
ምቁራፅ ትምህርቲ ትግራይ ብዝምልከት፦
ፎቖዶ ሽንጥሮታትን በረኻታትን ትምህርቲ ዘስጉም ዝነበረ ውድብ ኸዚ ብኣንፃሩ እቲ ፍንጫል ባዕሉ ብዘሳውሮ ዘሎ ኩናትን ወረ-ኹናትን ትምህርቲ ከቛርፅ እየ ይብል ኣሎ። እቲ ዝገርም ቕድሚ ሰሙናት "ስምምዕ ፕሪቶሪያ ፈሪሱ እዩ፤ እቲ ውንዙፍ መንግስቲ መሊሰ እየ" እንዶ አይበለን? መንግስቲ'ዳኣ እንታይ ድዩ ክውግን? ምቁራፅ? ምስቲ ኸዚ ዘሎ ናይ መናእሰይ ወፍሪ ግፋ እቲ ምኽንያት ግልፂ ይመስል።
ብዝኾነ "...ትምህርቲ ተዘይሃልዩ ኹለ ነገር እዩ ዝጠፍእ ... ከቢድ ናይ ዱንቁርና ማዕበል ይመፅእ ኣሎ ... ስለዚ እቲ ሰብ ባዕሉ እዩ ከድሕን ዘለዎ። ተዝተምሃረ እቲ ዝነቕሐ እምቢ ክብል አለዎ..." ይብል ኣሎ ክብሮም።
youtu.be/6UdGUkt_VLs?si…

YouTube
AM





















