መምስ ዝነፈሰ ንፋስ ሸለውለው ምባል ኣመል የብሉን። • መንግስቲ ኤርትራ፡ ንሃገራዊ ረብሓታት ኤርትራ ኣሕሊፉ ኣይህብን፣ ኣይዋገን። • መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብ መሬቱ ወተሃደራዊ መደበር ወጻእተኛታት ክህሉን ክነጥፍን ፍጹም ኣይፈቅድን። • መንግስቲ ኤርትራ፡ ምስ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ኤርትራ፡ ዘይየኽብሩን ዘይቅበሉን ወገናት፡ ይዕበዩ ይንኣሱ፡ ዘባኽኖ ግዜን ዘሳስዮ መኣድን የለን። ክዕደም’ውን ኣይደልን። ጽባሕ ብኻልእ መዘኻኸሪ ክንምለሰኩም ኢና። ርሑስ ቅንያት ናጽነት!
ER MEDIA tweet media
AM
1
73
112
1.9K
SahilNa 🇪🇷 retweetledi
Ministry of Information, Eritrea
ምህዞን ሰንዓን ንጉዕዞ ምዕባለ ዘቀላጥፉ ሰባዊ ዋኒናት ስምኦን ወልደሚካኤል ሕብረተሰብ ኤርትራ ኣካል ጥንታዊ ስልጣነ ብምዃኑ ኣብ አእዋኑ ካብ ዝነበረ ደረጃ ምዕባለ ድሒሩ ኣይፈልጥን። ኣብ ዝነውሐ መዋእሉ ኣህላኺ ምዕባለ ዘይኮነስ ኣበርካቲ እናኾነ ከም ዝተጓዕዘ ካብ ታሪኽ ንርዳእ። ናይ ፈጠራውነት፡ ምህዞን ሰንዓን ታሪኽ መንእሰያት ኤርትራ ካብ ምምሃዝን ምምዕባልን ፊደላት ክሳብ ሕርሻን መተዓየዪኡን እንተላይ ናይ መስኖ ተክኖሎጂ፡ ካብ ምምስራሕ ዘቤታዊ ናውቲ ክሳብ ረቂቕ ጥበባት ስእልን ሙዚቃን፡ ካብ ኣፋውስ ክሳብ መመላኽዒታት ወዘተ ዝዝርጋሕ፡ ንማሕበራዊ፡ ባህላውን ቁጠባውን ሂወት ደቂ ሰብ ዝትንክፍ ምዃኑ ሓድግታቱ ይነግሩ። መንእሰይ ኤርትራ ፈጠራዊ፡ መሃዝን ሰናዕን ምዃኑ ኣብቶም ዝሓለፎም ጽጉማት ወቕቲ ናይ ታሪኹ ኣመስኪሩ እዩ። ድሕሪ ናጽነት ኣብ ነነበይኖም ኣጋጣሚታትን ፈስቲቫላትን ብተመሃሮን መንእሰያትን ክቐርቡ ዝጸንሑ ናይ ምህዞን ሰንዓን ስርሓት ኣቃሊልካ ዝርአ ኣይኮነን። ልዕሊ’ቲ ዝቐርብ ትሕዝቶ፡ ንሽግር ሕብረተሰብ ኤርትራ ዘለልዩን ንምፍትሑን ንምቅላሉን ድቃስ ዝሰኣኑን ተመሃሮን መንእሰያትን ነፍሪ ከም ዘለና ዘመልክት ስለ ዝኾነ ክንሕበን ይግባእ። ብሽግሩ ወይ ጸገማቱ ዝሽገሩ ወለዶ ከፍሪ ዝኸኣለ ሕብረተሰብ ምስ ሽግሩ ኣይነብርን’ዩ። ኤርትራ፡ ሓጺን ቀጥቂጡ፡ ገመድ ኣላጊቡ፡ ዕንጨይቲ ጸሪቡ፡ ቀመም ኣቃሚሙ ተኣምር ዝሰርሕ ፈጠራዊ ሰብ ውሒድዋ ኣይፈልጥን’ዩ። ዝመጸ ሓድሽ ተክኖሎጂ ንምምላኹ’ውን ንሽግር ህዝቢ ኣይኮንናን። ኤርትራዊ ፈጣሪ ወይ ኣማዕባሊ እምበር ቀዳሒ ኣይኮነን። ኣገዳስነት ምቕዳሕ ተክኖሎጂ ከይተዘንግዐ እቲ ቀያሪ ተራ ዝጻወት ግን ፈጠራውነት፡ ምህዞን ሰንዓን ምዃኑ ታሪኽ ምዕባለ የረድኣና። ሓሳባውን ተክኒካውን ብቕዓት ኣብ ነፍሲወከፍ ሰብ ክዕንብብ ከም ዝኽእል ምእማን ወሳኒ’ዩ። ተመኩሮ ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዝኾነ ሰብ ክኢላ ክኸውን፡ ዝኾነ ነገር ከኣ ናብ ጥቕሚ ክውዕል ከም ዝኽእል ዘርኣየ መድረኽ’ዩ። ሜዳ ኤርትራ ንፈጠራዊ ብቕዓት ኤርትራውያን ክሳብ መወዳእታ ጸንቂቑ ኣብ ጥቕሚ ብምውዓሉ ንዓበይቲ ኮርፖረሽናት ዘደነቑ ተጋደልቲ ፈጢሩ’ዩ። ጀርመናዊ ኩባንያ መፍረ መካይን ኣብ ለማጽ ጽርግያ ጥራይ ክኸዳ ዝሰርሐን ዓበይቲ መካይን ኣብቲ ዘይጥጡሕ ስንጭሮታት ሳሕል ክኸዳ ምስ ረኣየ፡ ተመሊሱ ነቲ ብተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ዝተገብረለን ምምሕያሽ ተማሂርሉ’ዩ። ኣብ ናይ ኲናት ተሽከርከርትን ዝተፈላለዩ ኣጽዋርን ዝተገብረ ምምሕያሽ ውን መመላእታ ጥራይ ኣይነበረን። ኣብ ህንጻ፡ ኣብያተ ዕዮታት፡ ጋራጃት፡ ሕክምናን መድሃኒትን ኣገራሚ ብቕዓትን ክእለትን ተመስኪሩ’ዩ። ኣካልን ኣእምሮን ተሻሪኹ ክምህዞ ዘይክእል ነገር ከም ዘየለ ተራእዩ’ዩ። ኣብ ኤርትራ ፈጠራውነት፡ ምህዞን ሰንዓን ዓሚቝ ሕብረተሰባዊ ሰረት ኣለዎ። ናይ’ዚ መርኣያ፡ ኣብ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ናይ ሃገርና ፍርያት ጽቡቕ ዝኾነ ኣኽብሮት ኣሎ። ‘ናይ ሃገርና’ዩ ጽቡቕ’ ዝብል እምነት ሰፊሕ’ዩ። ኣብ ውሽጣዊ ፍርያትና ዘሎ ምትእምማን ንመሃዝትን ሰናዕትን ዓቢ ድርኺት ዝፈጥር’ዩ። እዚ “ናይ ሃገርና’ዩ ጽቡቕ”፡ “ናይ ሃገርና’ዩ ጥዑም”፡ “ናይ ሃገርና’ዩ ዉሑስ” ዝብል እምነት ስቕ ኢሉ ዝመጸ ኣይኮነን። ዝሓለፉ ፈጠርቲ፡ መሃዝትን ሰናዕትን ብሉጽን ተወዳዳርን ስራሕ ብምቕራብ ዘጥረይዎ ዝና ክሳብ ሎሚ እናተመሓላለፈ ዝመጸ’ዩ። ክእለት ይኹን ሓሳብ ሃብቲ’ዩ። ማሕበራውን ቁጠባውን ምሕየሻ ኣብ ምርግጋጽ ዘለዎም ኣበርክቶ ከኣ ቀሊል ኣይኮነን። መሬት፡ ጉልበት፡ ርእሰማል ከም ቀንዲ ረቛሕቲ ናይ መፍሪ ወይ መፍጠሪ ሃብቲ እናተባህሉ ንዓመታት ክንገረና ድሕሪ ምጽናሕ ኣብዚ ቀረባ ዓመታት ሓሳብ-ፈጠራዊ ሓሳብ- ከም ራብዓይ ረቛሒ ሰላሕ እናበለ ቦታኡ ኣውሒሱ ይርከብ። ናይ ምሕሳብ ክእለት ኣብ ተመሃሮን ሰራሕተኛታትን ክድንፍዕ እንታይ ክንገብር ኣለና ኢልና ዕቱብ ዘተ ከነካይድ እዋኑ ዝጠልቦ’ዩ። ብተበግሶን ተወፋይነትን ዘይተሰነየ ፍልጠት ጽቡቕ ንዋላ ሓደ እዩ። ኣእምሮ ሰብ ፍልጠት ዝቕመጠሉ ስፍራ ኣይኮነን። ፍልጠት ወይ ሓበሬታ ንሓድሕዱ ዝራኸበሉ፡ ዝጋጨወሉን ዝሕቆነሉን ቦኽራ’ዩ። ሕብረተሰብና ንዘበናት ዓጢቕዎ ዝጸንሐ ናውቲ ማእቶት፡ ኣተሓሕዛን ኣተሃናንጻን ኣባይቲ፡ ዘቤታዊ መተዓየዪታት፡ ኣጠቓቕማ ማይ፡ ስርዓተ መጎዓዝያ፡ ኣተሓሕዛ ጎሓፍ፡ ኣጠቓቕማ ጸዓትን ካልኦት ንማሕበራውን ቁጠባውን ሂወትና ብዓቢ መጠን ዝጸልዉ መዳያት ኣተኩሮ መሃዝትን ሰናዕትን ዝጽበዩ ዘለዉ እዮም። እቲ ዕላማ ንስለ ምህዞ ዘይኮነ ንጭቡጥ ጸገማትና ዝፈትሕ ወይ ዘቃልል፡ ዕምሪ ኣገልግሎት ዝውስኽ፡ ጽባቐ ዝፈጥር፡ ጥቅውና ዘዐቢ፡ ኣፍራይነት ዝውስኽ፡ እንልለየሉ ብሉጽን ተወዳዳርን ፍርያት ንምቕራብ ዝሕግዝ ክኸውን ኣለዎ። ፈጠራውነትን ምህዞን ሰንዓን ተመላላእቲ እምበር ሓደ ኣይኮኑን። ፈጠራውነት ሓድሽን ኣደናቕን ሓሳብ ምፍልፋል ከመልክት እንከሎ፡ ምህዞ ኸኣ ነዚ ሓድሽን ኣደናቕን ዝኾነ ሓሳብ ኣብ ግብሪ ዝውዕለሉ ኣገባብ’ዩ። ምስናዕ ከኣ ነቲ ድሮ ኣብ ኣገልግሎት ዘሎ መተዓየዪ ወሲኽካ ወይ ኣመሓይሽካ ደረጃኡ ምውሳኽ፡ ኣድማዕነቱ ምዝያድ፡ ኣተገባብራኡ ምቅላል ማለት’ዩ። ፈጠራውነት ንነገራት በቲ ዘይተለምደ መዳይ ብምርኣይ ንምህዞን ሰንዓን ይደፍእ። ከምዚ እናበሉ ፈጠራውነት፡ ምህዞን ሰንዓን ንሓድሕዶም እናተመጋገቡ ንጉዕዞ ምዕባለ ዘቀላጥፉ ሰብኣዊ ዋኒናት ይኾኑ። ሃገራዊ ማሕበር መንእሰያትን ተመሃሮን ኤርትራ ነዞም ንኹነታትና ዝምጥን ሓድሽ ሓሳብ፡ ፍታሕ፡ መስርሕ፡ ፍርያትን ኣሰራርሓን ንምትእትታው ህርግድ ዝብሉ መንእሰያት ሓሳባቶምን ፍርያቶም ዘቕርብሉ ባይታ ኣብ ምስፋሕን ምክትታልን ክገብሮ ዝጸንሐ ስራሕ ዝምስገን’ዩ። ኣብ ኣእምሮ ተመሃሮን መንእሰያትን ተቐቢሩ ዝተርፍ ፈጠራዊ ሓሳብን ኣብ ምዓላ ከይወዓለ ዝተርፍ ክእለትን ከይህሉ ኣብ ምፍታሽ ካብ ዘለዎ ንላዕሊ ክህርኩት ድማ ትጽቢት ንገብረሉ። ናይ ተመሃሮን መንእሰያትን ኣኻእሎ፡ ፈጠራውነት፡ ክእለት፡ ተበግሶ ከይተቖጽየ ናብ ዝለዓለን ዝበሰለን ደረጃ ዝበጽሓሉ መገዲ ኣብ ምጽራግ ኣተኩሮ ሂቡ ክሰርሓሉ ምዃኑ፡ ኣበጊስዎ ዘሎ መደባት ኣንፋቲ’ዩ። ክእለት ኮስኳስ ይደሊ’ዩ።
Ministry of Information, Eritrea tweet media
AM
0
77
112
1.1K
SahilNa 🇪🇷 retweetledi
Ministry of Information, Eritrea
“ምህዞን ሰንዓን ንዝበረኸ ልምዓት!” ሳልሳይ ሃገራዊ ምርኢት ምህዞን ሰንዓን 20- 21 ግንቦት 2025 ኣብ ማእከል ምህዞን ዋኒንን መንእሰያት (ጁንየር) ሳሙኤል መንግስትኣብ ሃማመተኤ፡ ምስ ድምቀት መበል 35 በዓል ናጽነትና ብምስናይ፡ ካብ 20- 21 ግንቦት 2026 ካብ ኩለን ዞባታት ዝመጹ መንእሰያት መሃዝትን ሰናዕትን ዝሳተፍዎ፡ ሳልሳይ ሃገራዊ ውድድርን ምርኢትን ምህዞን ሰንዓን ከካይድ’ዩ። ኣብቲ ኣጋጣሚ እቶም ልዕሊ ክልተ ዓመት ምስ ምህዞን ሰንዓን ዝተኣሳሰር ሞያዊ ስልጠና ክወስዱ ዝጸንሑ መንእሰያት’ውን ክምረቑ’ዮም። እቲ 20 ግንቦት ኣብ ማእከል ምህዞን ዋኒንን መንእሰያት (ጁንየር ክለብ ነበር) ዝኽፈት ዓብዪ ሃገራዊ መደብ፡ ብርክት ዝበሉ ዕዱማት ኣጋይሽ፡ መንእሰያትን ተመሃሮን ክሳተፍዎ’ዮም። ሃማመተኤ፡ ኣብ ነንበይኖም ኣጋጣሚታት፡ ብመንእሰያት ንዝቐረቡ ውጽኢት ምህዞን ሰንዓን ዝኾኑ ስርሓት ኣፍልጦ ክህብ ጸኒሑ እዩ። የተባብዕ፡ መንፈስ ተወዳዳርነት የሐይል። ከም ሃገር ከኣ ብሸነኹ ዝሓሸት ሎሚ ፈጢሩ፣ ትስፍውቲ ጽባሕ ንምቕራጽ ዕዙዝ ተራ የበርክት። ነዚ ብልጭ ዝብል ክስተት፡ ድምቀቱ ከየህሰሰ ዘላቒ ንክኸውን ዕቱብ ናብዮትን ምሕብሓብን ይሓትት። ቀጻልነቱ ብውሑስ መንገዲ ንምርግጋጽ፡ ብትካላዊ መልክዕ ምምእካሉ ግድን’ዩ። ንዘሎ ዕቑር ዓቕሚ መሃዝትን ሰናዕትን ኣለሊኻ፡ ምርኢት ኮነ ውድድራት ጥራሕ ብምስራዕ ግን ጫፍ ባህጊ ክረጋገጽ ዝከኣል ኣይኮነን። እቲ ተበግሶ ብውጽኢት ዝልካዕ ክሳብ ዝኾነ፡ ኣብ ዕለታዊ ህይወት ብግብሪ ህላወኡ ከንጸባርቕ ይግባእ። ኩሎም ኣካላት ሕብረተሰብ፡ በብዓውዶም ነዚ ዘዐንግል ተበግሶ ክወስዱ ይጠልብ። መሪሕ ዕላማ ሃማመተኤ፣ ምንቃሕ፡ ምውዳብ፡ ምዕጣቕ ክሳዕ ዝኾነ እዚ ናይ ምህዞን ሰንዓን ዕማም፡ ኣብቲ “ምዕጣቕ” ዝብል ኣምር’ዩ ዝሕቆፍ። እቲ ዕጥቂ ንኸይዘልቕ፡ ጸኒዑ ንኽቕጽል ዉዱብ መልክዕ ንኽሕዝ ድማ ናብ ሓደ መደምደምታ ደፊኡ። ምምስራት ማእከል ምህዞን ዋኒን! ራኢ፡ ተልእኾ፡ ክብርታት፡ ብቕዓት፡ ሸቶን ዕላማታትን ንምንጻር ዘኽእል ውጥን ንምቕራጽ፣ ኣብ 2023 መተግበሪ ስትራተጂ ብመንገዲ ክኢላታት እቲ ዓውዲ ነዲፉን ብመንገዲ ዝተፈላለዩ ዓውደ ዘተታት ነቲ ሓሳብ የሀብቲሙ ኣርቂቑን። ምስቲ ኣብ መስርሕ ደፋእ እናበለ ብተመክሮ ዝሕይል ዝነበረ ናይ ምርኢትን ውድድርን ሸነኹ ማዕረ ማዕረ ንምስጓም ኣንቂዱ። እዚ ማእከል እዚ ቀዳምነቱ ሃገራውን ሕብረተሰባውን ረብሓ ብምግባር፣ ተሳትፎ ጥሙር ፈጠራዊ ክእለት መንእሰያት ምብራኽ፡ ኣብ ሕብረተሰብ ፍታሕ ንዘምጽኡ ፈጠራዊ ሓሳባትን ተበግሶታትን ምትብባዕ፡ መንእሰያት ዋኒን ብምብጋስ ናይ ሽቕለት ዕድላት ክፈጥሩን ብቑጠባ ነብሶም ንኽኽእሉን ባይታ ምጥጣሕ፡ ከይዱ ከይዱ ከኣ እጃም መንእሰያት ኣብ ልምዓታዊ መደባት ሃገር ንምርግጋጽ ዝብሉ መሰረታውያን ኣዕኑድ ንምትካል ነቲ ጉዕዞ ኣንቂሉ። እዚ ምቕሉል ዕላማ እዚ ምስ ዝምልከቶም መሻርክቲ ብምውህሃድ ግብራዊ ከምዝኸውን ግን ዘይጉሰ ሓቂ’ዩ። ማእከል ምህዞን ዋኒንን መንእሰያት ሃማመተኤ፣ ንዘንቀዶም ዕላማታት ተጨበጥቲ ንምግባሮም መልክዕ ንጥፈታቱ ከሎ ጌና ከነጽር ነይርዎ። ክለባት ምህዞን ሰንዓን ኣብ ዞባታት ብምቛም፡ ምምማይ ብሉጽ ሓሳባትን ብደረጃ ሃገርን ዞባን ብምስራዕ፡ ስልጠና ፡ ምኽርን ኣልያን ብምክያድ፡ ብመንገዲ መራኸቢ ብዙሓን ንኣብነታውያን መንእሰያትን ብሉጽ ስርሓቶም ምስ ህዝቢ ምልላይ፣ ብሉጽ ሓሳባትን ስርሓትን ብመንገዲ ሓገዝን ልቓሕን ናብ ትግባረን ፍርያትን ምስግጋር . . . ኣብ ዝብሉ መስረታውያን ናይ ትግባረ ውጥን ከፋፊሉ’ዩ ዘካይድ። ኣብ2022 ከምኡ’ውን 2023 ኣብ ዞባታት ማእከል፡ ደቡብን ዓንሰባን ንመሃዝትን ሰናዕትን መማእዘንቲ ስልጠናታት ብምሃብ፣ ስርሑ ኣሃዱ’ሉ ፈሊሙ። በዚ መሰረት ብደረጃ ዞባ ኣሰናዳእቲ ሽማግለታት ከም ዝቖማ ተገይሩ። እዚ ድሕሪ ምውዳዱ፡ ኣብ 2023 ከካብ ዞብኦም ተጻርዮም ዝሓለፉ መሃዝትን ሰናዕትን ዝተሳተፍዎ ቀዳማይ ሃገራዊ ምርኢትን ውድድርን ክሰርዕ በቒዑ። እቲ ኣብ ማእከል ቦታ ተበላሓትነት ዝኾነት መደበር ኣስመራ ዝተኻየደ መደብ፣ ምስ ክውንነት’ቲ ቦታ ተዛሚዱ ቀስቃሲ ነይሩ። ዝጀመረ ተበግሶ ንቐጻልነቱ ዘተንብህ መልሰ ዕንጋለ ምስ ተዓጥቀ፣ ምስ’ተን ኣቐዲመን ሱታፊኤን ዘውሓሳ ሰለስተ ዞባታት፣ ዞባ ጋሽ ባርካ ናይ ውሽጢ ምጽራይ ብምስልሳል ከምኡ’ውን ክልተ ዞባታት ቀይሕ ባሕሪ ብቐጥታ ተሳተፍተን ብምልኣኽ፣ ኣብ 2025 ንመበል ካልአይ ግዜ ሃገራዊ ምርኢትን ውድድርን መሃዝትን ሰናዕትን ብዕዉት መንገዲ ንምክያድ ተኻኢሉ። ማእከል ምህዞን ዋኒንን መንእሰያት፣ ካብ እተፈላለያ ትካላት ብዝተዋጽኡ 14 ክኢላታት ዝቖመ ቦርድ ደያኑ ኣለዎ። ስልጠናታት ንተምሃሮ ማእከላይን ካልኣይን ደረጃታት፣ ኣብ ሰለስተ ደረጃታት ከፋፊሉ ይህብ። ውድድር ፈጠራዊ ሓሳብ ድሮ ኣካይዱ፣ ብመንገዲ መራኸቡ ብዙሓን ኣቢሉ ተበጻሕነቱ ንምስፋሕ’ውን ኣብ መስርሕ ይርከብ።
Ministry of Information, Eritrea tweet mediaMinistry of Information, Eritrea tweet media
AM
0
66
80
911
SahilNa 🇪🇷 retweetledi
Ministry of Information, Eritrea
Messages of Congratulations Leaders of the Kingdom of Saudi Arabia, Kingdom of the Netherlands, Republic of Malta, Republic of South Africa, and Republic of Pakistan have sent messages of congratulations to the people and Government of Eritrea on the occasion of the 35th Independence anniversary. In their messages, King Salman bin Abdulaziz and Crown Prince Mohammed bin Salman, King Willem-Alexander of the Netherlands, President Myriam Spiteri Debono of the Republic of Malta, President Matamela Cyril Ramaphosa of the Republic of South Africa, and Mr. Sardar Ayaz Sadiq, Chairman of the National Assembly of the Islamic Republic of Pakistan, congratulated the people and Government of Eritrea on the occasion of the Independence Day anniversary and expressed their goodwill. They also conveyed their best wishes for good health to President Isaias Afwerki, as well as peace and prosperity to the Eritrean people, and expressed their countries’ readiness to develop mutual relations and cooperation with Eritrea.
Ministry of Information, Eritrea tweet media
English
0
151
221
2.9K
SahilNa 🇪🇷 retweetledi
Yemane G. Meskel 🇪🇷
The Anatomy of Revisionism: Dismantling the Prosperity Party’s Hostile Campaign against Eritrean Sovereignty Ministry of Foreign Affairs Research and Documentation Center 19 May 2026 "The Prosperity Party’s three-year hostile campaign against Eritrea exemplifies a dangerous pattern of externalizing domestic structural failures through aggressive foreign policy...Throughout these sustained provocations, the Government of Eritrea has maintained a principled position grounded in international law and a prudent policy of patience and restraint". shabait.com/2026/05/19/the…
Yemane G. Meskel 🇪🇷 tweet media
English
1
429
515
11.7K
SahilNa 🇪🇷 retweetledi
Biniam Berhe 🇪🇷
🎶🇪🇷 "ተዳኺማ ክብሉኺ ቦሎኽ እናበልኪ፡ ጠፊኣ እናበሉኺ ኣለኹ ትብሊ፡ እንታይ እዩ እቲ ምስጢር ኣነ እገርመኒ፡ ግን ከኣ ዓረ ጽንዓትኪ የሐብነኒ፡ ዘይተፈተነ እንታይ ኣሎ ነዛ ጥፍኣትኪ፡ ሕጂ'ውን ኣይደቀሱን ሸጥ መዓንጣኺ፡" 🇪🇷 🎶 youtu.be/aYsfjA83IYw?si…
YouTube video
YouTube
AM
5
107
148
2.3K
SahilNa 🇪🇷 retweetledi
Algena De'beait 🇪🇷
🔥📝 Major developments in the #BlueNile as #SAF forces secure new strategic areas in the middle of the ongoing efforts to restore #stability, #state #authority and #NationalSecurity in Sudan 🇸🇩 More details from @ErdiAwet 📝🔥⤵️ sahilna.com/sudanese-armed… @SudanPMHamdok @Sudan_tweet @BBCAfrica @EriPrism #Sudan #Sudanese #BlueNile #Africa #HornOfAfrica #PeaceAndSecurity #RegionalStability #Victory #SAF #البحر_الأحمر #السودانيون_يستحقون_السلام #السودان @hashsudan
Algena De'beait 🇪🇷 tweet media
English
0
8
11
174
SahilNa 🇪🇷 retweetledi
Ministry of Information, Eritrea
ጐይታ 4-ኪሎ መኰነን ኪዳነ (2ይ መወዳእታን ክፋል) እዚ ጽሑፍ’ዚ ስዉእ ደራሲ መኰነን ኪዳነ (ሻባይ)፡ ሓደ እዋን ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ኣቕሪቡዎ ዝነበረ ኮይኑ፡ ታሪኽ ጅግንነት ኤርትራውያን ንምዝኽኻር፡ ብኣጋጣሚ ጽንብል ናጽነት ኤርትራ ደጊሙ ዝቐርብ ዘሎ ምዃኑ ንሕብር። ኣብ ዝሓለፈ ክፋል ናይዚ ጽሑፍ’ዚ መራሕ ሓይሊ ናይታ ምስ ብኣሃዱታት ህወሓት ተሰንያ፡ ንቤተመንግስቲ 4 ኪሎ ከተጥቅዕ ዝተመደበት ታንከኛ ኣሃዱ፡ ዘርእዝጊ ዳዊት (ገናውኖ)፡ ወጋሕታ ሰዓት 4 ኣብ ከባቢ ናይ’ቲ ቤተ መንግስቲ ምስ በጽሑ፡ ድሉውነት ናይቶም ንቤተ መንግስቲ 4 ኪሎ ዝሕልዉ ዝነበሩ ፍሉያት ሓይልታትን ንምፍላጥን ብኸመይ መገዲ ክኣትዉ ይኽእሉን ንምውሳንን ናብቲ ኣፍደገ ናይቲ ቀጽሪ ኣብ ዝቐረቡሉ፡ ኣብ ከባቢ’ቲ ኣፍደገ ሓደ ዲፕሎማት ምስ መኪናኡ ጸኒሑዎም፡ ካብታ መኪና ከም ዘውረድዎ፡ ከምኡ’ውን ሓደ ቀሺ፡ ኣብ ቀጽሪ እቲ ቤተ መንግስቲ ንእትርከብ ቤተክርስያትን ክኸፍት ዝመጸ ጐፍ ኢሉዎም፡ ስርሒቶም ከየፍሽሉሎም ንክልቲኦም ከም ዝሓዙዎም ኣንቢብና ነይርና። መቐጸልታኡ ይስዕብ፥ ኣብቲ ግዜ’ቲ መራሒ ስርዓት ደርግ መንግስቱ ሃይለማርያም ሃዲሙ፡ ሰራዊት እዝን ቊጽጽርን ኣጢፊኡ፡ ገሊኡ ግንባራት እናረጥረጠ ናብ ማእከል ኣዲስ ኣባባ ይኣቱ፣ ገሊኡ ድማ እግሩ ናብ ዝመርሖ ኣንፈት ይበታተን እዩ ነይሩ። ምስቲ ኩሉ፡ ኣብታ ከተማ ብዝተፈላለየ ኣንፈት ክስማዕ ዝሓደረ ተዅሲ፡ እተን ኣብ ቤተ መንግስቲ ዝነበራ ታንክታት፡ ውግእ ክገጥማ ዝተዳለዋ ይመስላ ኣይነበራን። ዘርእዝጊ ኩነታት ናይተን ታንክታት ድሕሪ ምዕዛብ፡ ብወዲ ዘለቀ እትምራሕ፡ መድፍዓጂ ዑመር፡ ከምኡ’ውን መላእ ቦምባ ሺሻይ ዝነበሩዋ ሓንቲ ታንክ ሒዙ ራብዓይ ርእሱ ንቕድሚት ብምሕላፍ፡ ናብ ቀጽሪ ናይ’ቲ ቤተ መንግስቲ ተደቕደቐ። እተን ካልኦት ሰለስተ ታንክታት ድማ ካብኣቶም ቁሩብ ድሕር ኢለን ደድሕሪኦም ከም ዝስዕባ ገበረ። እዛ ቀዳመይቲ ታንክ ናብቲ ቀጽሪ ቤተ መንግስቲ ክትኣቱ ከላ፡ ውሑዳት ወተሃደራት፡ ካብ መደቀሲኦም ተንሲኦም መናጽፎም ይዓጽፉ ነበሩ። ብዓል ዘርእዝጊ ግዲ ኣይገበሩሎምን። “ማን ነህ፧” ኣድመጸ ኣብ መንጎ’ተን ታንክታት ኣብ ሓለዋ ዝጸንሐ ወተሃደር። “የወገን ጦር ነን” (ናይ ወገን ሰራዊት ኢና) በሎ ብድፍረት፡ እቲ ካብ ታንኩ ዘሊሉ ዝወረደ ተባዕ ዘርእዝጊ። ኣብ ኢትዮጵያ ነዊሕ ዓመታት ስለ ዝሰርሐ ኣምሓርኛኡ ንሰማዒ ዘጠራጥር ኣይነበረን። ሽጉጡ ኣዐንቂሩ፡ ሽዳኡ ከይርአ፡ ብፊስቶ ነዳዲ ናይታ ታንኪ ተኸዊሉ፡ ናብቲ ወተሃደር ድሕሪ ምቕራብ ከኣ፡ ኢዱ ዘርጊሑ “ሰላም፡ እን ደምን ኣደርክ፧ በሎ። “ስንተኛ ሻለቃ፧” (ኣየናይ ሻለቃ፧) ሓተቶ እቲ ወተሃደር ንምርግጋጽ። ዘርእዝጊ እንታይ ኢሉ ከምዝምልሰሉ ጠፊኡዎ ንግዜኡ ተዋጠረ። ኣብታ ለይቲ ካብ ሰንዳፋ ልዕሊ 40 ኪሎ ሜተር ተጓዒዞም ስለ ዝመጹ፡ ብዛዕባ’ተን ኣብ ቤተ መንግስቲ ኣዲስ ኣበባ ዝነበራ ኣጋር ኣሃዱታትን ታንከኛታትን ደርግ ውዳበን መጸውዒን ዝኾነ ሓበሬታ ኣይነበሮን። “ስንተኛ ሻለቃ ናችሁ ነው የምልህ፧” (ኣየናይ ሻለቃ ኢኹም’የ ዝብለካ ዘለኹ፧) ግርጭ ኢሉ፡ ነታ ሕቶ ደገማ እቲ ወተሃደር፡ ብረቱ እናወጣወጠን ክትኵስ እናተደናደነን። “ኣንተ ሰውየ እንዳትተኵስ! . . .ተኵስ ኣቍም ተብለህ የለ እንዴ፧ . . . እንዳትተኵስ! ” (ኣታ ሰብኣይ ከይትትኩስ! ተዅሲ ደው ኣብል ኣይተበሃልካን ዲኻ፧) ዘርእዝጊ ኣጋውላ ናይቲ ወተሃደር ምስ ረኣየ፡ ሕቶ ዝተሓወሶ መጠንቀቕታ ሃቦ። ነቲ ቅድሚ ሳልስቲ ድሕሪ መንግስቱ ሃይለማርያም፡ ስልጣን ኣፍደገ መቓብር ዝተቐበለ ጀነራል ተስፋዬ ገብረኪዳን ዘመሓላለፎ መልእኽቲ’ዩ ብሃንደበት ዘኪሩዎ። እቲ ወተሃደር ነቲ ብሬድዮ ዝተቓልሐ፡ ሓድሽ ተተካኢ ፕረዚደንት ዘቕረቦ በይናዊ ተዅሲ ደው ናይ ምባል ውሳነ ሰሚዑዎ ክኸውን ይኽእል፡ ከይከውን ይኽእል። ዘርእዝጊ ሰሚዑዎ ክኸውን ተተስፈወ። ኣጋውላ ናይቲ ወተሃደር ዘይተፈተዎ ዘርእዝጊ፡ ናብ ታንኩ ምልስ ኢሉ ሃንድ ሰት ሬድዮኡ ኣልዒሉ “ተበገሱ!” በሎም፡ ነቶም ኣብ ተጠንቀቕ ድሕሪት ዝገደፎም ሰለስተ ታንክታት ዝዓጠቑ ብጾቱ። ብየማናይ ኢዱ ሽጕጡ ዓቲሩ ግልብጥ ክብል ከሎ፡ ብላዕሊ ሓደ ካልእ ወተሃደር ናብኡ ገጹ ክመጽእ ረኣዮ። “ሻለቃ!” ኢሉ ተዳህዮ እቲ ወተሃደር፡ እቲ ዘጋጠመ ምእንቲ ክነግሮ ክቐርቦ ስለ ዝደለየ። “ሻለቃ” እትብል ቃል ዝሰምዐ ዘርእዝጊ፡ እቲ ዝመጽኦ ዘሎ ወተሃደር ኣዛዚ ምዃኑ ተረድኦ። ምስቲ ሻለቃ’ውን ምዉቕ ሰላምታ ተለዋወጠ። ኢድ ንኢድ ተጨባበጡ። “ስንተኛ ሻለቃ ነህ፧” (ኣየናይ ሻለቃ ኢኻ፧) እቲ ሻለቃ ነታ ዘርእዝጊ ዘይፈትዋ ሕቶ ናይቲ ወተሃደር ደገማ። ዘርእዝጊ (ገኔ) ከም ዘይሰምዖ መሲሉ፡ ብጐኒ ናይታ ታንኪ ተንቀሳቐሰ። “ሞተር ኣጥፉ እንድንግባባ!” (ክንረዳዳእ ሞተረ ኣጥፍኡ!) በለ፡ እቲ ሻለቃ ብሓውሲ ትእዛዝ፡ ናቶም ታንክ ስለ ዝመሰለቶ። ሞተረ እንተጠፊኡ ነገር ተበላሽያ ማለት’ያ። ዘርእዝጊ፡ ከም ዘይትርአ ገይሩ ብየማነይቲ ኢዱ ንዝዓተራ ሽጕጡ ምስ ነብሱ ብምጽጋዕ፡ ኣጻብዕቱ ኣብ ቃታ ኣ እ ት ዩ ፡ ናብ ታንኩ ገጹ ተጠውየ። ብድሕሪ ብዓል ዘርእዝጊ ኣብ ኣፍደገ ናይቲ ቀጽሪ ዝጸንሐት ብዓል ገዛኢ ሰለሞን ዝነበሩዋ ታንኪ እናሓምሓመት ጠበቕ በለት። እቲ ዋርድያን እቲ ሻለቃን ተጠራጠሩ። “ሞተር ኣጥፋ ነው የምልህ!” (ሞተረ ኣጥፍእ እየ ዝብለካ ዘለኹ!) እንታይ ከም ዝተሓስበሉ ዘይፈለጠ ሻለቃ ክንድር ጀመረ። ግልብጥ ኢሉ ድማ ናብታ ብዓል ገዛኢ ዝነበሩዋ ታንኪ ከደ። “እቲ ሓደ ኣብዩና እዩ። ንስኻ ከኣ ካብዛ ታንኪ ከይትወርድ እነግረካ ኣለኹ!” በሎ ነገራቱ ጋን ዝኾኖ ሻለቃ። ንገዛኢ ብትግርኛ ክዛረብ ስለዝሰምዖ ኣመና ሰንቢዱ እዩ። ምስቲ ዋርድያን ኣብ ከባቢኡ ዝነበሩ ወተሃደራትን፡ ብሰንኪ ድምጺ ሞተረ ታንክታት፡ ፍረ ነገሩ ናይቶም ታንከኛታት ተጋደልቲ ዘይሰምዑዎ ተዘራረቡ። ገለ ካብቶም ድምጺ ሞተረ ታንክታትን ዝርርብ ሰባትን ዝሰምዑ፡ ደቂሶም ዝነበሩ ወተሃደራት፡ ብድድ ብድድ ክብሉ ጀመሩ። ፍሉይ ወተሃደራዊ ልብሲ ዝተኸድኑ ምንባሮምን ግዝፎምን ዝረኣዮም ዘርእዝጊ፡ ካብቶም ብፍሉይ ክንክን ዝተሓዙ ሓለዋ ናይ ቤተ- መንግስቲ ኣራት ኪሎ ምዃኖም ገመተ። ድሮ 30 ዝኾኑ እግረኛ ወተሃደራት ተንሲኦም ናብኣቶም ገጾም ወረር ወረር ክብሉ ጀመሩ። “ሓምሳ ታንክታት ዓጢቖም ንኽዋግኡ ዝተዳለዉ ወተሃደራት ብሰላም ዕጥቆም ፈቲሖም ክማረኹ ይኽእሉ እዮም” ዝብል ሓሳብ ዘይነበሮም ታንከኛታት ህዝባዊ ግንባር ኣይተዳህለሉን። ኣእዳዎም ኣብ ቃታ ኣቐሚጦም፡ ሞተረ ታንክታቶም እና’ርሰኑ ክጠሓሓኑ ተዳለዉ። ልክዕ ኣብታ እዋን’ቲኣ ካብ ማእከል ከተማ፡ ካብ ቀረባ ርሕቀት ናይ ረሻሽ ተዅሲ ተሰምዐ። ውሑዳት ጠያይት እየን። ኩሎም ኣብ እግሪ ታንክታቶምን ኣብ ኩሉ ሸነኻት ቀጽሪ ቤተ-መንግስቲ ኣራት ኪሎን ደቂሶም ዝነበሩ ወተሃደራት፡ ብድምጺ ተዅሲ ረሻሽ ተበራቢሮም ተንስኡ። ብኡ ንብኡ፡ ሓንቲ ታንኪ ብውሽጢ ቤተ-መንግስቲ ብናህሪ ተቐልቀለት። ዘርእዝጊ ዘሊሉ ናብ ታንኩ ኣትዩ ትሮት ዓጸወ። ንመድፍዓጂ ዑመር “በላ!” በሎ ብዓውታ። ምኵር ተኳሳይ ዑመር፡ ነታ 10 ሜትሮ ኣቢላ ቀሪባቶም ዝነበረት ታንኪ ጸላኢ ንምህራም፡ ርሕቀት ምዕቃን ዘድልዮ ኣይነበረን። ኣነጻጺሩ ቦምባኡ ፈነወ። እታ ታንኪ “ሃል!” በለት። ብርቱዕ ባርዕን ድምጺ ናይ ዝነተጒ ቦምባታትን ነቲ ከባቢ ኣናወጾ። ኩሎም ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ወተሃደራት ብጅላዳት ናይቲ ቦምባ ተረፍተቱ። ኣውያት፡ ዕግርግር፡ ትኪ፡ ሃልሃልታ ... ኣራት ኪሎ ተናወጸት። ታንከኛታትና ካልኣይቲ ቦምባ ሰደዱ። ነቶም ወተሃደራት ለኪማ ኣብ መኽዘን ኣጽዋር ዓለበት። ቤተ-መንግስቲ ናብ እቶን ተቐየረ። እቲ ዝተባርዐ ቦምባታትን ጠያይትን ዘስምዖ ድምጽን ዘኸተሎ ባርዕን፡ ካብኡ ብዝነጥር ጅላዳት ዝቕዘፉ ወተሃደራት፡ ታንክታቶም ገዲፎም ዝሃድሙ፡ ኣብ ታንክታቶም ደዪቦም ዝዕቈቡ...ነውጺ ገደደ። ብውሽጢ ቤተ-መንግስቲ ሓንቲ T-62 ዝዓይነታ ካልኣይቲ ታንኪ ዝሓዙ ታንከኛታት ደርግ፡ ሻምብቆኦም ኣቕኒዖም ናብ ብዓል ዘርእዝጊ እናተሓምበቡ መጹ። ታንኪ ክትቅልቀልን መድፍዓጂ ዑመር፡ ዝረጐደ ድርዒ ታንኪ ናብ ጭቃ ዝቕይር፡ ናይ 3,000 ዲግሪ ሰንቲግረይድ ዋዒ ዘለዎ ኣንኳሊ ቦምባ ሰዲዱ ክግስማን ሓደ ኮነ። ኣብ ክልተ ተመቲራ መኸኸት። ኣብ ውሽጣ ዝነበሩ ወተሃደራት ከም ቋንጣ ሓረሩ። ቤተ መንግስቲ ናብ መጋርያ ተቐየረት። ታንከኛታት ሻዕብያ ሽዱሽተ ቦምባታት ምስ ተኰሱ፡ ድሮ ናይ ስዕረት መንፈስ ሓዲሩዎም ዝነበረ ታንከኛታትን ኣጋርን ወተሃደራት ደርግ ነገራቱ ጋን ኮይኑዎም ኣእዳዎም ሓፍ ከብሉ ጀመሩ። ድሕሪ’ዚ ኩነት’ዚ፡ ዘርእዝጊ ዝመርሖም ታንከኛታት ህዝባዊ ግንባር፡ ምስቲ ዘሰነዮም ኣሃዱታት ህወሓት ብሓባር፡ ንቤተ መንግስቲ ኣራት ኪሎ ብምሉኡ ተቘጻጸሩዎ። ንስርዓት ደርግን ሰራዊቱን ሓንሳብን ንሓዋሩን ካብ ቀጽሪ ቤተ መንግስቲ ኣራት ኪሎ ፈንቀሉዎም። ጅግና ብጻይ ዘርእዝጊ ዝመርሖም ምዑታት ታንከኛታት ብርጌድ 23 መካናይዝድ ክፍለሰራዊት 74። ሓንቲ ካብተን ዝገርማኒ ዕላላት ዘርእዝጊ (ገኔ)፡ ኣብቲ እዋን’ቲ ዝማረኹዋ ናይ ሓደ ወጻእተኛ ካሜራ እያ። ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ካብተን ኣብ ውሽጢ ቤተ-መንግስቲ ኣዒመን ከለዋ ብድፍረት ገኔን ብጾቱን ኣሀሚሎም ዝማረኹወን ታንክታት ጸላኢ እያ ጸኒሓቶም። እቲ 50 ታንክታት ዝዓጠቐ መካናይዝድ ብርጌድ ደርግ፡ ብድሮ ናብ ውሽጢ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ ንብረትን ገንዘብን ህዝቢ ክዘምት’ዩ ውዒሉ። ንብረት ህዝቢ እናዘረፉ እንከለዉ፡ ኣብታ ከተማ ካብ ዝነበሩ ወጻእተኛታት፡ ሓደ ኣመሪካዊ ጋዜጠኛ ብነዊሕ ዙም ክስእሎም ረኣዩዎ። ወተሃደራት ክመጽኡዎ ዝተዓዘበ ሰኣላይ ወጻእተኛ፡ ካሜራኡ ደርብዩሎም ሃደመ። ነታ ካሜራ ምስ ረኸቡ ኣይሰዓቡዎን። ብዓል ዘርእዝጊ ኣብ ቀጽሪ ኣራት ኪሎ ምስ ኣተዉ፣ ካሜራ ናይቲ ወጻእተኛ ኣብ ሓንቲ ካብተን ዝማረኹወን 50 ታንክታት ጸንሓቶም። እቶም ታንከኛታት ተጋደልቲ፡ ነቲ ካብታ ዝኣተዉላ ዕለት ኣትሒዙ ምስኦም ዝስእል ዝነበረ ናይ ቢቢሲ ጋዜጠኛ መሓመድ ኣሚን ናይ መን ምዃና ከለልያ ሓቲቶሞ። ናይቲ ኣመሪካዊ ጋዜጠኛ ምዃና ምስ ሓበሮም ክህቦ ኣረኪቦሞ። “ዝማረኽኩማ ንብረት ንስራሕኩም እንተ ተጠቐምኩምላ እንታይ ነይሩዎ፧” ቀዳመይቲ መዓልቲ ምስ ኣዕለለኒ ሓቲተዮ ነይረ ንዘርእዝጊ ዳዊት (ገናውኖ)። “እታ ዝዓበናላ ዘይናትካ ዘይምድላይ ባህሊ’ኸ፧” ዘርእዝጊ ነዛ ቃል’ዚኣ ኣብ ድሮ ዕለተ-መስዋእቱ ኣብ ዘካየድናዮ ቃለ-መጠይቕ ኢሉዋ። ንሕቶይ በቲ ረዚን ክብሪ ሕብረተሰብ ኤርትራ መሊሱለይ። እዚ ዘቕረብኩልኩም ዕላል ካብ ኣፍ ብዓል ውዕሎ ዝሰማዕኩዎ እዩ። ሓደ ኣዝዩ ንእሽቶ ክፋል ካብ ውዕሎታት ኣብ ስግረ-ዶባዊ ስርሒታት ዝተሳተፉ ጀጋኑ ተጋደልቲ ድማ እዩ። እቲ ዝሰፍሐ ታሪኽ ናይቲ ስግረ-ዶባዊ ወፍሪ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ መዋፍርቲ ዘርእዝጊ ዝነበሩ ብሰፊሑ ከዘንትውዎ ንትስፎ።
Ministry of Information, Eritrea tweet media
AM
0
84
111
1.4K
SahilNa 🇪🇷 retweetledi
Ministry of Information, Eritrea
ሓካይምን ተሓከምትን ሰውራ ሻድሻይ ክፋል ኣብ ዝሓለፈ ክፋላት፡ እቲ ኣሃዱ መጥባሕቲ ዝተበገሰሉ ፈላሚ መሳርሒታት ሕክምና እንታይ ከም ዝነበረ ርኢና ነይርና። እቶም ሓካይም ድማ፡ ነዚ መሳርሒታት’ዚ ከይነዓቑ ብዘለዎም ዝከኣሎም ክገብሩ ብተወፋይነት ተበጊሶም። ነቲ ካብ ዓውደ ኲናት ብባሬላ ተጸይሩ ናብቲ ኣሃዱ መጥባሕቲ ዝመጸ ውጉእ ድማ፡ ኩሉ ምቅርራብ ገይሮም መጥባሕቲ ክገብሩሉ ተዳለዉ። ነቲ ውጉእ ኣካላቱ ከደንዝዙዎ ድማ፡ ዳርጋ ፍርቂ ሰዓታት ከም ዝወሰደሎም ይፍለጥ። ድሕሪ እዚ ኸ፧ እቶም ሓካይም፡ እቲ ወጉእ ምስ ደንዘዘ፡ ብቐጥታ ስርሖም ጀመሩ። ከብዱ ምስ ተኸፍተ፡ ኣብኡ ካብ ዝጸንሐ ብሳዓት መዓናጡ ናብ ቆፎ ከብዱ ዝፈስስ ትሕዝቶ መዓናጡን ደምን ዳርጋ ክልተ ሊትሮ ዝኸውን ኣልገሱሉ። መዓናጡን ካልኦት ውሽጣዊ ኣካላትን ከም ጸላም ከብዲ፡ ላልሽ፡ ቆስጠ፡ ኲሊት ወዘተ ብግቡእ ተመርመሩ። ኣብ ቀጢን መዓንጣ ዝነበሩ ሓሙሽተ ብሳዓት ተሰፍዮም፡ ናውቲ ከብዱን ቆፎ ከብዱን ብንቡር ማይ-ጨው ተሓጺቦም፡ መዝፈፊ ሻምብቆ (ድረይኔጅ ትዩብ) ኣብ ታሕተዋይ የማናይ ሸነኽ ከብዱ፡ ቆፎ ከብዲ ንምዝፋፍ ተሰዅዓሉ። ኣብ መወዳእታ ድማ፡ መንደቕ ከብዱ ተዓጽወ። ከብዱ ተኸፊቱ ክሳዕ ዝዕጾ ዳርጋ ሰለስተ ሰዓታት ወሰደሎም። ዶክተር ተኸስተ ፍቓዱ ነዚ ከብርህ ከሎ፡ “ኣብዚ መጥባሕቲ’ዚ፡ ክሳዕ ሕጂ ክርስዐን ዘይከኣልኩ ኣብ እዋን’ቲ መጥባሕቲ ክልተ ጸገማት ነይረን። እታ ቀዳመይቲ፡ እቲ ውጉእ መጥባሕቲ እናካየድናሉ እንከለና ጸጸኒሑን ደጋጊሙን ይበራበር ነይሩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ምብርባር ድማ፡ ጸገማት ይፈጥረልና ስለ ዝነበረ፡ ከም ብሓድሽ ክሳብ ዝድቅስ ንገለ ክልተ ወይ ሰለስተ ደቓይቕ ደው ክንብል ንግደድ ነይርና። እዚ ጸገም’ዚ ካብቲ እንጥቀመሉ ዝነበርና መደንዘዝን ኣወሃህባኡን ዝተበገሰ ኮይኑ፡ ጸኒሕና ንህቦ ስለ ዝነበርና እዩ። እቲ ካልኣይ ጸገም ድማ፡ ከብዱ እናዓጸናዮ እንከለና ዘጋጠመና’ዩ። ኬታሚን ንጭዋዳታት ዘለስልስ ባህሪ ብዘይ ምህላዉ፡ መንደቕ ከብዱ ጠረው ኢሉ ተገቲሩ ምቅርራብ ኣበየ። ምስኡ ንጭዋዳታት ዘለስልሱ መድሃኒት ክንህቦ ነይሩና። እዚ ድማ፡ ሞያዊ ኣደንዛዚ ኣብ ዘይብሉ ሓደገኛ እዩ። ስለዚ፡ እቲ ዝነበረና ኣማራጺ፡ በቲ ሒዝናዮ ዝነበርና ምቕጻል ጥራይ እዩ ነይሩ። ‘ብዘለካ ዝከኣለካ ግበር’ ብምባል ነቲ ዘጋጥሞም ዝነበረ ጸገማት ይገልጽ። ሽዑ እዋን እቶም ዝለዓለ መዓርግ ሕክምና ዝነበሮም ተጋዳላይ ዶክተር ተኸስተ ፍቓዱ፡ ተጋዳሊት ብርሃና ድማ ገና ነርስ’ኳ እንተነበረት፡ በቲ መትከል ህዝባዊ ሓይልታት ተመሪሓ ዝከኣላ ካብ ምግባር ድሕር ኣይበለትን። ኣብ ጎድኒ ዶክተር ተኸስተ ኮይና ድማ፡ ኩሉ ዝከኣላ ትገብር ነበረት። ናይ ሎሚ ዶክተር ብርሃና ንድሕሪት ተመሊሳ እንክትዝክር፡ ኣብቲ ኣብ 1976 ኣብ ግንባር ኲናት ዝግበር ዝነበረ ግጥምን ኣብኡ ዝተወግኡ ተጋደልትን ክትሕክም ምስ ጀመረት’ያ፣ ኣብቲ መስተንክራዊ፡ ፈላምን ዕዉትን መጥባሕቲ ናይቲ ከብዱ ዝተወግአን መዓናጡኡ ዝተዘልዘለን ተጋዳላይ ተኸስተ መስፍን ዝተሳተፈት። ብርሃና ኣብቲ ‘ተመኵሮ ደቂ ኣንስትዮ’ ዝብል መጽሓፋ፡ ብዛዕባ እቲ መጥባሕቲ ክትዛረብ ከላ ከምዚ ትወስኽ፦ እቶም ሓካይም ከይተሓለሉ ነቲ ውጉእ ድሕሪ ምድንዛዝ ቆፎ ከብዱ ከፈቱሉ። ገለ ላምፓዲና የብርህ፡ ገለ ድማ ይጠብሕ። ሽዑ ነቲ ዝተጠብሐ መዓናጡ እናገማጠሉ ከለዉ፡ ኣብቲ መዓናጡ ሓሳኹ ፈለኽለኽ ክብሉ ጸንሕዎም። ዶክተር ብርሃና ሽዑ ከምዚ ዓይነት ሓሳኹ ኣብ ውሽጢ መዓናጡ ወዲ ሰብ ኣጋጢሙዋ ስለ ዘይትፈልጥ ሰንበደት። ከምዚ ሓሳኹ ኣብ ዝሞተ ሬሳታት ጥራይ እዩ ዝርአ እምበር፡ ገና ብህይወቱ ዘሎ ሰብ ብኸምዚ ሓሳኹ ክውረስ ገረማ። ሰጋእ ድማ በለት። ሽዑ ነዚ ዝረኣየ ዶክተር ተኸስተ ብዙሕ ከይተሻቐለ፡ ከምዚ’ውን ከጋጥም ከም ዝኽእል በቲ ዝተመሃሮ ትምህርቲ ሕክምና ይፈልጥ ስለዝነበረ፡ ንብርሃና ከህድእ ክብል “ኣስካሪስ እዮም። ባልዕ መዓንጣ ጐንደራን እዮም” ብምባል ከምኡ ዓይነት ተርእዮ ንቡር ምዃኑ ገለጸላ። ንሳ ተጸዪና፡ ዶክተር ተኸስተ ግን ኣኣርዩ ካብቲ መዓናጡ ኣውጸኦም። “ምስ ከብቲ ኣብ ውሕጅ ተሰሪዕካ እናሰተኻ ደኣ፡ እንታይ ደሊኺ፧” በለ ጠንቂ ናይቶም ሓሳኹ ከብርሃላ። እቶም ሓካይም ሰውራ ነቲ ብመውጋእቲ ዝተኸፍተ መዓንጣ ክሰፍዩ ዝሓሰቡ፡ ጐንደራን ኣርዮም ክሳብ ዘጽርዩ ተወሳኺ ስራሕ ኮኖም። እቲ ውጉእ ዘዝበልዖ ዝቃጸጹ ሓሳኹ መዓንጣ’ውን ተራጊፎምሉ። ዝተኸፍተ መዓናጡኡ ብኣጋ ረድኤት ረኺቡ ድማ ደሓነ። ካብኡ ጀሚሩ እታ መሸፈኒ ቴንዳ ዘይነበራ ብዘለዎም ዝተኸሉዋ ኦኣር (ክፍሊ መጥባሕቲ) ተኣምር ክስርሓላ ጀመረ። ምስ ግዜ ድማ፡ ሓይልታት ካብ ግንባር መጺኦም ህድሞ ብምስራሕ ዘዝረኸቡዎ ቴንዳን ኣድላዪ ዝበሉዎ ንብረትን ኣምጺኦምሎም። “ክሳብ ምሕራር ናቕፋ ንገለ ኣዋርሕ እቲ ናይ መጥባሕቲ መስርሕ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ምዕባለ እናርኣየ ብኸምኡ ቀጸለ።” ክትብል ዶክተር ብርሃና’ውን ብወገና ብዛዕባ እቲ ውልዶ ኣሃዱ መጥባሕቲ ህዝባዊ ሓይልታት ትገልጽ። እቲ መስተንክራዊ መጥባሕቲ ዝተኻየደሉን ክሳብ ሎሚ ቃልሱ ዝቕጽል ዘሎን ወዲ መስፍን፡ ብዛዕባ ተወፋይነት ናይቶም ዘድሓኑዎ ሓካይም ሰውራ ክዛረብ ከሎ ከምዚ ይብል፦ “ሓካይም ህዝባዊ ግንባር ደኺምና፡ ሰልክዩና ከነዕርፍ ከይበሉ፡ ንዝተወግአ ተጋዳላይ ይሕክሙን የሕውዩን ነይሮም። ሞያዊ ክእለት እናሃለዎም ሰኣን መሳርሒታት ሕክምና ብዙሕ ተጋዳላይ ክስዋእ ዝኽእል’ኳ እንተ ነበረ፡ ሓካይም ሰውራ ብጥበብ’ዮም ህይወት ብዙሓት ብጾቶም ዘድሕኑ ነይሮም። በዚ ምኽንያት’ዚ፡ መስተክራዊ ታሪኽ ሓካይምና ክጸሓፈሉን ክዝንተወሉን ዝግባእ ቅዱስ ተግባር’ዩ። ኩሉ ተጋዳላይ መዓናጡኡ ዝተበትበተ፡ መንጋጋኡ ዝፈረሰ ሰብ ዝሓዊ ኮይኑ ኣይስመዖን ነይሩ። ብሳላ’ቶም ውፉያትን ሓያላትን ሓካይምና ግን፡ ከቢድ መውጋእቲ ዘጋጠሞ ተጋዳላይ ክትኣምኖ ብዝጸገም መንገዲ ይሓዊ ነበረ። ኣነ ንባዕለይ ኣብ ሰውራ ኤርትራ ቀዳማይ ካብ ናይ ከቢድ መውጋእቲ ዝሓወኹ ብምዃነይ እሕበን። ተጋዳላይ ተኸስተ መስፍን፡ “ኣብ ግንባር ናቕፋ ልዕሊ ሓደ ወርሒ ረድኤት ምስ ተገብረለይ ኣብ ሰበር ቀጠ ናብ ዝነበረ ማእከላይ ሕክምና ህዝባዊ ግንባር እየ ተወሲደ። ሽዑ ዝነበሩ ሓካይም ነቶም ካብ ፈቐዶ ዓውደ ውግኣት ዝመጽኡ ዝነበሩ ውጉኣትን ሕሙማትን ንኽሓውዩ ለይትን መዓልትን ዝጽዕሩ’ዮም ነይሮም። ከም ማንም ፍጡር መግቢ ክንበልዕ፡ ማይ ክንሰትን ክንድቅስን ከይበሉ፡ ህይወት ተጋዳላይ ኣብ እንግድዓኦም ስለ ዝተለጠጠ ዝለዓለ ሓላፍነት እዩ ነይሩዎም። ኣብ ሰውራ ከምዚኦም ሓካይም እንተ ዘይነብሩና እቶም ብዙሕ ግዜ ተወጊኦም፡ ሓውዮም ኣብቲ ዝግበር ዝነበረ ብረታዊ ተጋድሎ ቃልሲ ንናጽነት ዘካይዱ ዝነበሩ ተጋደልቲ ቃልሶም ኣይምቐጸሉን ነይሮም። “ኣነ ብወገነይ እቲ ገድሊ መሪር ስለ ዝነበረን ብዙሓት ብጾተይ ብመስዋእቲ ይፍለዩኒ ስለ ዝነበሩን፡ ብህይወተይ ናብ ኣስመራ ክኣቱን ናጽነት ከስተማቕርን እየ ኢለ ሓሲበ ኣይፈልጥን። ብሳላ’ቶም ምእንቲ ናጽነት ዝሓለፉ ጀጋኑን ውፉያት ሓካይምን ግን፡ ናጽነት ክርኢ በቒዐ ኣብ ጎደናታት ኣስመራ ሸናዕ ክብል ከለኹን ኣብ ቤት ጽሕፈተይ ኮይነ ክሳብ ትንፋሰይ ዘላ ንሃገረይ ከበርክት ከለኹን፡ ኩሉ ግዜ ነቶም ምእንቲ ሃገርን ህዝብን ዝሓለፉን ብሞያኦም ንተጋዳላይ ካብ መስዋእቲ ዘድሓኑ ሓካይምን ሰውራ ወትሩ ምስ ዘከርኩ’የ። ኣምላኽ ድማ፡ ሓደ ካብቶም ብዙሕ ፈተነታት ሓሊፎም ዝወጽኡ ውሑዳት ገይሩ እዩ ኣውጺኡኒ፡ ደቀይን ደቂ ደቀይን ክሓቁፍ ድማ ኣኽኢሉኒ” ይብል። #Eritrea ይቕጽል
Ministry of Information, Eritrea tweet mediaMinistry of Information, Eritrea tweet mediaMinistry of Information, Eritrea tweet media
AM
0
67
92
1K