@Semay Gratu retweetledi

አብ መንጎ ጌታቸው ረዳን ደብረፅዮን ገብረሚካኤልን ተፈጢሩ ዘሎ ፖለቲካዊ ዘይምርድዳእን ጎንፅን ብዙሕ ፍልስፍና ዘድልዮ አይመስለንን። እቲ ነባር መሪሕነት ህወሓት፣ ብደብረፅዮን ዝውከል፣ ንነዊኅ እዋን፣ ግዚያዊ ምምሕዳር ጌታቸው ረዳ ስርሑ ንኸይሰርሕ ብቐጥታን ብተዘዋዋርን ማሕለኻ ኮይኑ ፀኒሑ እዩ።
እቲ ኃዱሽ ምእባለ ጌታቸው ረዳ ቀስ ብቀስ ዝረኽቦ ዘሎ ተቀባልነት ብኃፂሩ ንምቕራይ ዝግበር ዘሎ ሽርኂ እዩ። ንጌታቸው ረዳ፣ ምስ ኩሎም ፀገማቱ ምድጋፍን ነቲ አጋጢሙ ዘሎ ኩነታት ንክስገር ፃእሪ ምግባር የድሊ። ሓደሓደ ወገናት፣ አብቲ ነባር መሪኅነት መልሓሶም ዝእሰር ብዘገርም ቕልጣፈን ድፍረትን ፀገማት ጌታቸው ረዳ ግን ብእሩይ ቁፅሪ ዝፅብፅቡ ከም ዘለዉ አስተውኢለ አለኹ።
AM

























